ዘባራታትዕ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት እናመዝገበት እትርከብ ሃገር

ሓንቲ ሃገር ብኢኮኖሚ ክትዓቢ እንተኾይና ንኢኮኖሚኣ ኣብ ዘዕብዩ ነገራት ትኹረት ገይራ ምስራሕ ናይ ግድን ‘ዩ፡፡ ኩለንተናዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ሃገር ንምርግጋፅ ብዙሓት ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ፡፡ ዘበራታትዑ ውፅኢት ‘ውን ኣመዝጊቡን እናመዝገበን ይርከብ፡፡

መንግስቲ፣ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ንምግባር ብዝሰርሖን ብዝሰርሖም ዘለዉን ስራሕቲ ካብ ዕቤት ነፀላ ዘፈር ናብ ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ እናተሰጋገረት ትርከብ፡፡ እዚ ድማ መንግስቲ ፍትሓዊ ተጠቓሚነት ህዝቢታት ንምርግጋፅ ኣወንታዊ መሰረት እናንፀፈ ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዘፈር ግብርና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሽዱሽተ ነጥቢ ትሻዓተ ሚኢታዊ ሓፈሻዊ ዕቤት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡ ናብ ሸውዓት ሚኢቲ ሚልዮን ኩንታል ዝኸውን ኣብ ኣብ ከም ስርናይን ሩዙን ዝበሉ ኣእኻል ምፍራይ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ስርናይ ኣዝዩ ዘኹርዕ ውፅኢት ምምዝጋብ ዝተኸኣለ ኮይኑ ብሓፈሻ ኣብ ዘፈር ግብርና ልዑል ውፅኢት ተመዝጊቡን እናተመዝገበን ይርከብ፡፡

መንግስቲ ብዝሰርሖ ልዑል ስራሕቲ ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ‘ውን ትሽዓተ ነጥቢ ክልተ ሚኢታዊ ዕቤት ዝተመዝገበ እንትኸውን ካብዚ ኣብ ላዓለዎትን ማእኸለዎትን ኢንዱስትሪታት ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቡን እናመዝገበን ይርከብ፡፡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት በቢከባቢኡ ንምስ ፍሕፋሕ ብዝተገበረ ፃዕሪ ኮይኑ ግና ብዝተፈላላዩ ምኽንያት ካብ ኣፍራያይነት ወፃኢ ኮይኖም ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚኢትን ኣርባዓን ሽዱሽተን ኢንዱስትሪታት ናብ ከባቢ ሰለስተ ሚኢትን ቴስዓን ሰለስተን ዝኾኑ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ክምለሱ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ኩናት ብርክት ዝበሉ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ጉድኣት በፂሕዎም ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ኮይኖም ካብ ዝነበሩ ዘፈራት ትካላት ኢንዱስትሪታት ትግራይ ተጠቐስቲ ‘ዮም፡፡ ብምዃኑ ብዝተገብረ ክትትልን ድጋፍን ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ፍርያት ካብ ምፍራይ ጠጠው ኢሎም ካብ ዝነበሩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ክልተ ሚኢትን ዒስራን ሸውዓተን ናብ ኣፍራያይነት ክምለሱ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ጉድኣት በፂሕዎም ማሕባረዊን ኢኮኖሚያዊን ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ትካላት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ገይሩ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ነዞም ትካላት እዚኦም ብዙሕ ወፃኢ ኣውፂኡ ብምፅጋን ናብ ስራሕ ክምለሱ ብምግባሩ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣብቲ ትካል ተሳመርዮም ህይወቶም ክመርሑ ገይሩ ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ከምዚኦም ዝበሉ ስጉምትታት ብምውሳድ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ስራሕ ክምለሱ ምግባር ነቲ ዘፈር ንምዕባይ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ መንግስቲ ቑርፀኝነት ዘማላኽት ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ኣብ ካልኦት ክልላት ‘ውን በቲ ኩናት ጉድኣት በፂሕዎም ዝነበሩን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ሰሪሑን እናሰርሐን ይርከብ፡፡ ኣብ ቱሪዝም እንተሪእና ‘ውን፣ ቱሪዘም ንምዕባይ ከም ገበታ ንሃገር፣ ገበታ ንትውልዲ ዝመሳሰሉ ፕሮጀክትታት ብምንዳፍ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖምን እናተሰርሑን ‘ዮም፡፡

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ መንግስቲ ብሓፈሻ ኣብ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝተፈላላዩ ትምልታት ተሊሙ ኣብ ምንቕስቓስ ይርከብ፡፡ ናሕሪ ዋጋ ንምቑፅፃር፣ ንኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕን ተሊሙ ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ብተወሳኺ ከባቢ ኣየር ንምሕላው ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሕዚ ‘ውን ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ ካሊእ ብመካናይዜሽን እናተደገፈ እናተሰርሐ ዝመፀ ሕርሻ ሕዚ ‘ውን ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣብ ምግባር መደብ ሒዙ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ ብሓፈሻ መንግስቲ ኩለመዳያዊ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንምዕባይ ኣብ ብዙሓት ዘፈራት ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You