ግቡእ ክብርን ፍቕርን ምልክት ሓድነትናን ናፃነትናን ንዝኾነት ባንዴራና

ሃገራት ነናይ ባዕለን ባንዴራ ዘለዎን ኮይነን ምልክታት ባንዴራ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ዋና ዕላማ ባንዴራ መግለፂ ልኣላውነት፣ ናፃነት፣ ክብርን ሓድነትን ‘ዩ፡፡ ባንዴራ ወኪል ኮይኑ ዘገልግል መግለፂ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ኣብ ኢንባሲታት ኣብ ስፖርታዊ ፀወታታት ወዘተ ከም ወኪል ኮይኑ የገልግል፡፡

ባንዴራ ሃገርና ናይ ሃገር ክብርን ልኣላውነትን መግለፂ ኮይኑ ዋጋ ሂወት ዝተኸፈሎ ‘ዩ፤ ብምዃኑ እዚ ትውልዲ እዚ ንባንዴራ ክቡር ዋጋ ከምተኸፍሎ ተገንዚቡ ግቡእ ክብሪ ክህቦ ይግባእ፤ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ማለት ሃገር ምፍታው፣ ነንበዓልኻ ምክብባርን ምድግጋፍን ከምኡ ‘ውን ንሃገርካ ጠጠው ምባል ማለት ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ባንዴራ መግለፂ ክብርን ልኡላውነትን ሃገር ስለዝኾነ፡፡

ሎሚዘበን መበል 17 መዓልቲ ባንዴራ ‹‹ መዓልቲ ባንዴራና ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ንለኣላውነትናን ንብራኸ ኢትዮጵያን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታት ሃገርና ክኽበር እንተሎ ንሃገራዊ ሓድነትናን ልኡላውነትናን ብዘለዎ ትርጉም ‘ዩ፡፡ ባንዴራ ምልክት ሓድነት፣ መግለፂ ክብርን ልኡላውነትን ሃገር ‘ዩ ካብ በልና እዚ ባንዴራ እዚ ዋጋ ከምተኸፍሎ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ተረዲኡ ንባንዴራ ሃገር ግቡእ ክብርን ፍቕርን ክህብ ይግባእ።

ሃገርና ኣብተፈላላዩ እዋናት ፈተና እንትገጥማ ብናይ ህዝቢ ሓድነትን ምትሕባባርን ከትምክት እንተላ ሓንቲ ናይ ሃገር ባንዴራ ስለዘለትና ‘ዩ፡፡ ባንዴራ ማለት ሃገር ማለት ስለዝኾነ ወለድና ናይ ደገ ፀላኢ እንተጋጥሞም ሓንቲ ባንዴራ ሒዞም ናይ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ሃገር ኣረኪቦምና ‘ዮም፡፡ ሕዚ ‘ውን ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ምእንተ ክብሪ ባንዴራ ዶብ ሃገር ብጅግንነት ብምሕላው መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ዝኸፍሉ ዘለዉ ባንዴራ ማለት ምልክት ሃገር፣ ሃገር ማለት ድማ ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነት ‘ዩ

ብሄር ብሄረሰብ ዝውክል ዝተፈላላዩ ናይ ክልላት ባንዴራ ዋላ እንተሃለውና ንሕና ኢትዮጵያውያን ብሃገር ደረጃ ኣብ ሕገ መንገስቲ ብዝጠቐመጠ መሰረት ሓንቲ ናይ ሃገር ባንዴራ ኣለትና፡፡ ስለዚ ብሃገር ንዝመፀና ጉዳይ ኩልና ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ባንዴራ ንዓስለሉ ‘ዩ ዝኸውን፡፡

ባንዴራ መግለፂ ልኡላውነት ሃገርናን ብራኸ ኢትዮጵያን ብምዃና ንባንዴራ ኩሉ ግዜ ግቡእ ክብሪ ብምሃብ ክብራ ከንዕቕባ ኣለና፡፡ ኣብ ሓንቲ ባንዴራ ክንዓስል እንተለና ልምዓትናን ዕቤትናን ነረጋግፅ፡፡ ብፍላይ እዚ ትውልዲ እዚ ባንዴራ ሓደ ካብ መግለፂታት ልኡላውነትናን ሓድነትናን ምዃና ተገንዚቡ፣ ነንበዓሉ ብምክብባር በቢ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ስራሕቲ፣ ሃገር ንምዕባይ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

ንሕና ወለዶ ባንዴራ ፍልፍ ፍቅሪ ሃገርን ምልክት ልኡላውነትን ምዃና እንትንርዳእ ፍቅሪ ሃገር ይሓድረና፤ ፍቅሪ ሃገር እንትሓድረና ድማ ንለኣላውነት ሃገር ብሓደ ንስለፍ፡፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ፣ መግለፂ ሓድነት፣ፍልፍ ፍቅሪ ሃገርን ምልክት መግለፂ ልኣላውነትን እያ ከንብል እንተለና ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ሓድነት፣ ናፃነትና ኣጣቓሊላ ዝሓዘት ናይ ሓባር ኣርማናን ናይ ጥንካረ ሓወልቲናን ‘ያ፡፡

ትርጉም ባንዴራ ዓቢዪ ‘ዩ። ንሕና ኢትዮጵያያን ባንዴራ ዝዓበየት ሃብትና ኮይና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ዝተሳኣለት ናይ ክብርን ፍቕርን ምልክት ‘ያ፡፡ ስለዚ ኢትዮጵያውያን ዘመዝገብዎ ዓወታትን ምስ ክብርን ፍቕርን ባንዴራ ዝተኣሳሰረ ‘ዩ። ባንዴራና ምልክት ናፅነት ኣፍሪካውያን ‘ውን ‘ያ። ብሓፈሻ ክብርን ዝናን ባንዴራና ተዓቂቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ሎሚን ፅባሕን ንኢትዮጵያ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ከንኸውን ኣለና፡፡

ልክዕ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና ንባንዴራ ክብል ክቡር ሂወቱ ዝኸፍል ዘሎ፡፡ ከምዚ እንትንገብር ባንዴራ ወይ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ኣይኽእልን፡፡ ስለዚ ኩልና ንሃገርና ወይ ንባንዴራና ኣብጎንኺ ኣለኹ ከንብላ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ድማ ባንዴራና ከይተደፈረት ከትቕፅል እትኽእል ኩልና ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ስራሕቲና ብትግሃት ምስ እንፍፅም ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You