‹‹ታሪኽ ኢትዮጵያ ምስ ኣትሌቲክስን ኦሊምፒክ ውፅኢት ዝተትሓሓዘ‘ዩ››  – ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣብ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ‘ዩ። ምሸት ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ጉጅለ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናይ ክብሪ ሽልማት፣ ናይ መበረታትዕን እንግዶት ድራርን መርሃ ግብሪ ተኻይዱ ‘ዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝርርብ ዝገበራ ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተረኸብክሉ ግዜ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሜዳልያ ከምትረክብ እናተገለፀ ከምዝነበረ ኣዘኪረን። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኦሎምፒክ ኣትሌቲክስ ምስ ውፅኢት ዝተድሓሓዘ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፀን። ኣብ ፓሪስ ዓብይ ቃልሲ ብምግባር ውፅኢት ዘመዝገቡን ውፅኢት ንምምፃእ ዝፃዓሩ ኹሉ ምስጋና ኣቕሪበን ‘የን።

እተን ፕሬዝደንት ኣብ ዝሓለፈ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ነቲ ጉጅለ እንትቕበላ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝገበርኦ ዝርርብ ብምድጋም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓወት ኣትሌታትና ናይ ወርቂ ምምፃእ ትፅቢት ምግባር ባህሊ እንተሃለወ ‘ውን ኣብ ቶክዮ እዚ ምስኻዕ ከምዘይተኽኣለ ድሕሪ ምዝካር ዝሓለፈ ዝርርበን ኣብ ናይ ኸዚ ፓሪስ ውፅኢት ከምዝሰርሕ ንምርዳእ ሞኪረን እየን።

ፀገማት እንትፍጠር ናይ ምምርማርን ምፍላጥ ኢሉ ‘ውን ንቀፃሊ ምስትኽኻል ከምዝግባእ ዝተዛረባ እተን ፕሬዝደንት ፤ ኣብ ፓሪስ ዝተፈጠረ ፀገማት ብሱቕታ ክሕለፍ ከምዘይግባእ ገሊፀን። በዚ ድማ ንቀፃሊ ኦሎምፒክ ፀገማት ብምቕራፍ ምድላው ዝካኣል ካብ ኸዚ ክኾን ከምዝግባእ ገሊፀን። ‹‹ናይ ኣትሌቲክስን ኦሎምፒክ ታሪካዊ ብቅዓቶም ክፍተሸን ክረአይን ክምርመር ይግባእ። ኩነታት ዓለም ብዝምጥን መልክዑ ከም ሓድሽ መሓዉሩ ክፍተሸ ይግባእ ›› ብምባል ካብ ኦሎምፒክ መልሲ ዝገበረኦ ዝርርብ መሊሰን ኣቕሪበን ‘የን።

ውፅኢት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰን ካልኦት ሃገራት እናበለፁና ብምዃኑ እዚ ቀውሲ ውፅኢት ክቕረፍ ኣለዎ ኢለን። ኩርዓት ሃገር ዝኾኑ ኣትሌታትና ኣብ መድረኽ ዓለም ምምፃእ ዝኽእሉ ውፅኢት ንከምፅኡ ዝምልከቶም ኣካላት ኹሉ ምስራሕ ዘለዎም ገዛ ዕዮ ከምዘሎ እተን ፕሬዝዳንት ኣተሓሳሲበን።

ኣብቲ ሽልማት መርሃ ግብሪ ውፅኢት እንተዘይቀንዖም ‘ውን ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ካብ 75ሽሕ ክሳብ 300ሽሕ ብር መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪትሎም ‘ዩ። ዓብይ ንሕንሕ ብምግባር ሜዳልያ ብሩር ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣርባዕተ ሚልየን ብር እንትሸለሙ ብሕታዊ ወርቂ ሜዳልያ ዝረኸበ ኣትሌት ታምራት ቶላ ናይ 7ሚልየን ብር ከምኡ ‘ውን ናይ ወርቂ ኒሻን ተሸላሚ ኾይኑ ‘ዩ። ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ንዝገበሮ ተሳትፎ ናይ ወርቂ ኒሻን ተሸላሚ ኾይኑ ‘ዩ።

ንኣሰልጠንቲ ካብ 50ሽሕ ጀሚሩ እቶም ኣትሌታት ከም ዘመዝገብዎ ውፅኢት ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ብር ሽልማት ተገይሩ ‘ዩ። ወርቂ ንዘምፀኡ ኣሰልጣኒ 2ሚልየን ብር ናይ ገንዘብ ሽልማት ተበርኪቱ ‘ዩ። ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ብፍሉይ ተሸላሚ 2ሚልየን ብር ተሸሊሙ ‘ዩ።

ሚኒስትር ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ፤ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ሃገራት ኣብ ሓደ መንደር ተሰብሲቦም ገፅታ ሃገሮም ዝሃንፅሉ ባንዴራ ልዕል ዘብልሉ ሰላማዊ መድረክ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ተሳትፎ ጥራሕ እንተይኾነትስ ብታሪኻዊ ዓወት ‘ውን ኣብ ዓለም ትፅቢት ዝግበረላ ‘ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ድማ ብምትሕብባር ዘይካኣል ክኢልና ስለ እነርኢ ‘ዩ ኢለን። ዝተመዝገበ ውፅኢት ዘበረታትዕ እንተኾነ ‘ውን ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ውፅኢት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጠንካራ ፈተና ከምዘጋጠሞ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ኦሎምፒካት መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፀን። ምስ እዚ ተደሓሒዙ ዝረኣዩ ፀገማት መስራቤት ሚኒስተር ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ብፅንዓትን ዘተን ምስ ኣመራርሓ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓ ኣንፃር ዝረኣዩ ዕንቅፋት ንምፍታሕ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ‘ዩ ኢለን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You