ኤምባሲ ጃፓን ንጋንታ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣሰናንያ ገይሩ


መሰረት ገ/ዮሃንስ

ከም ኣውሮፓውያን ኣቖፃፅራ 1964 ኽልትኤን ሃገራት ዘይዝንጋዕ ታሪኽ ኣንቢረን እየን። ጃፓን ኦሊምፒክ ኣዳላዊት ብምዃን ንሕንሕ ንፈለማ እዋን ዘካየደትሉ እዩ። ታሪኻ ብኣትሌቲክስ ዝበለፀ ዘድመቐቶ ኢትዮጵያ ድማ በዚ ኦሊምፒክ ብኣበበ ቢቂላ ኻልኣይ መዳልያ ኣብ ማራቶን ዘመዝገበትሉ እዩ።ድሕሪ 57 ዓመት ቶኪዮ ኦሎምፒክ ንኻልኣይ እዋን እንትዳሎ ፤ኢትዮጵያ ድማ ናይቲ ጀግና ዓወት ብዕፅፊ ንምስኻዕ እናተንቀሳቀሰት ትርከብ።ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ስፖርት ጥራሕ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ናይ 90 ዓመታት ዝተሳገረ ኹለንተናዊ ሕውነት ኣለዎም እዩ።

ኣብ ዓለምለኸ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝነበረን ሓምለ 16 ዝጅመር ኦሎምፒክ ስዒቡ እቲ ኤምባሲ ንኢትዮጵያ ብሄራዊ ጋንታ ፕሮግራም ምስናይ ኣካይዱ እዩ።ኣብቲ ምድላው ነቲ ጋንታ ሓገዝ እናገበረ ዝፀንሐ እንትኾን እቲ ጋንታ ኣብ ኦሊምፒክ ፅቡቕ ውፅኢት ንከመዝግብ እቲ ኤምባሲ ተመንዩ እዩ።

ናይቲ ጋንታ ኣባላት ምስ ኮቪድ 19 ተደሓሒዙ ኣብቲ መድረኽ ተዘይተረኸቡ’ውን ፤ፕሬዝዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ሓዊሱ ስራሕ ኣፈፀምቲ ከምኡ’ውን ነቲ ጉጅለ ብዝተፈላዩ መልክዑ ሓገዝ እናገበሩ ዝርከቡ ባዓል ሞያታት ተረኺቦም እዮም።

ኣብቲ ምድላው ኣምባሳደር ጃፓን ኢቶ ታካኮ ኣብ ዝገበርኦ መደረ ሃገረን ንኦሊምፒክ ንምትእንጋድ ድልውቲ ኾይና እናተፀበየት ከምዝኾነት ገሊፀን እየን።

እተን ኣምባሳደር ጃፓን ኦሎምፒክ ድሕንነቱ ብዝተሓለወ መልክዑ ንምክያድ ከምዝተዳለወት ጠቒሰን ፤እዚ ድማ ብሓድነት እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዘርኣዮ ፅንዓትን ብልሓትን ምልክት እዩ ኢለን።

እቲ ኦሊምፒክ ህዝቢ ጃፓን ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2011 ምብራቃዊ ናይታ ሃገር ክፍሊ ብምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጠማ እዋን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ዓለም ሃገራት ንዝገበርዎ ሓገዝ ምስጋና ዝገልፀሉ መድረኽ ከምዝኾነ ኣመልኪተን ፤እታ ሃገር ካብዚ ሓደጋ ከምዝተመለሰትን ንምርኣይ ከምኡ’ውን ብተፈጥሮ ሃገራት  ንጠንካራ ስራሕን ኣብነት ምትሕብባር ከምዝኾነትን ዝምልከትሉ ክኸውን እዩ ›› ክብላ ኣብሪሀን።

 ‹‹ስፖርት መፃኢ እዋን ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ›› መርሕ ቶኪዮ ኦሊምፒክ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢቶ ታካኮ ገሊፀን ፣እቲ ኦሊምፒክ ሰለስተ ዋና ዋና ዕላማ ዝሓዘ ከምዝኾነ’ውን እተን ኣምባሳደር ተዛሪበን እየን።

ከምተን ኣምባሳደር ገለፃ መጀመርያ ኣብ ምድላው ዝፀንሑ ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ብቅዓቶም ንከሪኡ ንሕንሕ ዝገብርሉ እዩ። እቲ ኻልኣይ ካብ ዝተፈላለየ ፆታ ፣ቀለም ፣ዘርኢ ቋንቋ ፣ሃይማኖት ፖለቲካዊ ዝተወፃፅኡ ሰባት ሓድነትን ምክብባርን ዝራኣየሉ ፣ሳልሳይ ዕላማ ድማ መፃኢ እዋን ሌጋሲ ዝኾነ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምስፍሕፋሕ እዩ። ጃፓን ሓደስቲ ቴክኖሎጅታት ኣብ ዘካተተትሉ ኦሊምፒክ ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ውፅኢት ንከመዝግብ ዘለዎን ሰናይ ትምኒት ‘ውን ገሊፀን።

ፕሬዝዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ ብወገኖም፤ኢትዮጵያ ዓወት ኣበበ ቢቂላ ብምሕሳብ ኣብ ፍሉይ ምድላው ከምዝፀንሐት ገሊፆም እዮም። ብዙሕ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብዘይተላቐቕሉ ኣብቲ እዋን ናይ ኣበበ ሰዓራይነት ንመላእ ኣፍሪካውያን ምልክት ነፃነትን ጥንካረን ከምዝነበረ ገሊፆም ፣ ጃፓንን ቶኪዮን ዝተፈለየ ተዘክሮ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።ነዚ ኦሎምፒክ ጉጅለ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ዝፀንሐ ምድላው ብምግባር ንሰዓርነት ድልው ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ እቶም ፕሬዝዳንት ብምኽንያት ኮቪድ19 ምኽንያት ውድድራት ከምዝተቋረፁን ኣትሌታት’ውን ኣብ ገዛ ኮፍ ብምባሎም ሕፅረት ስፖንሰር ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ፤ መንግስቲ ጃፓን ንጉጅለ ኦሊምፒክ 5ሚልየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ እዩ። እቲ ጋንታ ኣብ ቀረባ ናብ ጃፓን ዘምርሕ እንትኸውን ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ድማ ናይታ ሃገር ሕጊ ብምኽባርን ኢትዮጵያውያን ዝፍለጥሉ ሰናይ ስነ ምግባር ብምርኣይ እዩ። ነቲ ጋንታ ዝተገበረሉ ናይ ኣሰናንያ መርሃ ግብሪ እቶም ፕሬዝዳንት ምስጋና ኣቅሪቦም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You