በዓል ኢሬቻ ንምጥንኻር ሓድነት ህዝቢታትን ፍልፍል ቱሪዝምን

ህዝቢ ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ማሕበራዊ ደረጃን ዕድመን ፍልልይ ብዘይ ምፍጣር ንዘመናት ብሕብረት እናኽበረ መፂኡ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ሓሊፉ ፀሓይ ብምውፃኣ ኣብ መዓልቲ ኢሬቻ ንፈጣሪ ምስግና ዘቕርበሉ ‘ዩ፡፡ ኣብ ወርሒ ክረምቲ ተረሓሒቑ ዝፀንሐ ዘመድ ይኹን ናይ ቐረባ ቤተሰብ ኣብ መስከረም በዓል ኢሬቻ ይራኸብ፡፡

ናይ ሎሚ ዘበን 2017 ዓ.ም ኢሬቻ 25መስከረም ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ፤ 26መስከረም ድማ ኢሬቻ ሆረ ኣርሰዴ ዝኽበር ኮይኑ ናይ ዕርቕን ሰላምን በዓል ብምዃኑ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢታት ብዘጣናኽር መልክዑ ክኽበር ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኦሮሞ ንሓድነትን ሕውነትን ዓብዪ ቦታ ኣለዎ፤ ሃፍቱን ንብረቱን ብምክፋል ሓቢሩ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ፡፡

ዝምድና ‘ውን ዘጣናኽር ኮይኑ ንእሽተይ ንዓብዪ የኽብር፣ ብሕውነት ሓቢሩ ክነብር ይገብር፡፡ በዓል ኢሬቻ ነዚ ባህልን ልማድን ብምጥንኻር ንሓደ ዕላማ ዝወፁ ሰባት ብንፁህ ልቢን ኣእምሮን ፈጣሪኦም ብምምስጋን ሓድነቶምን ሕውነቶምን ከጠናኽሩ ዘባራታትዕ ‘ዩ፡፡

ከም ኢሬቻ ልማድን ስርዓትን ካብ ተፈላላየ ቦታ ዝመፁ ተሳተፍቲ ብዘይምንም ፍልልይ፣ ብፍቕርን ሓድነትን ንፈጣሪ የመስግኑ፡፡ ሓቢርካ ምምስጋን ብሓባር ምስታፍ ምዝንናይን ግዜ ምሕላፍን ድማ ነንርእስኻ ንምፍላጥን ባህሊ ንምልውዋጥን ይሕግዝ፤ ሕውነትን ሓድነትን የጠናኽር፡፡ ካብዚ ሓሊፉ በዓል ኢሬቻ ብመንፅር ሓድነት ኦሮሞን ሕውነት ብሄር ብሄረሰባትን ምጥንኻር ምችው መድረኽ እናኾነ መፂኡ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ልክዕ ንበዓል ዳሜራ መስቀል ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብዙሓት ኣጋይሽ ዝመፁ ኣብ በዓል ኢሬቻ ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርናን ሃገራት ዓለምን ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎም ኣጋይሽ ናብቲ በዓል ይመፁ። ብምዃኑ ካብ ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ ንናይ ደገ ቱሪስቲታት ብምስሓብ ፍልፍል ዕቤት ቱሪዝም ‘ውን ‘ዩ፡፡

ኣብቲ በዓል ንምርካብ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ኣጋይሽ እንትመፁ ነቲ በዓልን መባፅሕቲ ቱሪስቲታትን ስለዝጉብንዩ ምስልን ኢኮኖሚን ሃገርና ንምዕባይ ልዑል ግደ ኣለዎ፡፡ ብምዃኑ ዘፈር ቱሪዝም ንምንቕቓሕን ሓደሽቲ መባፅሒ ቱሪስትን ስራሕቲ ልምዓት ንምፍላጥን ዝለዓለ ኣስተዋፀኦ የበርክት፡፡ ብፍላይ ብመንግስቲ ዝተሰርሑን እናተሰርሑን ዝርከቡ ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ኻልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ንምፍላጥ ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎ፡፡

በዓል ኢሬቻ ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ኣለዎ፤ ፅቡቕ ምስሊ ሃገርና ንዓለም ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ፍልፍል ኢኮኖሚያዊ እቶት እናኾነ መፂኡ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ንናይ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ናይ መጋየፂ መፍረይቲ እቶት ክረኽቡ ፅቡቕ ኣጋጣም ዝፈጥር ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ንሃገር ተወሳኺ እቶት ዘርክብ ‘ዩ፡፡

ሓድነት ህዝቢታት ንምጥንኻር ካብ ምግልጋል ብተወሳኺ ንናይ ሃገርና ዕቤት ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ዘበርክቶ ኣስተዋፀኦ ልዑል ‘ዩ፡፡ ኢሉ ‘ውን ናይ ባህላዊ ክዳውንቲ ተሓልዩ ክኸይድ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ናይ ውልቀ ሰባት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ብመንፅር ምፍላጥ ባህልን መንነትን ኦሮሞ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ‘ዩ፡፡

ስለዚ ድሕሪ ፅባሕ ማለት ቐዳመ ሰንበት ንዝኽበር በዓል ኢሬቻ፣ ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ሃርሰዴን ብፍሉይ ደሚቁ ንክኽበር ብዙሓት ምድላዋት ተወጊኖም ‘ዮም፡፡ ምስ ኣባገዳታት፣ ሃደስንቄታት፣ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን እቲ በዓል ብሰላም፣ ብፍቕሪን ታሕጓስን ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታን ክኽበር ‘ዩ፡፡

ኣብዚ በዓል ንምስታፍ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ባህሊ ክዳውንቶም ብምኽዳን እቲ በዓል ብፍቅሪ፣ ብሓድነትን ሰላምን ክኽበር ድማ ትፅቢት ይግበር፡፡

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You