‹‹ተዓዋትነት ኣትሌታት ወነ ተዓዋትነት ኢትዮጵያውነት ኢዩ››ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ንዝሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኣፋኒየን።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ዘለዋ ድሙቕ ታሪክ ንክቕፅል ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ዝሳተፉ ኣትሌታት ድሙቕ ታሪክ ንክፅሕፉ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓደራ ኢለን።

ኣብ ሮም ኦሎምፒክ ብማራቶን ዝተጀመረ ዓወት ጅግና ኣበበ ቢቂላ ብጥራሕ እግሩ ጎይዩ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ ሓሊፉ ኢዩ ኢለን። ኣትሌት ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ዓወት ብምምዝጋብ ናይ መጀመሪያ ፀላም ጓል ኣነስተይቲ ብምዃን ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኣርኣያ ኮይና ኢያ። ናይዞም ኣትሌታት ተዓዋትነት ወነ ተዓዋትነት ኢትዮጵያውነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታት እቲ ዓወት ኣብ ውሽጦም ንክሕዙ ሓቲተን።

“ናታትኩም ተዓዋትነት ተዓዋትነት ኢትዮጵያ ኢዩ” ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፣ ኢትዮጵያ ንክትዕወት ተደጋጊፎምን ተሓባቢሮምን ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You