ባዓልቲ ዋና ክብረወሰን ፓራሊምፒክ

ኣብ ፓሪስ 2024 ፓራሊምፒክ ፀወታታት ኢትዮጵያውያን ደሚቕ ታሪኽ ፂሒፎም ‘ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሌት ትእግስት ገዛሀን ኣብ ፓራሊምፒክ ዓይነስውር ጭላንጭል ምድብ (T 13) 1500 ሜትሮ ውድድር 4፡22፡39 ብምዝዛም ንኻልኣይ ግዜ ሜዳልያ ወርቂ ከምዘመዝገበት ዝዝከር ‘ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰኒ ድማ ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ንኢትዮጵያ ካልኣይ ሜዳልያ ወርቂ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡ ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ኣብ ፓራሊምፒክ ውድድር ምስ ሓቢሩዋ ዝጎይ ክንዱ ሲሳይ ብምዃን ብ1500 ሜትሮ ብዓይነስውራን ሙሉእ ብሙሉእ( T 11) ውድድር ተዓዋቲት ብምዃን ደሚቕ ታሪኽ ፅሒፋ ‘ያ፡፡

እታ ኣትሌት ኣብቲ ውድድር ወርቂ ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ቅድም ኢሉ ብናታ ተዳሒዙ ዝነበረ ናይቲ ርሕቐት ክብረወሰን ዓለም ምምሕያሻ ተወሳኺ ታሪኽ ኾይኑ ‘ዩ፡፡  እዚ ድማ ኣብ ፓራሊምፒክ ካብ ትዕግስቲ ገዛሀኝ ብምቕፃል ንኢትዮጵያ ካልኣይ ሜዳልያ ወርቂ ዘበርከተት ኾይና ኣብ ማህደር ታሪኽ ንክትቕመጥ ገይርዋ ‘ዩ፡፡

እዛ ኣትሌት ተዓዋቲት ንክትኾን እቲ ርሕቐት ንምዝዛም ዝወደእላ 4፡27፡68 ብናታ ተዳሒዙ ዝነበረ ናይ ዓለም ክብረወሰን ብኣርባዕተ ሰከንድ ምምሕያሽ ዝኻኣለት እንትኾን፤ ኣብ 2024 ጃፓን ኮቤ ናይ ዓለም ፓራሊምፒክ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብ1500 ሜትሮ ዓይነስውራን ሙሉእ ብሙሉእ ምድብ ውድድር ገይራ 4፡31፡77 ብምጉያይ ናይቲ ርሕቐት ክብረወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዋቲት ከምዝነበረት ዝዝከር ‘ዩ፡፡

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ፓራሊምፒክ ምንቅስቃሰ ውሽጢ ብዝድነቕ ውፅኢት እናታዓጀቡ ካብ ዝርከቡ ኣትሌታት እታ ሓንቲ ያየሽ ጌቴ ‘ያ፡፡ ኣትሌት ያየሽ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ደብረታቦር ዝተወለደት እንትትኾን ዕድሜኣ 27 ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝተወለደትሉ ስፍራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ‘ያ ነይራ ጉያ ዝጀመረት፡፡ ከተማ ደብረታቦር ኣብ ትሕቲ ናይ ፓራሊምፒክ ኣትሌቲክስ ፕሮጀክት ስልጠና ብምውሳድ ካብ እትጅምር ዓመታት ተቖፂሮም ‘ዮም፡፡

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ፓራሊምፒክ ሻምፒዮና ውፅኢታዊ ምዃና ስዒቡ ብብሄራዊ ጉጅለ ናይ ምሕቋፍ ዕድል ዝረኸበት ያየሽ፤ ናይ መጀመርያ ዓለምለኸ ውድድራ ዝገበረት ብ2020 ኣብ ቱኒዝ ‘ዩ ነይሩ፡፡ በዚ ድማ ብ200 ሜትሮ ን 400 ሜትሮ ጥምር ሜዳልያ ወርቂ ተረኪባ ‘ያ፡፡

ብ400 ሜትሮ ናይ ቶኪዮ 2020 ፓራሊምፒክ ሚኒማ ብምምላእ በቲ ጉጅለ ዉሽጢ ተኸታታሊ ስልጠና ውሽጢ እናወሰደት እንተነበረት እንተኾነ ‘ውን ዓለምለኸ ፓራሊምፒክ ኮሚቴ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝሃቦ ሓደ ናይ ተሳትፎ ኮታ ኣትሌት ያየሽ ወርቂ ምስ ዝረኸበት ኣትሌት ትእግስት ገዛሀኝ ተወዳዲራ ብትዕግስቲ ስለዝተበለፀት ናይ ፓራሊምፒክ ፀወታታት ናይ ምስታፍ ዕድላ ከይተሳኸዐላ ተሪፉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ፓራሊምፒክ ናይ ምስታፍ ሕልማ ተግባራዊ ንምግባር ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስኣ ምስ ዝጎይ ክንዱ ሲሳይ ብምዃን ናብ ማእኸላይ ርሕቐት ፊልዳ ብምቕያር በርቲዓ ሰሪሓ ‘ያ፡፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዱባይ ብዓይነ ስውራን ምሉእ ብሙሉእ ምድብ 1500 ሜትሮ ውድድር ሜዳልያ ወሪቂ ተዓዋቲት እንትትኾን ንዓለም ሻምፕዮና ዘሳትፋ ሰዓት ‘ውን ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ፡፡

ኣብ 2024 ጃፓን ኮቤ ናይ ዓለም ፓራሊምፒክ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብ1500 ሜትሮ ዓይነስውራን ሙሉእ ብሙሉእ ምድብ ውድድር ብምግባር 4፡31፡77 ብምጉያይ ናይቲ ርሕቐት ናይ ዓለም ሪከርድ ብምስባር ሜዳልያ ወርቂ ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡ ኣትሌት የየሽ ጌቴ ናይ መጀመርያ ናይ ፓራሊምፒክ ተሳትፈኣ ውድድር መፃረይ ቀዳማይቲ ኾና ዛዚማ ‘ያ፡ ፡

ንሰዓርነት ቅድምያ ዝተውሃቦም ናይ ቶኪዮ 2020 ናይቲ ርሕቐት ባዓልቲ ዋና ወርቂ ሜዳልያ ሜክሲካዊት ሮድሪጌዝ ሳቬድራ ን ኣብ ቶኪዮ ሜዳልያ ብሩር ከምኡ ‘ውን ናይ ኮቤ ዓለም ሻምፕዮና ባዓል ዋና ናሓስ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካዊት ኮኢትዚ ሎዛኒ ሓዊሱ ብምስዓር ክብረወሰን ዓለም ናይ ውልቀኣ ብምግባር ዘመን ተሳጋሪ ታሪኽ ንምስራሕ በፂሓ ‘ያ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You