ፕሮጀክት መንደር ዜሮ-ዜሮ ኣልነጃሺ ኣካል ሕውየት ቱሪዝም ትግራይ

ታሪኽ ኣልነጃሺ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዓብይ ቦታ ኣለዎም ካብ ዝብሃሉ ታሪኻት ሓደ ‘ዩ። ኣብ ዓለምና ካብ ጥንቲ ጅሚሩ ክሳብ ሐዚ ብሚሊዮናት ዝቐፀሩ ኣመንቲ ዝነበርዎምን ዘለዎምን ሃይማኖታት ኦሪት፣ ክርስትናን እስልምናን በትግራይ ኣቢሎም ኣትዮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተሰፋሕፍሑ ኣብ ፅሑፋት ታሪኽ ይግለፅ ‘ዩ። ነዚ ህያው ምስክር ኮይኖም ክሳብ ሐዚ ኣብ መርየት ካብ ዘለው ዝተፍላለዩ ሓድግታት ትግራይ ድማ ታሪኽ ኣልነጃሺ ሓደ ‘ዩ።

እዚ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ካብ ዝወስድ ፅርግያ መንገዲ 60 ኪሎ ሜትር ወይ ድማ ካብ ከተማ ውቕሮ ንኣንፈት ሰሜን 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቃ ኣብ ዝትርከብ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ንእሽተይ ከተማ ነጋሽ ዝትርከብ ድሪሕ ኣልነጃሺ ሰዓብቲ ነብይ መሓመድን ገለ ቤተሰቡን ካብ መካ መዲና ተሰዲዶም ዘዓረፉላን፤ ፈላመይቲ ሰዓብቲ እስልምና ሃይማኖት ከይተሸቁረሩ እምነቶም ብነፃነት ዘካየዱላን ገለገሊኦም ድማ ዝተቀበሩላ ‘ውን ስፍራ ‘ያ።

እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ታሪኽ እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ስፍራ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ብመንፈሳዊነትን ብፈላማይነቱን ኣብ ዓለም ካብ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዝለዓለ ደረጃን ክብሪን ዘለዎ መስጊድ ነጋሽ “ዳግማዊ መካ“ ተባሂሉ ብሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዝግለፅ ‘ውን ‘ዩ።

ታሪኽ ነጋሽ ካብ ሻብዓይ ክፍለ ዘበን ‘ዩ ዝጅምር ኮይኑ፤ ነብይ መሓመድ ኣብ ሃገሮም ሃይማኖት እስልምና ምስባኽ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተኸተልቶም ቁረይሽ ብዝብሃሉ ዓሌት እናተሃደኑ መጥቃዕቲ ይበፅሖም ኣብ ዝነበረ፤ ‘ቶም ነብይ ድማ “ዓዲ ፍትሒን ርትዕን“ ኢሎም ዝፅውዕዋ ናብ ዝነበሩ ምድሪ ሓበሻ ንክኸዱ ብምሕባር ኣመላኺቶም ሰዲዶሞም ‘ዮም።

ነጃሺ ማለት ናይ ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቱሪዝም ማእኸል ‘ዩ ተባሂሉ ዝግለፅ እንተኾነውን፤ ክንድቲ ግዝፈት ታሪኽነቱ ግቡእ ኣፍልጦን ተረባሕነት ኣይረኸበን ስለዚ ከም ፕሮጀክት መንደር 00 ኣልነጃሺ ዝበለ ዓብይ ፕሮጀክት ብምህናፅ ትኹረት ታሪኽ ኣልነጃሺ ዘጉልህ ‘ዩ ዝኸውን።

ከምዝፍለጥ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ፕሮጀክት መንደር ዜሮ-ዜሮ ኣል ነጃሺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ ‘ዩ። እቲ ፕሮጀክት ብምትሕብባር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ከምኡ ‘ውን ምስ መሊስካ ምህናፅ ኣል ነጃሺን ልምዓት ኢኒሼቲቭን ብምዃን እቲ መርሃ ግብሪ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

ካብቲ ናይቲ ፕሮጀክት ዕላማታት ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ካብ መካ መዲና ቀፂሉ ታሪኽን ቅርስን እስላም ዝረከበላ ብሙዃና እዚ ሃፍቲ ድማ ብስፍሓት ንምፍላጥ ዝዓለመ ክለምዝኾነን፤ ብተወሳኺ ኣብቲ ከቢድን ፈታንን እዋን ንሙስሊማት መኸታ ዝኾኑ ዓሻራ መካነ ቅርሲ ነጃሺ ኣብ ዘለዎ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ውቅሮ ክብሮምን ታሪኾምን ብዝምጥን መልክዑ ዓለም ለኸ ናይ ቱሪስት ቦታ ንክኸው ዘኽእል ኩሉ ሓቆፍ መንደር ቱሪስት ንምህናፅ ‘ውን ‘ዩ።

ኣብዚ መንደር ቱሪስት ዝተፈላለዩ ንዑሳት ፕሮጀክታት ዝሓቆፉ ኮይኖም ካብዚኦም ድማ ደረጅኡ ዝሓለወ ሙዚየም፣ ሓላል ሆቴላትን ሎጅታትን፣ ስፍራታት እምነት፣ ትካላት ፅንዓትን ምርምርን ከምዝህነፁ ተሓቢሩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ዩኒቨርሲቲ፣ ኮሎጃት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን፣ ቤት ትምህርቲ ኢንተርናሽናል፣ ደረጃኡ ዝሓለወ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን፣ ንግልጋሎት ህዝቢ ዝውዕሉ መዘውተሪ ስፍራታት ስፖርት መአከቢ ኣዳራሻትን ከምዝህልውዎ ተመልኪቱ ‘ዩ።

ናይቲ መደረኽ ዋና ዕላማ ኣልነጃሺ ደረጅኡ ብዝሓለወ መልክዕ ንዓለም ምፍላጥ ከምዘኾነን፣ ዜሮ- ዜሮ ኣልነጃሺ ዝብል ዝብል ዝተወሃቦ መፀውዒ ድማ እስልምና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረሉን መበገሲ እቲ ታሪኽ ዝረከበሉ ቦታን ንምምልኻት ከምዘኾነን ከምኡ ‘ውን እቲ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያውያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ናይቲ ታሪኽ ሰብ ዋናታት ናይቲ ቦታ ግዙፍነት ብምሕሳብ ብዝኽእልዎ ዓቅሚ ኣብ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ርብርብ ንክገብሩ ንምብሳር ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ኣብቲ መርሃግብሪ፣ ፕሬዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ ፕሬዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብዱርቃድር፣ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ዑመር፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መምህራን እቲ ሃይማኖትን ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ተረኺቦም።

ብዝዕባ እዚ ፕሮጀክት ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢቶ ከምዝገልፅዎ፤ ኣብ ዓለም ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ተኸታሊ እስልምና ኣሎ ይብሉ። ኣብዝሓ ተኸታሊ እስልምና ድማ ብዛዕባ ታሪኽ እስልምና ይፈልጥ ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። ምኽንያቱ ታሪኽ ኣልነጃሺ ኣብ ቅዱስ ቁርኣንን ሓዲሳትን ከይተረፈ ዘሎ ስለዝኾነ ብዝዕባ እዚ ዘንበበን ዝተምሃረን ብዙሕ ‘ዩ ዝኸውን።

ስለዚ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት ምህናፁ ካብ መላእ ዓለም ንምጉብናይ ክመፅእ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ ዓብይ ምንቕቃሕ ዝፈጥር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኢኮኖሚ እቲ ከባቢ ‘ውን ዓቢይ ግደ ከምዝህልዎ ‘ዩ ዝእመን። እዚ ፕሮጀክት እንትዛዘም ንከባቢ እቲ ማሕበረሰብን ነቲ ክልል ካብዘለዎ ረብሓ ብተወሳኺ ነታ ሃገር ‘ውን ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ረብሓን ፅቡቅ ምስሊ እታ ሃገር ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ‘ዮም ዝገልፁ።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ገሊፆሞ ተባሂሉ ከምዝተፀብፀበ ድማ ነዚ ፕሮጀክት ንምህናፅ ዝግበር ምንቕስቓስ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣብ ምግባር ድልዋትን ሓገዝትን ኢና ከምዝበሉ ‘ዩ። ብሓፈሻ እዚ ፕሪጀክት ዓብይን ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎ ስለዝኾነ እዚ ናብ ተግባር ንምውዓል ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ርብርብ ብምግባር ብዘይ ውዓል ሕደር ብቅልጡፍ ናብ ተግባር ብምእታውኣካል ሕውየት ትግራይ ክኸውን ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 8 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You