ሰላም ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክቐርብ የብሉን

ሰላም ብመንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነ ዝረጋገፅ ብናይ ኩሉ ተሳትፎ ህዝቢ ሓዊሱ ‘ዩ፡፡ ቐንዲ በዓል ዋና ሰላም መንግስቲ ጥራሕ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ህዝቢ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ንህዝቢ ዝጠቕሞ ሰላምን ዕቤትን ስለ ዝኾነ ነዚ ዝፃባእ ሓይሊ እንትህሉ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ኣደብ ናይ ምሓዝ ዓብዪ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ብንቕሓት ተዋሳኢ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይኹኑ ውልቐ ኣካላት ንህዝቢ ዝቑርቖሩ ብምምሳል ንስልጣኖምን ጥቕሞምን ክብሉ ንህዝቢ ሰላም ከስእኑ ይረአዩ ‘ዮም፡፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ህዝቢ ዘይተደለየ ዋጋ ክኸፍል ይረአ፡፡

ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ሃገራት ዓለም ምስ ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂን ንቕድሚት እንዳተወንጨፋ ኣብ ዝርከባሉ እዋን ብዛዕባ ንውልቐ ረብሓን ጥቕምን ክበሃል ንህዝቢ ናብ ዘይተደለየ ፀገም ምእታው ካብ ሰብኣውነት ምውፃእ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ዘበን እዚ ናይ ሓሳባት ልዕልና ዘዕውት ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው ንህዝቢ ንምጥቓም ምንቕስቓስ የድሊ፡፡ ብፍላይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ይኹን ገዛኢ ፓርቲ ብቐዳምነት ናይ ህዝቢ ረብሓ ከኽብር ኣለዎ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ንዝኸድ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንህዝቢ ዘይጠቅም ስለ ዝኾነ ዕረፍ ክበሃል ይግበእ፡ ፡ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ፓርቲ ህዝቢ ፈፂሙ ክዕገሶ የብሉን፡፡ ህዝቢ ብንቕሓት እንተተኸታቲሉ ማንም ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንላዕሊ ዝኸድ የለን፡፡ ሰላም ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ የብሉን፡፡

ሰላም ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፤ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝመፀ ለውጢ ‘ውን ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጣመ ኩናት ክንደይ ዝኣክል ፀገም ከምዘስዐበ ኩሉ ዝፈልጦ ‘ዩ፡፡ ኩናት ግዜ፣ ሃፍቲ፣ ህይወትን ኣካልን ወዲ ሰብ ብምብላዕ ናብ ዝኸፍአ ድኽነት ‘ዩ ዘውርደካ፡፡ ኣብ ሃገርና ዘጋጠመ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብዙሕ ክሳራታት ኣስዒቡ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ፀገም ዝበፅሐ ጉድኣት ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፡፡

ብዙሕ ደም ምፍሳስን ኢኮኖሚያዊ ክሳራታትን ኣስዒቡ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ዋላ ድሕሪ ክሳራታት ይኹን ፖለቲካዊ መዕለቢ ረኺቡ ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መፍትሒ ድማ ብመንግስቲ ይኹን ብኻልኦት ውልቀ ትካላትን ሰብ ሓፍትን ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም፡፡ ብፍላይ መንግስቲ ፌዴራል ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምትግባር ብዘርአዮ ተወፋይነት መሰረት ብዙሓት ነገራት ተሰሪሖም ‘ዮም፡፡

ብወገን ህወሓት ‘ውን ነቲ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ከበድቲ ዕጥቒ ኣብ ምርካብን ኣወንታዊ ግዲኡ ተፃዊቱ ‘ዩ፡፡ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምስተፈረመ መንግስቲ ኣብ ብቕልጡፍ ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምቅራብ ተጊሁ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ርሕቐት ‘ውን ተጎዓዙ ዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ መንገዲ ኣየር፣ ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ መብራህቲ ፣ መንገዲ፣ ኢንዱስትሪን ኣብ ካልኦት ትካላት መሰረተ ልምዓታትን ብምፅጋን ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክረክብ ገይሩ ‘ዩ፡፡ እዚ ተግባር እዚ ንሰላም ብምሕሳብ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ህዝቢ ‘ውን ሓጋዚ ኮይኑ ብዙሕ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ ነዚ ዝተረኽበ ራህዋን ሰላምን ዝዘርጉ ኣካላት ህዝቢ ክዕገሶም የብሉን፡፡

ካሊእ ቕድሚ ሕዚ በቲ ኩናት ስዒቡ ናይ ሰላምን ፀጥታን ማሕውር እቲ ክልል ላሕሊሑ ብምፅንሑ ብዙሓት ኢሕጋዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ኣካላት ‘ውን ብበዝሒ ይረአዩ ‘ዮም፡፡ እዞም ኣካላት እዚኦም ብዙሓት ገበናት እንትፍፀሙ እንተለዉ ኮይነ ኢልካ ንህዝቢ ንምጉዳእን ብዘይ ግቡእ ንበዓልኻ ንምጥቃም ‘ዩ፡፡

ከምዚ ዝበለ ተግባር ንህዝቢ ኣዝዩ ስለ ዝጎድእ ኣምሪርካ ምቕላስ የድሊ፡፡ ኣብ ተፈላላዩ ከባቢታት ገጠር ይኹን ከተማታት ስርቂ ተስፋሕፊሑ ዝርከብ ዘሎ ንምግታዕ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ኣምሪሩ ክቓለሶ ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ሰላም ኣብዘይብሉን ሌባ ኣብ ዝነገሰሉን ዓዲ ፈፂሙ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን፡፡

ካብ ዝርፍያ ሓሊፉ ህይወት ሰብ ምጥፋእ ‘ውን ኣሎ፤ እዚ ዘሪአካ ምንም ዓይነት ንህዝቢ ዘይምሕሳብ ‘ዩ፡፡ ናይ ሰላምን ፀጥታን ኩነታት ኣዝዩ ምልሕላሕ እንትህሉ ስርዓት ኣልቦነት ‘ዩ ዝነግስ፡፡ እዚ ‘ውን ሰላም ህዝቢ ካብ ምዝራግ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ኮይኑ ግና ህዝቢ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ሓድነቱ ኣስጢሙ ተተቓሊስዎም ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንለዓሊ ክኾኑ ኣይኽእሉን፡፡

ህዝቢ ዝደሊ ሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ሰላም እንተረኺቡ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ንምእታው ስለ ዘይፅገም ሰሪሑ ህይወቱ ክመርሕ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ናይ ልምዓት ፅምኢ ‘ዩ ዘለዎ፤ ህዝቢ ብፍላይ ሕዚ ቐልጢፉ ካብቲ ዝበፅሖ ዕንወት ምውፃእ ‘ዩ ዝደሊ፡፡ ሕዚ ካብቲ ኩናት ወፂኡ ገፁ ናብ ልምዓት ገይሩ ኣሎ ክሕገዝ ድማ ይግባእ፡ ፡

ተዘይኮይኑ ሓደ ሓደ ኣካላት ንናይ በዓሎም ረብሓ ክብሉ ሰላሙ ክዘርግዎ ዝሙኩሩ ዘለዉ ኣካላት ኣምሪሩ ክቓለሶም ይግባእ፡፡ መሊሶም ሰላሙ ከይዘርግዎ ነቒሑ ክከታተሎም ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ንሰላምን ልምዓትን ዘለዎ ድሌት ልዑል ‘ዩ፤ ነዚ ምሕጋዝ ‘ምበር ነዚ ብዝቓረን መንገዲ ምኻድ ኣድላይ ኣይኮነን፡፡

ብሓፈሻ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምልዓት ንደሓር ንምምላስ ዝፍትኑ ኣካላት ህዝቢን መንግስትን ኣበርቲዑ ክቓለሶም ይግባእ፡፡ ሰላምን ልምዓት ዝመፅእ ህዝብን መንግስትን ተሓባቢሮም ክሳርሑ እንተለዉ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ሰላሙን ልምዓቱን ክረጋገፀሉ ‘ዩ ዝደሊ፡፡ ምርግጋፅ ሰላምን ልምዓትን ድማ ናይ መንግስቲ ጥራሕ ሓላፍነት እንተይኮነስ ናይ ህዝቢ ‘ውን ስለ ዝኾነ ኩሉ ተሓባቢሩ ሰላምን ልምዓትን ከስፍን ወይ ከረጋግፅ ይግባእ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You