“ብሓደ ገፅ ትካላት ድሕንነት ብኻሊእ ገፅ ድማ ልምዓት ነጠናኽር”  -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ትኹረት ዝገብሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ን ላዕለዎት ወታደራዊ መኮነናትን ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ምክልኻል ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ዝተዛረብዎን ከምኡ ‘ውን ነበር ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ብተመሳሳሊ ብዛዕባ እቲ ትካልን ምክልኻልን ሃገርን ዝበልዎን፤ ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ስነስርዓት ምርቃት ሰልጠንቲ ሰራዊት ምክልኻልን ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ብላቴና ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዘሕለፍዎ መልኽትን ከምኡ ‘ውን ኣብ እዚ መከላኸሊ ኮማንዶን ኣየር ወለድ ኣዛዚ ሌተናል ጀነራል ሹማ ኣብደታ ዝተዛረብዎን ዝካተተ ኮይኑ ከምዝ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ወታደራዊ መኮነናትን ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ምክልኻል ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ዝተዛረብዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ግብርና ዝረኸበቶም ውፂኢታት ኣብ ኢንዱስትሪ ‘ውን ንምድጋም ምንቕስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኢንዱስትሪ ብባህሪኡ ብሓደ ፀሓይ ዝርከብ ውፂኢቱ ዝርኣይ ዘፈር ኣይኮነን። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብዚ ከባቢ መፂእና ኣብዚ ዝነብረ ውሱን ዓቅሚ ድሕሪ ምርኣይና ናይ ስትራቸር፣ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ለውጢ ገይርና ነይርና። ሐዚ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ተመሊስና መፅኢና ዝረአናዮ ግና ዝሓስብናዮን ዝገመትናዮን ኣይኮነን።

ምክልኻል ድሕሪ ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመት ዝተበላሸው ከበድቲ ኣፅዋር ምምሕያሽ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣርብዓ ሓምሳ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ በኢትዮጵያውያን ሃፍቲ ዝተገዝኡን ፍቃድኡ ወድቆም ዝነብሩ ከም ታንኪ መዳፍዕ ሮኬታት ከበድቲ ኣፅዋር ከምቲ ዝርኣዩ ዘለው፤ ብሪቨርስ ኢንጅነሪግ ኣቢሎም ንምእማን ብዝኸብድ ብርኪ ብልዑል ዓቅሚ ተሃኒፆም ‘ዮም። እዚ ድማ ንኢትዮጵያን ንኣፍሪካን ተስፋ ዝህብ ነገር ‘ዩ።

ክሳብ ሐዚ ዝፍለጥ ብምግዛእ ‘ዮም። ካብ ምግዛእ ወፂእና ኣመሓይሽና ናይ ቶኽሲ ዓቅሞም ሓፈ ኣቢልና ምፍራይን ኣሃዱ ምዕጣቕን ምኽኣልና ዝድነቅ ውፂት ‘ዩ። ሎሚ ዝረኣኽዎ ነገር ድሕሪ ውሱን ዓመታት ኢትዮጵያ ብብረት ለበስ ኣፅዋራት ታንኪ፣ መዳፍዓት ሮኬታት ኣዕጋቢ ውፂኢት ናብ ዝተምፅአሉ ብርኪ ከምዝትሸጋገር ብጣዕሚ ተስፋ ዝህብ ስራሕቲ ሪአ ኣለኹ።

ያው ባህሪ ምክልኻል ኩሉ ነገር ብምግዛእ ኣየዋፅእን። ብናይ ባዕልኻ ዓቅሚ ምምሕያሽ፣ ብናይ ባዕልኻ ዓቅሚ ሓደ ካብ ሓደ እናዳቀሉ ዝሐሸ ውፅኢት ዘርክቡ ኣፅዋር ምፍራይ የድሊ ‘ዩ። ድልየትና ‘ውን እዚ ‘ዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ብግቡእ መንገዲ ምትግባር ተኻኢሉ ‘ዩ። ብዓቅሚ ሜካናይዝድን ብሓይሊ ኣየርን እናኾነ ዘሎ ንምእማን ዝኸብድ ‘ዩ።

ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ብእዋን ደርጊ ኣብ ሓይሊ ኣየር ዝወዳደቁ ኣፅዋራት መሊሶም ዕጥቂ እናኾኑ ‘ዮም ዘለው። ቅድሚ ሐዚ ናይ ቶኽሲ ዓቅሞም ትሑት ዝነበረ ናብ ዝለዓለ ሓፍ ብምባል፤ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ታሪኽ ለይቲ በሪርካ ናይ ምውጋእ ዓቅሚ ኣይነበሮን ሎሚ ግና ብቀትርን ብለይትን ናይ ምውጋእ ዓቅሚ ሃኒፆም ‘ዮም።

ብለይቲ ምብራሮም ጥራሕ ከይኮነ ክዓ ዘመናዊ ታርጌት ዘይስሕቱን ጠያይቲ ዘየባኽኑ ኮይኖም ዝተፈጠሩን ብሓፈሻ፤ ኣብ ፅገና፣ ኣብ ምርምር፣ ኣብ ልምዓት እናፈጠርናዮም ዘለና ዓቅሚ ኢትዮጵያ ናብ እንደልያ ዝማዕበለት ብኹሉ ዘፈር ዝትፅዋዕ ብዘፈር ሕርሻ፣ ተክኖሎጂ፣ ኢንዱስትሪን ዝትፅዋዕን ብዓርሰ ዓቅሚ ምምርማር ናይ ምፍራይ ዓቅምን ብኡ ልክዕ ዝትልዓልን ምኻና ኣመላኻቲ ‘ዩ።

ኣጀማምራና ብጣዕሚ ተስፋ ወሃቢ ‘ዩ። መናእሰይና ዝሰርሕዎ ዘለው መንገዲ ብጣዕሚ ሰሓቢ ‘ዩ። እዚ ምዕቃብ ፣ ምጥንኻርን ምድጋፍን ድማ የድሊ። ፈተውቲ ሃገራት ብስልጠና ብሎጅስቲክስ ብሓደ ሓደ ወሰንቲ ዓቅሚ ቴክናሎጅን ደጊፎምና ‘ዮም። ደቅና ድማ ተመራሚሮም ብዙሕ ነገር ኣመሓይሾም ‘ዮም። እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ናይ ዓለም ፍልጠትን ሃፍትን ምክፋል ሃፍትን ፍልጠትን ዓለም ኣተኣሳሲርካ ንሃገር ብዝረብሕ መንገዲ ናይ ምቅያር ኩነታት ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና።

ኣብ ውሕዱ ዓመታት ውሽጢ ብኸበድቲ ኣፅዋርን ሓይሊ ኣየርን ዝተሰርሐ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንኻልኦት ዝተርፍ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና። በዚ ኣግባብ ኢና ‘ውን ንኸይድ ዘለና። ሓንቲ ሃገር ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ውሽጢ ካብኡ ‘ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላ 120 ሚሊየን ህዝቢ ዝተሸከመት ሃገር ሓይሊ መከላኸሊ፣ ድሕንነትን ትካላት ሓበሬታን ክጥንክር ኣለዎ። ህዝቢ እዚ ብፍቅርን ክብርን ክሪኢ ኣለዎ።

ጠንካራ ምክልኻልን ጠንካራ ድሕንነትን እንተሃልዮም፤ ኣንሕና ውሽጣ ውሽጢ ንዘለና ጎንፂ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ንከይሓይስቡን እንተሓሲቦም ድማ ከም ኣቦታትና ሃገርና ናይ ምኽባር ዓቅሚ ዘኽብር ስለዝኾነ ብሓደ ገፅ ሓይሊ ምክልኻል ብኻሊእ ገፅ ድማ ልምዓት ነጠናኽር። እቲ ሓይሊ ምክልኻል ኾነ ልምዓት ብዙሕ ዘፈር ዘለዎ ‘ዩ።

ብምትእስሳር ዝፀነዐትን ዝበልፀገትን ንብዙሓት ዝተህርፍ ንዜጋታት ድማ ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንደቅና ክነርክብ ኢና።በዚ መንፈስ ኢና ድማ ንሰርሕ ዘለና። ውፅኢቱ ድማ ብጣዕሚ ዘበረታትዕ ነገር ‘ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስትር ምክልኻል፣ ተመራመርቲ፣ ኢንጅነራትን መናእሰይን ምስጋና ክውሃቦም ይግባእ። ብሓደ ገፅ እናተዋግኡ ሃገር እናተኸላኸሉ ብኻሊእ ገፅ ድማ እናተመራመሩ ዓቅሚ ሃገር እናዕበዩ ስለዝኾኑ ምስጋና ይግብኦም።

ሃገርና ክንሃንፃ እንኽእል ድማ በዚ መንገዲ ጥራሕ ‘ዩ። 24 ሰዓት ብምስራሕን ብውግእ ሰበብ ድማ ከይንድቅስን ልምዓት ከይነቋርፅን ከተማ እናሃነፅና ገጠር ድማ ክከይንርስዕ፤ ኣብ ገጠር እናሓረስና እንዱስትሪ ድማ ከይተርፈና። ኢንዱስትሪ እናሰረሕ ‘ውን ቴክኖሎጂ ከይተርፈና ብኹሉ ዘፈር ቀልጢፍና ክንጎይ ኢና፤ ሐዚ ዘሎ ዝተጭበርበረ ዓለም ተቋቊማና ከም ሃገር ክንፀንዕ ከቢድ ‘ዩ።

ብኹሉ ዘፈር ክንጎይ ኣለና ምኽንያቱ ብብዙሕ ነገር ንደሓር ዝተረፍና ስለዝኾንና። ንምጉያይ ድማ በቢዘፈሩ እነሰማርዮ እኹል ሓይሊ ሰብ ኣለና ‘ዩ። ነዚ ተጠቂምና ድማ ሃገርና ከነጠናኽር ኣለና። ደቅና ብኹሉ ዘፈር ዝበልፀገትን ዝወቀበትን ሃገር ክርከቡ ‘ዮም። እዚ ንክኸውን ዝተሓባበሩ ኣካልት ምስጋና ይግብኦም። ነበር ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ከምዝገልፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ጥንኩርን ሕብረብሄራዊን ሰራዊት ካብ ምህናፅ ብዝዘለለ ትካላት ምክልኻል ማእኸል ምርምርን ምህዞን ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ።

ነበር ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ወሲኾም ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዓበይቲ ኸይድታት ለውጢ ብምሕላፍ ንኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ዘፅንዕ ጥንኩር ሰራዊት ኾይኑ ተሃኒፁ ‘ዩ ብምባል፤ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ምክልኻል ቅድሚ ሕዚ ንነዊሕ ዓመታት ተደርቢዮም ዝፀንሑ ታንክታትን ኻልኦት ከበድቲ መሳርሕታትን ከም ብሓዱሽ ፀጊኑን ኣመሓይሹን ብዝሓሸ ዓቕሚ ውግእ ከምዘዳለወ ገሊፆም።

በዚ ኸይዲ ሕብረ ብሄራዊ ጥንኩር ሰራዊት ካብ ምህናፅ ብዝዘለለ ትካላት ምክልኻል ትካላት ምርምርን ምህዞን ንክኾኑ ብምግባር ሓዱሽ ምዕራፍ ዓወት ከምዝተኸፈተ ብምርዳእ መከላኸሊ ሃገር ዕጥቂ እናገዝአ ጥራሕ እንተይኾነስ ካብዚ ብዝሓለፈ ዝነብሩ ኣፅዋር እናመሓሸን፣ እፀገነን ዓቅሚ ተተኳነቶም እናዕበየ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ኣንፈት ትኹረት ገይሩ ምስርሑ ከምዘልዓሉ ግዜኢ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ስለዝኾነ መከላኸሊ ሰራዊት ትካል ውግእ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ተፀራሒ ዝኾነ ሳይንቲስታት ዝወፅእሉ ትካል ፈጠራን ምርምርን ቴክኖሎጂ ንክኸውን ምግባሩ ሓቢሮም ‘ዮም። ብምውሳኽ ምሁራትን መናእሰይን ሃገሮም ብፈጠራ ቴክኖሎጂ ንክፅውዑ ምስቲ ትካል ሓቢሮም ንክሰርሑ ምፅውዖም ግዜኢ ወሲኹ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ እዋን ስነስርዓት ምርቃት ሰልጠንቲ መከላኸሊ ሰራዊትን ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ኮማንዶን አየር ወለድን ብላቴና ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ከምኡ ‘ውን ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ኣብ ዝተረኸበሉ ከምዝበልዎ፤ መከላኸሊ ሰራዊት ፈታዊ ሰላም ዘይሻራዊ ትካል ምዃኑ ኩሉ ግዜ ባእሱ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ዶብ ምስ ዝዳፍኡ ‘ዩ ክብሉ ገለፆም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ሃገር ዝትህነፅ ብልምዓት ‘ምበር ፀገም ብምፍጣር ኣይኮነን ብምባል፤ መከላኸሊ ሃገር ሰራዊት ድማ ንህልውና ክብርን ሃገር ኣብ ዝኾነ እዋን ብቅድሚት ተሰሊፉ ግድኡ ይዋፃእ ኢሎም።

ንኹሉ ስራሕ ቀዳምነት ሰላምን ደሕንነትን ኣድላይ ምዃኑ ዘመልከቱ ‘ቶም ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት፤ ሰላም እንተሃልዩ ሓረስታይ ንምሕራስ፣ ነጋዳይ ንምንጋድን ተምሃራይ ‘ውን ንምምሃርን ምምርማርን ምጥንኻር ንክከኣል ደጋጊምካ ምሕሳብ የድሊ ብምባል፤ ሰራዊት ንምፍታን ዝፅዕሩ ናይ ርሑቅ ይኹኑ ናይ ቀረባ ፀላእቲ ግንባር ፈጢሮም በቢቦቱኡ እንተተልዓሉ ‘ውን ሰራዊት ሃገር ግና ኩሉ ግዜ ሰላም ንምስፋንን ሉዓላዊነት ሃገር ንምኽባርን ዋርድያ ደው ዝብል ‘ዩ ኢሎም።

ከም ገለፃ ፊልድ ማርሻል፤ ዝኾነ ይኹን እናተልዓለ ሓራ መውፅኢ እንተበለ ‘ውን፤ ነቲ ሕዝቢ ነፃ ዘውፅእ ግና ካብ ድኽነት እንትላልቀቅ ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ። ስለዝኾነ ካብ ታሪካዊ ፀላእትና ዝኸፈቱልና ወፍሪ ወረ ርኢና ከይተሰቆርና ዝተወሃበና ሓላፍነት ንዋፃእ ብምባል ፤ ሰራዊት ምክልኻል ንሰላምን ደሕንነትን ቀዳምነት ብምሃብ ናይ ኢትዮጵያን ዶብ ዝዳፍኡ ኾነ ሰላም ዝደፍኡ ይከላኸል ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ሌተናል ጀነራል ሹማ አብደታ፤ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ኮማንዶን አየር ወለድ ነዚ ዘመን ዝምጥን ሠራዊት ንምፍራይ ጠንካራ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ብወታደራዊን ሓይሊ ባሓሪ ኮማንዶ፣ ብፀረ፡ሽብር፣ ኣየር ወለድ፣ ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ስልጠናታት ብቁዕ ሙያተኛታት እናወፅኡ ምዃኖም ብምሕባር፤ ኣብ ማእኸላት ሓደሽትን ነባራትን ኣሰልጠንቲ ብምውዳድ ውፅኢታማ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም ‘ዮም።

ከባቢያዊን ዓለምለኻውን ኩነታት ብዘገናዘበ መልክዕ ዓቅሚ ኣሰልጠንቲ ንምዕባይ ናብ ዝተፈላለዩ ፈተውቲ ሃገራት ተላኢኾም ልምዲ ዝቀሰሙ ዝርከብዎም ኣሰልጠንቲ ምህላዎምን ከምኡ ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣሰልጠንቲ ብምምፃእ ልውውጥ ልምዲ እናሃበ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ብስልጠናን ልምምድን ለውጢ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ምስ ቱርክ፣ እስራኤልን ቼክ ሪፐብሊክን ካልኦት ሃገራትን ፅቡቅ ምሕዝነት ተመስሪቱ እናተሰርሓ ይርከብ ኢሎም።

እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ብላቴ ነዊሕ እዋን ብምውሳድ ብምስላጣን ኣብ መበል 42 ዙር ዘመረቆም ኣባላት ኮማንዶን ኣየር ወለድን ነቲ ሙያ መሰረት ዝገብረ ስራሕ እናትሰርሐ ሙዃኑ መርኣያ ‘ዮም ብምባል፤ ኣብ ትሕቲ እቲ እዚ ዝርከቡ ቤት ትምህርታትን ስልጠናን ብግብኣት፣ ብቴክኖሎጂ፣ ብብቁዕ ኣሰልጠንትን ብኣሰራርሓን ንክጥንክሩ ዝግበር ፃዕሪ ክቅፅል ‘ዩ ኢሎም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 15 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You