በሪሁ ኣረጋዊ 3ሽሕ ሜትሮ ክብረወሰን ኢትዮጵያ ሰቢሩ

ኦሊምፒክ ፓሪስ 10 ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ተዓዋታይ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ናይ ኢትዮጵያ 3ሽሕ ሜትሮ ክብረወሰን ሰቢሩ፡፡ ሊግ ውድድር ዳይመንድ 2024 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 19 ነሓሰ2016 መበል12 መባፅሒት ከተማ ዝኾነት ኣብ ፓላንድ ቾርዞው ከተማ ስታድየም ሴሌሲያን እንትካየድ ኣትሌት መንእሰይ በሪሁ ኣረጋዊ 3ሽሕ ሜትሮ ውድድር መበል ካልኣይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡

ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ብዙሓት ከዋኽብት ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፍሉ ውድድር በሪሁ ቀዳማይ ኾይኑ ምዝዛም እንተዘይኻኣለ ‘ውን ኻልኣይ ኾይኑ እንትዛዝም ዘመዝገቦ 7፡21፡28 ሰዓት ናይ ኢትዮጵያ ክብረወሰን ንክሕዝ ኣኽኢልዎ ‘ዩ፡፡ እዚ ሰዓት በዚ ርሕቐት ናይ ዓለም መበል ሳልሳይ ፈጣን ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡

ጠንካራ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ኣብዚ ውድድር ኖርዌዣዊ ናይ 5ሽሕ ሜትሮን ናይ ኦሊምፒክን ቻምፒዮና ዓለምን ጃኮብ ኢንግብሪግስተን ናይ 3ሽሕ ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ሰቢሩ ‘ዩ፡፡ ጃኮብ 7፡17.55 ብዝኾነ ሰዓት ክብረወሰን እንተመሓይሽ ፤ብኬንያዊ ኣትሌት ን28 ዓመታት ተዳሒዙ ዝፀንሐ ክብረወሰን ሰቢሩ ‘ዩ፡፡

ነዚ ድማ መበል ካልኣይ ኾይኑ ዝዛዛመ መንእሰይ ኢትጵያዊ ኣትሌት በሪሁ እቲ ውድድር ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ብምፍጣን ዘርኣዮ ፅቡቅ ብቅዓት ዓብይ ግደ ነይርዎ ፡፡ ድሕሪ 2024 ኦሊምፒክ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብዚ ዳይመንድ ሊግ ፍኽክር ንዓወት ትፅቢት ዝገበረሎም ኣትሌታት ዘይተሳኸዐሎም ተሪፍ ‘ዩ፡፡

ብ3ሽሕ ሜትሮ ናይዚ እዋን ናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ብርኪ ዝተቀመጠ ዮሚፍ ቀጀልቻ 7፡28፡44 ብዝኾነ ሰዓት መበል ሳልሳይ ኾይኑ እንትዛዝም፤ በዚ ርሕቐት ንመጀመርያ እዋን ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጥላሁን ሃይለ 7፡30፡97 ብዝኾነ ሰዓት መበል ራብዓይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ናይ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ናይ10ሽሕ ሜትሮ ተዓዋታይ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ብ7፡32፡49 ሰዓት መበል ሻውዓይ ብርኪ ሒዙ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡

ዋና ከተማ ፓላንድ ሴሌሲያ ስታድየም ብዝተፈላለዩ ውድድራት ናይ ዓለም ክብረወሰንን ፈጣን ሰዓት ኣብ ዝተመዝገብሉ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 1500 ሜትሮ ውድድር ብ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ተዓዋትነት ተዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያዊት ኣትሌትን ዓብይ ተስፋ ዝተውሃባ ኣትሌት ድሪቤ ወልተጂ ብ1500 ሜትሮ ርሕቐት ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡

እታ መንእሰይ ኣትሌት እቲ ርሕቐት 3፡57፡08 ብዝኾነ ሰዓት ክትዛዝም ክኢላ ‘ያ፡፡ ድሪቤ ካብ ፓሪስ ኦሎምፒክ መልሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዊዘርላንድ ሉዛን ዲያመንድ ሊግ ብ3ሽሕ ሜትሮ ተሳቲፋ ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ብምስባር ተዓዋቲት ከምዝኾነት ዝዝከር ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ብኣርባዕተ መዓልቲ ኣፈላላይ ብኽልተ ዝተፈላለዩ ርሕቐት ተዓዋቲት ንክትኾን ኣኽኢልዋ ‘ዩ፡፡

ካሊእቲ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ፅቡቕ ቅዋም እናሃለወት ዘይተሳተፈት ዝተረፈት ኣብ ድያመንድ ሊግ ፅቡቕ ፍኽክር ገይራ 3፡ 57፡88 ብዝኾነ ሰዓት መበል ካልኣይ ኾይና እንትዛዝም ፤እንግሊዛዊት ቤሊ ጂዮርጂያ 3፡58፡11 ብዝኾነ ሰዓት መበል ሳልሰይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡

ብተመሳሳሊ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ብደቂ ተባዕትዮ 3ሽሕ መሰናኽል ወድድር ሞሮካዊ ባዓል ዋና ናይ ኦሎምፒክን ቻምፒዮና ዓለምን ሶፊያን ኤልባካሊ ተዓዊቱ፡፡ ድሕሪ ፓሪስ በዚ ድያመንድ ሊግ ብርቱዕ ንሕንሕ እንተገጠሞ ‘ውን ምስ ኬንያዊ ኣሞስ ሴሬም ማዕረ ብዝኾነ ሰዓት (8፡04፡29) ብምዝዛም ብፎቶ ፊኒሽ ተዓዋታይነቱ ክረጋግፅ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ናይቲ ርሕቐት ሜዳልያ ወርቂ ንምርካብ እንትወዳደር መሰናኽል ጠሊፍዎ ዝወደቀ ናይቲ ርሕቐት ባዓል ዋና ክብረወሰን ዓለም ለሜቻ ግርማ ኣብ ድያመንድ ሊግ ኣይተሳተፈን፡፡ ኣብዚ ውድደር ቅድም ኢሉ ናይ ተዓዋትነት ግምት ተዋሂብዎም ዝነበረ ኣትሌታት ክዕወቱ ኣይካኣሉን፡፡ ሳሙኤል ፍሬው መበል 3 ፣ሳሙኤል ዱጉማ መበል8፣ ከምኡ ‘ውን ጌትነት ዋለ መበል11 ኾይኖም ውድድሮም እንትዛዝሙ ኣብርሃ ስሜ ድማ ኣቋሪፁ ወፂኡ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You