ኮንፌዴሬሽን ቦክሲ ኣፍሪካ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ኢትዮጵያ ኸፊቱ

ኮንፌዴሬሽን ቦክሲ ኣፍሪካ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፓርኪ ሓድነት ኣመሪቑ። ኣብቲ ምርቃት ስነስርዓት ሚኒስትር ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፤ ኮንፌዴሬሽን ቦክሲ ኣፍሪካ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ኢትዮጵያ ምኽፋቱ ማሕበራዊ ፣ፖለቲካዊን ኢኮኖምያውን ግድኡ ዓብይ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኢትዮጵያ ምኽፋቱ ዕብየት ስፖርት ቦክሲ ዓብይ ግደ ንክህልዎ ካብ ምእኽኣሉ ዝሓለፈ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ዓብይ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን። ብኹሉ ስፖርት ተወዳደርቲ ንምፍራይ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን፤ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኢትዮጵያ ምኽፋቱ ስፖርት ቦክሲ ከምዘነቃቅሕ ‘ውን ገሊፀን ‘የን።

ብስፖርት ዲፕሎማሲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህጉር ክፍልታት ዝወፁ ሃገራት ርክብ ንምፍጣር ዝጠቅም ‘ዩ። መንግስቲ ንስፖርት ህንፀት መሰረተ ልምዓት ጀሚሩ ቁርፀኛ ብምዃኑ እዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ቀፃሊ ትልሚ ብምሓዝ ንምስራሕ ፃዕሪ ከምዝገብር ተዛሪበን።

ፕሬዝደንት ፌዴሬሽን ቦክሲ ኢትዮጵያን ፕሬዝዳንት ፌደሬሽን ቦክሲ ኣፍሪካን እያሱ ወሰን ብወገኖም፤ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክኽፈት መንግስቲ ሓዊሱ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣብ ሙዝየም ዓድዋ ዝተኻየደ ኢንተርናሽናል ቦክሲንግ ኣሶሲየሽን (IBA) እቲ ውድድር ሓዊሱ ካልኦት ዓለምለኸ ውድደራት ብምድላው ንስፖርት ዕብየትን ተፈታውነት ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ቱሪዝም ስፖርት ካብ ምስፋሕ ካብ ምስሊ ሃገር ምፍጣር ከምኡ ‘ውን ባዓል ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብ ከምዘኽእል ገሊፀን። ብተወሳኺ ስፖርተኛታት ተረባሒ ካብ ምግባር ናይ ወፃኢ ሸርፊ ናብ ሃገር ውሽጢ ብምምፃእ ዓብይ ግደ እናእተወ ከምዝኾነ እቶም ፕሬዝዳንት ኣብሪሆም። ብሽም ኣፍሪካ ደላላን ካልኦት ክሳብ ኸዚ እናተጠቀሙ ከምዝነበረን እዚ ብምሽናፍ እቲ ውድድር ንመጀመርታ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ንክካየድ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም ‘ዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዓበይቲ ውድድራት ንምግባር ከምዝተተለመ ገሊፆም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምርቓት ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ዴኤታ ሚኒስትር ዘፈር ስፖርት ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፤ ዴኤታ ሚኒስትር ዘፈር ልምዓት ፈጠራ ኪነ-ጥበበን ስነ-ጥበብ ነፊሳ ኣልማህዲ፤ ከምኡ ‘ውን ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ኣባላት ቦርድን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብ ሙዝየም ዓድማ ካብ 51 ክሳብ 96 ኪ.ግ ክብደት ዘሎ ዘፈር ውድድር ንመጀመርታ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ናይ ቦክሲ ንሕንሕ ገይሮም ‘ዮም። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 7ሃገራት ዝተውፃፅኡ ቦክሰኛታት ተሳቲፎም ‘ዮም። ሓደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሽድሽተ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ፕሮፈሽናልን ኽልተ ሴሚ ፕሮፈሽናል ግጥም ተኻይዶም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ብ60ኪሎ ግራም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ግጥም ዝወከለ ኣቡበከር ሰፋን ምስ ጋናዊ ጆሴፍ ኮሜይ ብ6ዙር ውድድር ፅቡቕ ንሕንሕ ኣካይዱ ግና ተሸኒፉ ‘ዩ። ካሊእ ኢትዮጵያዊ ተመስገን ምትኩ ብ75ኪሎግራም ምስ ሞሮካዊ ቦክሰኛ ያሲን ኢሎሰኛ 3ዙር ግጥም ብምግባር ክዕወት ኣይካኣለን።

ብደቂ ተባዕትዮ ብ80 ኪሎግራም ኸቢድ ሚዛን ግጥም ታንዛንያዊ ዩሴፍ ቻንጋላዊ ምስ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ፒታ ካቤጂ ብ8 ዙር ተጋጢሙ ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ። 8ዙር ዝወደአ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 48 ኪሎግራም ቀሊል ሚዛን ፊልምያ ሩስያዊ ኢድመንድ ኩሁዶዮን ሜክሲካዊ ዳንኤል ቫላዴራዝ ገጢሙ ተዓዋታይ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ብደቂ ተባዕትዮ 80ኪሎግራም ከባድ ሚዛን ፍልሚያ ታንዛንያዊው ዮሱፍ ቻንጋላዌ ተጋጣሚኡ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ብ8ዙር ተጋጢሙ ክስዕር ክኢሉ ‘ዩ።

ብደቂ ተባዕትዮ 51 ኪሎግራም ቀሊል ናይ ‹‹ቀበቶ›› ግጥም ዛምብያ ፓትሪክ ችንዬምባ ጋናዊ ኣሎቲ ቲዮፊለስ ብ4 ዙር ተጋጢሙ ተዓዋታይ ቀበቶ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ናይ 75 ኪሎግራም ማእኸላይ ሚዛን ግጥሚያ ሞዛምቢካዊት ክራድይ ኣዶሲንዳ ግራማኔ ብናይጀርያዊት ፓትሪሽያ ምፓታ ብ6ዙር ግጥም ተሳዒራ ‘ያ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You