ንፅዋዕ ዓለም ተስፋ ዝህብ ፀወታ ሰገናት

ኣርባዕተ ዙር ዘለዎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት መፃረይ ዓለም ዋንጫ ናብቲ ወሳኒ ምዕራፍ እናተሸጋጋረ ይርከብ:: እቲ ዓለም ዋንጫ ብዶሚኒካን ሪፐብሊክ ኣዳላውነት ኣብ ዝተድሓዘ ዓመት ፈረንጂ መጨራሻ ዝካየድ እንኾን ኣፍሪካ ብምውካል ኣብ መድረክ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሃገራት ዝፍለይሉ እዚ ፀወታ መበል ሳልሳይር በፂሑ ‘ዩ::

በዚ ዙር ናይ በፂሕኻ ምምላስ ፀወታታት ዘካይዱ እቲ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጉጅለ ምስ ኬንያ ተጋጣሚኡ ድሕሪ ቁርብ ማዓልቲ ብምክያድ ቀፃሊ ስጉምቲ ዝውስን ‘ዩ ዝኸውን:: ብኣሰልጣኒት ራውዳ ዓሊ እናተመርሐ ካብ ዝሓለፈ ፍርቂ ወርሒ ጀሚሩ ምድላው እናገበረ ዝፀንሐ ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ምስ መጋጠሚኡ ጉጅለ ኬንያ ናይ መጀመርይኡ ኣብ ሜድኡ እንተገበረ ‘ውን ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዘይኻኣለ ዝዝከር ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ናይ ኽልቲኦም ጉጅለ ፀወታ ብዘይምንም ሽቶ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዝሓዝናዮ ሰሙን መጨረሻ ኣብ ናይሮቢ ዝግበር ፀወታ መልሲ ንኽሊቲኦም ጉጅለ ወሳኒ ‘ዩ:: ራብዓይ ዙር ፀወታ ዝሕወሱ ሽድሽተ ጉጅለ ዝሓሹ ሰለስተ ጉጅለ ኣብ ዓለም ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝውክሉ ብምዃኖም እቶም ጉጅለ ጠንካራ ቃልሲ ከምዝገበሩም ትፅቢት ይግበር::

ኣብ ቀረባ ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጉጅለ ዋና ኣሰልጣኒ ብምዃን ምስቲ ፌደሬሽን ዝተፈራረመት ራውዳ ዓሊ እቲ ጉጅለ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ምጥቃም ከምዘይኻኣለ ተዛሪባ ‘ያ:: ጉጅለ ኬንያ ዓፅዩ ንምፅዋት ዝሞከረ እንተኾነ ‘ውን ብወገን ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ዕድላት ምጥቃም ብዘይምኽኣሉ እቶም ጉጅለ ብዘይ ሽቶ ክፈላለዩ ክኢሎም ‘ዮም::

እቲ ጉጅለ ሰገናት ስለዝኾና ልዑል ድልየት ምስዓርን ስምዒት ኣፀዋውታ ጉጅለ ኬንያ ብዘይምርዳእን ዝተወደበ ኣፀዋውታ ምግባር ኣይካኣላን ነይረን:: ርግፅ ቅድሚ ኸዚ ጉጅለ ብሄራዊ ኬንያ ኩነታት ኣፀዋውታ ንምፍላጥ ብዘይምኽኣሉ ነዚ ምኽንያት ዝላዓል እንትኾን ቅድሚ መዓልትታ ዝተገበረ ፅወታ ግና ንቀፃሊ ጠቓሚ ‘ዩ ዝኸውን :: ስለዝኾነ ድማ ኣጥቢቕና ብምፅዋት ናብ ፅዋዕ ዓለም ንምሕላፍ ፃዕሪ ክገብር ኢና ክትብል እታ ኣሰልጣኒት ተዛሪባ ‘ያ::

ኣብቲ መፃረይ ምድብ ክልተ ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ተመዲቡ ዝነበረ ጉጅለ ኬንያ ኣብቲ ፀወታ ከምዘይሳተፍ ብዘፍለጦ ምኽንያት ብፎርፌ ናብ ሳልሳይ ዙር ከምዝሓለፈ ዝዝከር ‘ዩ:: ብኣሰልጣኒ ሚልድሬድ ቼቼ ዝምራሕ እቲ ጉጅለ ኣብ ስታድየም ኣበበ ቢቂላ ብዝነበረ ፀወታ ኣብ ምክልኻል ትኹረቱ ዝገበረ እንተኾነ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ግና ፅዕንቶ ንምፍጣር ሞኪሩ ነይሩ ‘ዩ::

ኣብ ዝሓዝናዮ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ሜድኡ ዝገብሮ ፀወታ ንዓለም ፅዋዕ ንምሕላፍ ወሳኒ ስለዝኾነ ጠንካራ ተፎኻኻሪ ከምዝኾን ይእመን:: እዚ ስዒቡ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ሽዱሽተ ኣህጉራት ዝተውፃፅኡ 16 ጉጅለ እንትካፈሉ ኣፍሪካ ብሰለስተ ሃገራት ክትውከል ‘ያ:: እቶም ጉጅለ ንምፍላይ 25 ሃገራት ብሄራዊ ጉጅለኦም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ መወዳእታ ጀሚሩ ኣብ መፃረይ ፀወታ ኣብ ምስታፍ ይርከብ::

ኣርባዕተ ዙር ዘለዎ መፃረይ ጉጅለ ብሄራዊ ኢትዮጵያ መጋጥምቱ ጉጅለ ደቡብ ኣፍሪካ ብምስዓር ንመበል ሳልሳይ ዙር ከምዝሓለፈ ዝዝከር ‘ዩ:: ድሕሪ ሕደት ማዓልትታ ኣብ ዝግበር ናይ ኢትዮጵያን ኬንያን መልሲ ፀወታ ራብዓይ ዙር ዝቀላቀል ጉጅለ ምስ ጁብቲን ብሩንዲን ሰዓርቲ ክፃወት ‘ዩ:: ኽልቲኦም ጉጅለ ብሰለስተ ማዓልቲ ፍልልይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታድዮም ኣበበ ቢቂላ ፀወታ ዝገብሩ ምዃኖም ዝፍለጥ ‘ዩ::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 8 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You