‹‹ኣብዘፈር ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ፍሉይ ድጋፍ እንተዘይተገይርሉ ብስሩዕ በጀት ክሓዊ ኣይኽእልን›› -ኣይተ ረዳኢ ገብረእግዚኣብሄር

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ስዒቡ ኩናት ብምውልዑ ብዙሓት ፀገማት ምፍጣሮም ዝፍለጥ ‘ዩ። በቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ኩናት ስዒቡ ህዝቢ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ብዙሕ ህይወት ጠፊኡን ኣካል ጎዲሉን ‘ዩ።

ኢሉ ‘ውን ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ከም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፋብሪካታትን ካልኦት ዓበይቲ ይኹኑ ኣናእሽቲ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ዝተፈላላዩ ዕንወታት በፂሕዎን ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ህዝቢ ብኹሉ ነገር ተጎዲኡ ‘ዩ። ኢኮኖሚያዊ ትካላት እቲ ክልል ገሊአን ዓንየን፤ ገሊአን ተዘሪፈን ቐርየን ‘የን። ካ

ብቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ሓደ ዘፈር ትምህርቲ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ምስ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ገብረእግዚኣብሄር ፃኒሕት ገይርና ኣለና ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዳግመ ሕውየት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ እታዎታት ትምህርቲ እንታይ ይመስል? ከምኡ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሑ ንከይዲ ትምህርቲ ማሕነቖታት ኮይኖም ዝርከቡ ተዝገልፁልና?

ኣይተ ረዳኢ፡– ትምህርቲ ትግራይ መጀመርታ ብኮሮና፣ ቐፂሉ ብኩናት ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ተቋሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ፤ በቲ ኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ፡ ፡ ዕንወት ከንብል እንተለና ኣብ ህንፃታትን ካልኦት ናይ ኣቑሑ እታዎታትን ጥራሕ ኣይኮነን ኣጋጢሙና፤ ኣብ ሓይሊ ሰብ ‘ውን ክሳራታት ገጢሙና ‘ዩ፡፡ እቲ ዘጋጠመ ድርቒ ‘ውን ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩ ‘ዩ፡፡

ከምኡ ‘ውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ለውጢ ተኻይዱ ‘ዩ፤ እዚ ‘ውን ተወሳኺ ፈታኒ ኮይኑና ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ማለት እቲ ሓዱሽ ካሪኩለም ንምጅማር ናይ በዓሉ ሓደሽቲ እታዎታት ስለ ዝደሊ፤ ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ድማ ቐጥታ ናብቲ ሓዱሽ ካሪኩሎም ከንኣቱ ኣይከኣልናን፡፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ዓንዩ ኣሎ፤ ናብቲ ሓዱሽ ‘ውን ክእቶ ኣይተኸኣለን፡፡

ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ትምህርቲ ከንጅምር እንተለና ዋላ ብዙሕ ፀገም ይሃልወና ካሊእ መማረፂ ስለዘየለ ተፀጊምና ንጀምር ኢልና ኢና ናብ ትምህርቲ ኣቲና፡፡ ማለት እታዎታት ክሳብ ዝማልኡ ከንፅበ የብለናን ስኽኢልና ናብ ትምህርቲ ንእቶ ኢልና ኢና ተፀጊምና ትምህርቲ ጀሚርና፤ ዓብዪ ናይ መሰረተ ልምዓት ማሕነቖ ‘ውን ኣሎ፤ መምሀሪ ክፍሊ የለን፤ ተምሃራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዳስ ‘ዩ ዝመሃር ዘሎ፡፡

ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ዮም ዓቚቦም ዘለዉ፡፡ ገሊኡ ‘ውን ተቓፂሉ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ንገሊኦም እናፀገንና ኢና ንኸድ ዘለና፡ ፡ እዚኦም ካብቶም ቐንዲ ማሕነቆታት ዝበሃሉ ውሱናት ‘ዮም፡፡ ካሊእ ዕንቕፋት ናይ ተምሃራይ ምምፃእን ዘይምምፃእን ‘ዩ፤ ማለት ምቕራይ ወይ ምቑራፅ፣ እዚ ንኸይዲ ትምህርቲ ዓብዪ ዕንቕፋት ኮይኑና ይርከብ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘለና መረዳእታ ኩናት እንትጅመር 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃራይ ‘ዩ ነይሩ፤ ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ክበፅሕ ትፅቢት ይግበረሉ ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ተምሃራይ ካብ 1 ሚልዮን ዘይበልፅ ‘ዩ፡ ፡ ዝተወሰነ እታዎታት ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ገበርቲ ሰናይን ሓገዝ ይግበረልና ‘ዩ ኮይኑ ግና ምስቲ ዘሎ ስፍሓት እቲ ፀገም ኣብዚ እተው ዝበሃል ኣይኮነን፡፡

ወጋሕታ፡- ናብቲ ሓዱሽ ካሪኩለም ሙሉእ ንሙሉእ ንምእታው ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት እንታይ ይመስሉ? መዓዘ ‘ዩ ኸ ክጅመር?

ኣይተ ረዳኢ፡– እቲ ካሪኩሎም ምስቲ ዝገጠመና ኩናት ተተሓሒዙ ክሳብ ሕዚ ከንጅምር ኣይከኣልናን፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ነገር ‘ዩ ዘድልዮ፤ ሰለስተ ዓመት ንድሕሪት ዝተረፈ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ከመይ ‘ዩ ክከሓሓስ ዝብል በቲ ነባር ስርዓተ ትምህርቲ ንዝተወሰነ ግዜ ክነምህር ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምርድዳእ ፈጢርና ኢና፤ ኮይኑ ግና 2018 ዓ.ም ኣጠቓላሊ እቲ ሓዱሽ ሰርዓተ ትምህርቲ ክጅመር ‘ዩ ኢልና ንሓስብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሴክተር ዝበፅሐ ጉድኣት ንምሕዋይ ብገበርቲ ሰናይ ይኹን ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ረዳኢ፡– እቲ ስምምዕነት ሰላም ምስተፈጠረ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ካብ ዝተወሰኑ ክልላትን ካልኦትን ሓገዛት ነይሮም ‘ዮም፤ ኮይኑ ግና ክቕፅሉ ኣይከኣሉን፤ ሕዚ ነቲ ዘሎ ፀገም ዝፈትሕ ፍሉይ ድጋፍ እናተገብረ ኣይኮነን፡፡ በርግፅ ሓደ ሓደ መዳርግቲ ኣካላት (ፓርትነርስ) ንብሎም ኣብ ናይ ስነ ልቦናዊ ሕውየትን ካልኦትን እናሓገዙ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡

ኮይኑ ግና ምስቲ ዝበፅሐ ስፍሓት ዕንወት ክረአ እንተሎ ብጣዕሚ ውሱን ‘ዩ፡፡ በርግፅ ነቲ ፀገም ኣብ ምቕላል ናይ በዓልቶም ኣስተዋፅኦ እናገበሩ ‘ዮም፡፡ ብሓፈሻ ከትሪኦ እንተለኻ ግና ኣብ ገሊኡ ድጋፍ ዝረክብ ኣብ ገሊኡ ድማ ዘይረክብ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘሎ እቲ ፀገም ሕዚ ‘ውን ብሰፊሑ ኣሎ፡፡

ክንድዙይ ተሓጊዙ ዝብል ንግዚኡ ብቑፅሪ ምቕማጥ ‘ኳ እንተዘይከኣልኩ ብመንግስቲ ድጋፋት ይግበሩ ‘ዮም፤ ከምኡ ‘ውን ውልቀ ኣካላት ብሰናይ ድሌቶም ወንበር ገዚኦም ዝህቡ ኣለዉ፤ ካልኦት እታዎታት ‘ውን ዝሕግዙ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ኮይኑ ግና ብዙሕ ‘ዩ ዝቐሪ እቲ ክፍተት ገና ኣይተደፈነን፡፡

ወላ እቶም ‹‹ፓርትነርስ›› በዓሎም ከም እኒ ኢማጅን ዋንደይ፣ ተወለድቲ እቲ ካባቢን ሓደ ሓደ ሰብ ሃፍትን ነቲ ፀገም ንምቅላል ዝገብርዎ ዘሎዉ ኣስተዋፀኦ ዝምሰገን ‘ዩ፡፡ኮይኑ ግና እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ሰፊሕ ብምዃኑ እቲ ፀገም ገና ኣይተፈትሐን ዘሎ፡፡ ኣብዚ መንግስቲ ‘ውን ዝኸኣሎ እናሓገዘና ‘ዩ፡፡ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡

ኣብ ገሊኡ ቤት ትምህርትታት ድጋፍ እንትረክብ ኣብ ገሊኡ ግና ድጋፍ ኣይረክብን፡፡ ብሓፈሻ ግና ብስሩዕ(ኖርማል) ድጋፍ ሙሉእ ብሙሉእ ካብቲ ዝበፅሐ ዕንወት ምውፃእ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ኮይኑ ግና ብዝተኸኣለ መጠን ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ይሕግዝ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ነዚ ፀገም እዚ ኩሉ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብቐንዱ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ከምኡ ‘ውን ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ረዳኢ፡- ብቐንዱ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክንቐሳቐስ ዘለዎ ኩሉ ተወላዲ ትግራዋይ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ናይ ትምህርቲ ማሕዉር ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተዋዲዱ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ብምስናድ ነቲ ዕንወት ዝምጥን ትልሚ ብምውፃእ ቐፂሉ ተወለድቲ ተጋሩ ክኾኑ ይኽእሉ ወይ ካልኦት ዝሕግዝሉ ኩነታት ምምችቻው የድሊ፡፡

ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ፀገማትን ፀጋታትን ፈሊኻ ብምፍላጥ ሓገዝ ንምርካብ ክፍቲ ምግባር፡፡ ብፍላይ ኩሉ ተወላዲ ትግራዋይ ክረባረብ ኣለዎ፤ እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ‘ውን ምስራሕ የድሊ፡፡ ንድጋፍ ፃውዒት ምግባር፣ እቲ ዘሎ ፀገም ካልኦት ኣካላት ‘ውን ብትኽክል ክርድእዎ ምግባር፤ ብሓፈሻ ካብ ተወላዲ ትግራዋይ ወፃኢ ዘሎ ሓገዚ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል ‘ምበር ብዋናነት ናይቲ ክልል ወይ ትግራዋይ ስራሕ ተኪኡ ክሰርሕ ኣይኽእል፡፡

ብተወሳኺ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክዳሎ እንተሎ ብዙሕ ገንዘብ ‘ዩ ዘድሊ፤ ካብ ስልጠና ምሃብ ጀሚርካ ክሳብ ናይ መፃሕፍቲ ሕትመታት ዝጥይቖ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ዘሎ ናይ ምድላው መፃሕፍቲ ናይ ክልል ሓላፊነት ‘ዩ ተተባሂሉ ምስቲ ዘሎ ፀገም ተደማሚሩ ብዙሕ ገንዘብ ‘ዩ ዝሓትት፡፡ ኣብዚ ድጋፍ የድሊ ‘ዩ፡፡ ተዘይኮይኑ እቲ ክልል ብዓሉ ናይ ምውፃእ ዘለዎ ዕድል ብጣዕሚ ፀቢብ ‘ዩ፡፡

በቲ ናይ ሕውየት ስራሕቲ እናሰራሕኻ በቲ ፅርየት ትምህርቲ ምርግጋፅ ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ኩሉ ክረባረብ ‘ዩ ዝግባእ፡፡ ተምሃራይ እናወሰኸ ስለዝኸይድ እቲ ዘሎ ተፀጊኑ ካብዚ ወፃኢ 80 ኣብያተ ትምህርቲ ተወሳኺ ክህነፁ ኢና ትፅቢት ንገብር፡፡

ተዘይኮይኑ እቲ ዘሎ ዝኣክል ኣይኮነን፡፡ ካሊእ ናይ መምሃራን ናይ ቅሬታ ኩነታት ኣሎ፤ በቲ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ናይ ብዙሓት ኣዋርሕ ደመወዝ ኣይተኸፈሉን፡፡ እቲ መምህር ብዙሕ ዕዳታት ኣለዎ፡፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ፀገም ኮይንካ ድማ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ከቢድ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዓመት እዚ ሃገራዊ ፈተና ንዝወስዱ ተምሃሮ ዝግበር ዘሎ ምድላው እንታይ ይመስል?

ኣይተ ረዳኢ፡- በቲ መንግስቲ ዘውፀኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ሎሚ ዘበን 2016 ዓ.ም ተማሃሮ 12 ካብ 3 ሓምለ ክሳብ 11 ሓምለ ሃገራዊ ፈተና ክፍተኑ ‘ዮም፡፡ ተማሃሮ ትግራይ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ብሰንኪ ኮሮና ከምኡ ‘ውን ስዒቡ በቲ ዘጋጠመ ኩናትን ድርቕን ተጎዲኦም ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ንልዕሊ 3 ዓመት እቲ ተምሃራይ ካብ ትምህርቲ ርሒቑ ብምፅንሑ ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲርሉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ርእሲ እዚ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ክመሃር ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ማለት ከትፍተኑ ኢኹም ተባሂሉ ድልዋት ንምግባር ምስቲ ዝነበረ ዝተደራረበ ፀገም ክንዲዝተኸኣለ ተሞኪሩ ‘ዩ፡፡ እቶም ተምሃሮ በቲ ዝነበረ ፀገም ስዒቡ ኣብ እዋኖም ብዘይ ምፍታኖም ስነ ኣእምሮኦም ተጎዲኦም ‘ዮም፡፡ ከምኡ ‘ውን ብዙሕ ተምሃራይ ህይወቱ ንምምራሕ ፎቖድኡ ተበቲኑ ‘ዩ ዝርከብ፡፡

ዓሚ መምህራንን ተምሃሮን ኣብቲ ናይ መምሀሪ ቦታ ወይ ዩኒቨርስቲ እናነበሩ ብተብተብ ሓገዝ ተገይሩሎም ‘ዩ፡፡ ናይ ከባቢ ክልተ ወርሒ ድጋፍ ተገይርሎም ዝሓሸ ውፅኢት ኣምፂኦም ‘ዮም፡፡ ሎሚዘበን ነዚ ንምድጋም ግና ከቢድ ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ዓሚ ዝነበረ ድጋፍ ኣይረኽቡን ዘለዉ፡፡ ብተወሳኺ ማሕበራዊ ቑልውላው ሰፊሕ ‘ዩ ዘሎ፡ ፡ ተምሃራይ ‘ውን ብሰንኪ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብዝግባእ ኣይከታተልን ዘሎ፡፡ ዩኒቨርስቲታት ‘ውን ተምሃሮ ተቐቢለን የምህራ ስለ ዘለዋ ካብ ዩኒቨርስቲ ሓገዝ ከንረክብ ኣይከኣልናን፡፡ ቦታ የብሎምን፡፡

ኣብ ካልኣይ ብርኪ’ውን ትርፊ ክላሳት የለን፡፡ ናይ መምሀሪ ክፍሊታት የለን፡፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ለይትን ቐትርን ንሃብ ኢልና ነይርና፤ ብሽፍቲ፣ ብኣንፃር ሽፍቲ ወይ ቐዳመ ሰንበት ንምሕጋዝ ፕሮግራም ኣውፂእና ነይርና ኢና፡፡ ኣፈፃፅምኡ ግና ዘዐግብ ኣይኮነን፡፡ እቲ ተምሃራይ ዝተፈላላዩ ፀገማት ስለ ዘለውዎ ተስፋ ናይ ምቑራፅን፣ ትምህርቲ ናይ ምቑራፅ ኩነታት ኣሎ፡፡

ተምሃራይ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ስለ ዘለዎ ተመሊሱ ናብ ትምህርቲ ንምእታው ፈታኒ ኮይኑዎ ኣሎ፤ ገሊኡ ናብ ስደት ዝኸድ ኣሎ፤ ገሊኡ ናብ ዝተፈላላዩ ከም መዓልታዊ ስራሕቲ ስለ ዝኸድ እዚኦምን ካልኦትን ተደማሚሮም ዓበይቲ ፈተናታት እናኾኑ ይርከቡ፡፡ ብኸምዚ ስለ ዝተበተነ በቲ ንሕና ንደልዮ ክመፀልና ኣይኸኣለን፡ ፡

ንሕና ግና ዋላ ከም ናይ ዓሚ እንተዘይኮነ ኣብ በቢ ቤት ትምህርቱ ቲቶርያል ፕሮግራም ከንህብ ኣለና ኢልና ጀሚርናዮ ኢና፡፡ እዚ ትምህርቲ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ፡ ፡ ንሕና ቅድም ኢልና እዚ መጣናኸሪ ትምህርቲ ቲቶርያል ጀሚርናዮ ኢና፡፡ ትምህርቲ ሚኒስቴር ‘ውን ብብርኪ ሃገር ፈተና ከምዝካየድ ፕላን ኣውፂኡ ኣሎ፡፡

ንሕና መጣናኸሪ ትምህርቲ ብ14 ሚያዝያ ጀሚርናዮ ኢና፤ ክሳብ ከባቢ 14 ሰነ ዘሎ ከንህብ ኢና፤ ፈተና መዓዘ ከምዝውሃብ ኣይፈለጥናን ነይርና ብግምት ኢና እቲ ፕሮግራም እነካይዶ ፀኒሕና፡፡ ምኽንያቱ ናይ ትምህርቲ ሚኒስቴር ምዘና ኤጄንሲ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ወይ ሃገራዊ ፈተና ስለ ዝኾነ፡፡ ዕላዊ እንተይኮነ እናምሃርናዮም ንፅናሕ ኢልና እቲ መጣናኻሪ ፕሮግራም እናተዋሃበ ክፀንሕ ኣለዎ ብምባል ‘ዩ፡፡

ስለዚ በቲ ዝወፀ ፕሮግራም እቶም ተምህሮ ንኽፍተኑ እናሰራሕና ኢና ንርከብ፡፡ ቅድሚ ሕዚ 22ሽሕ ተምሃሮ ክፍተኑ እናተገበኦም ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ከይተፈተኑ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ዝተፈለየ ናይ ቲቶርያል ፕሮግራም ንሃቦም ብዝብል ንህቦም ኣለና ኢና፡፡ ካልኦት ሚያዝያ፣ ግንቦት ሰነ ዝውድኡ ኣለዉ፤ በቲ ዝተሳለጠ መርሃ ግብር ድማ ክፍተኑ ‘ዮም፡፡ ኣብ ዝወድእዎ ከይወፁ እናተመሃሩ ይፅንሑ እሞ ሓምለ ምስ ሃገሮም ክፍተኑ ኣለዎም ተባሂሉ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ፡፡

ወጋሕታ፡- ክተርፉ ዘይግበኦም ነጥቢታት እንተሃልዮም ተዝገልፁልና፤ ኢሉ ‘ውን መልእኽቲ እንተልይዎም፤

ኣይተ ረዳኢ፡– ምድጋም ከይኸውን ‘ምበር እቲ ጉድለት ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተተሓሒዙ ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ፡፡ ብስሩዕ ድጋፍ ክንሓዊ ኣይንኽእል፡፡ ዝተፈለየ ድጋፍ የድሊ ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ዝበፅሐ ፀገም ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ፡ ፡ ዝተዓፃፀፈ ስራሕ ድማ የድሊ፡፡ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ካልኦት ክልላት እቲ ሰላም ምስተረኽበ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ጀሚሮሞም ዝነበሩ ድጋፋት ኣጣናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ነይሩ፡፡

መጀመርያ ከባቢ ዝተወሰነ ጅማሮታት ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ድሕሪኡ ኣይቐፀለን፡፡ ካሊእ እቶም ተምሃሮ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብር ከይተፈተኑ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ምኽንያቱ ኮሮናን ኹናትን ሕዚ ድማ ድርቒ ከቢድ ፀገም ፈጢሩልና ‘ዩ፡፡ ሕዚ ‘ውን ተወሳኺ ድጋፍ የድሊ ‘ዩ፡፡ ብኮሮና ቫይረስ፣ ኩናትን ድርቕን እቲ ክልል ተጎዲኡ ፀኒሑ ‘ዩ፡ ፡ ገና ካብዚ ፀገም እዚ ድማ ኣይወፀን ዘሎ፡፡

እቲ ጉድለት ብጣዕሚ ሰፊሕ ‘ዩ፡፡ ነዚ ዝመልእ ተወሳኺ ድጋፍን ስራሕን የድሊ፡፡ ዋላ ሕዚ ‘ውን ብሰንኪ ጥሜት ብዙሕ ተምሃራይ ትምህርቱ እናገደፈ ናብ መዓልታዊ ስራሕቱ ወይ ሸቅሊ እናኸደ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ገበርቲ ሰናይ ዝጀመርዎ ስራሕቲ ኣሎ፡፡ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ሓገዙ ከጣናኽር ይግባእ::

ብዋናነት ናይ ‘ቲ ክልል ሓላፍነት ‘ኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና እቲ ክልል ኣዝዩ ዝተጎድአ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ብፍሉይ ቖላሕታ ብምሃብ ድጋፍ ክገብር ኣለዎ፡፡ እንተናኣሰ እቲ ካሪኩለም ክሳብ ዝጅመር ክሳብ 2018 ዓ.ም ፍሉይ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ፡፡ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ በጀቱ ቐሊል ኣይኮነን፤ እታዎታት ንምምላእ ብፍላይ መፃሕፍቲ ንምሕታም ዝውደኦ ገንዘብ ቐሊል ኣይኮነን፡፡

ብሓደ ገፅ ገና ኣብ መገዲ ሕውየት ኢና ዘለና፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ዝሓለፈና ጠቕላላ ናይ 3 ዓመት ዝተደራረበ ፀገም ስለ ዘሎ ንቕድሚት ከንከይድ ድጋፋት የድሊ ‘ዩ፡፡ ብሓፂሩ ጠቕላላ እቲ ዘፈር ምስቲ ዝበፅሖ ጉድኣት ልዑል ድጋፍ ስለ ዘድልዮ ብፍላይ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራዋይን ዝኸኣሎ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሒት የቐንየልና፡፡

ኣይተ ረዳኢ፡– ኣነ ‘ውን የቐንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You