ብሽልማት ዓመታዊ ብሉፃት ኣትሌታት ዝደመቑ ኢትዮጵያውያን ኮኾባት

ትፅቢት እናተገበረሉ ዝፀንሐ መርሃ ግብሪ ሽልማት ብሉፅ ኣትሌታት ዓለም 2024 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኽልተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም። ‘ቶም ኽልተ ኣትሌታት ኢትዮጵያውያን ካብ ስታድየም ወፃኢን ከምኡ ‘ውን ብብሉፅ ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም።

ብሓፈሻ ካብ ሽድሽተ ዓውድታት ኣብ ዝካየድ ሽልማት ሰለስቲኦም ተሸለምቲ ኣትሌታት ኣፍሪካውያን ምዃኖም ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ዝተፈለየ ገይርዎ ‘ዩ። ብስፖርት ኣትሌቲክስ ብፍላይ ብነዊሕ ርሕቐት ውድድራት ዕውትቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ኣትሌታት ከየምረፀት እንተፀንሐት ‘ውን ኣብ ምዝዛም ዝርከብ 2024 ዓመት ውድድር ግና ኽልተ ኣትሌታታ ተሸለምቲ ኾይኖም ‘ዮም።

ናይ 3ሽሕ መሰናኽል ተወዳዳሪት መንእሰይ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ተዓዋቲት እንትትኾን፤ ብማራቶን ኦሊምፒክ ታዓዋታይ ሜዳልያ ወርቂ ድማ ኣትሌት ታምራት ቶላ ካብ ስታድየም ወፃኢ ዝግበሩ ውድድራት ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት ተባሂሉ ‘ዩ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ብፈረንሳይ ኣድላውነት ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ፓሪስ ብ200 ሜትሮ ናይ ወርቂን ከምኡ ‘ውን ኣርባዕተ ግዜ ብ400 ሜትሮ ድማ ሜዳልያ ብሩር ብምውሳድ ቤተሰብ ስፖርት ዘደመመ ቦትሷዋናዊ ኣትሌት ሌትሲሌ ቲቦጎ ብ መም (ትራክ) ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት ተባሂሉ ‘ዩ።

ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ወርቂ ማራቶን ከምኡ ‘ውን 5ሽሕን 10ሽሕን ሜትራት ሜዳልያ ነሓስ ዘመዝገበት ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኔዘርላንዳዊት ኣትሌት ሲፈን ሓሰን ካብ ስታድየም ወፃኢ ብዝተኻየዱ ውድድራት ብልፅቲ ጓል ኣስተይቲ ብምዃን ተመሪፃ ‘ያ።

ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ቅድም ኣብ ዝበሉ ዓመታት ብኹሉ ዓይነታት ስፖርት ሓደ ዓይነት ሽልማት ዝነበሮ እንትኾን ፤ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዘፈር ሽልማት ከከም ውድድራት ባህሪ ብምስፋሕ ናይ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት እናሸለመ ይርከብ።ካብዚኦም እቲ ሓደ ዝኾነ መረፃ ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2005 ኣካል እቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ኾይኑ ‘ዩ።

በዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2019 ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋ ተዓዋታይ ብምዃን ናይ መጀመርያ ኢትጵያዊ ኣትሌት ‘ዩ። ድሕሪ ዓመታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዝተገበረ ሽልማት ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ተስፋ ዘለዋ ኣትሌት ተባሂላ ሽልማት ረኺባ ‘ያ።

ኣብዚ ውድድር ዓመት መናእሰይ ካብ ምዃኖም ኣንፃር ፅቡቕ ብቅዓት ዘርኣዩ ኣትሌታት ኣብ ዝምረፅሉ ዓውዲ፣ ሲምቦ ተዓዋቲት ክትኾን ዝኻኣለት ብፍላይ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ብዘርኣየቶ ብቅዓት ‘ዩ። ጓል 19 ዓመት ናይ 3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ኣትሌት ኣብ ፓሪስ መበል 5ይ ብርኪ ብምሓዝ ዝዛዘመት እንተኾነት ‘ውን ድሕሪ ማዓልትታት ኣብ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ብምምዝጋብ ሜዳልያ ወርቂ ከምዘመዝገበት ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብ ማራቶን ኦሎምፒክ ፓሪስ ኢትዮጵያ ብተጠባባቂ ኾይኑ ዝተሳተፈ ታምራት ቶላ ኣብ መወዳታ ሰዓት ኣብ ዝረኸቦ ዕድል ውድድር ተጠቂሙ ከይሓሰቦ ተዓዋታይ ከመዝኾነ ‘ውን ኣይርሳዕን። ኣትሌት ታምራት ቶላ ድሕሪ 24 ዓመት ክብረወሰን ኦሎምፒክ ብምምሕያሽ ዓወት ማራቶን ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሰሉ ብቅዓት ካብ ስታድየም ወፃኢ ኣብ ዝተበሩ ውድድራት ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት ንክኾን ገይርዎ ‘ዩ።

2022 ናይ ዩጂን ቻምፒዮና ዓለም ናይ ማራቶን ተዓዋታይ ኣትሌት ታምራት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ማራቶን ኒውዮርክ ብዓወት ምዝዛሙ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብ ለንደን ማራቶን እንተይዛዘመ ‘ውን ኣብቲ ኦሎምፒክ ግና ፅቡቅ ቅዋም ብምርኣዩ ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት ከምዝኾነ ከመስክር ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብቲ መድረኽ ሽልማት መደረ ዘስምዑ ፕሬዝዳንት ዓለም ኣትሌቲክስ ሳባስትያን ኮ፤ ተዓወቲ ሓዊሱ ብሕፁይ ዝቐረቡ ኣትሌታት ኣብዚ ዓመት ብዘርኣይዎ ፅቡቅ ቅዋም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ኣብዚ ዓመት ኦሎምፒክ ውድድር ምክያዱን 6 ክብረወሰን ዓለም ምስባር ሓዊሱ ብዙሓት ፅቡቃት ዓይነት ብቅዓት በቢርሕቐቱ ውድድር ከምዝተርኣዩ ኣዘኪሮም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 1988 ጀሚሩ ምክያድ ዝጀመረ እዚ ሽልማት ንሽድሽተ ግዜ ብምሽናፍ ቀዳማይ ዝኾነ ጀማይካዊ ጉያይ ሓፂር ርሕቐት ዩሴን ቦልት ‘ዩ። ሞሮካዊው ማኸላይ ርሕቐት ኣሌት ሂሻም ኤልግሩዥ ን ሩስያዊ ምሩኩዝ ዝላይ ይሌና ኢሲንባዮቫ ድማ ሰለስተ ሰለስተ ግዜ ሽልማት ብምውሳድ ዝኽተሉ ‘ዮም።

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ብተኸታታሊ ንኽልተ ግዜ (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2004 ን 2005) ተዓዋታይ እንትኾን፤ ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ1998 ናይዚ ኽብሪ ባዓል ዋና ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት መሰረት ደፋር፣ ገንዘቤ ዲባባ ከምኡ ‘ውን ኣልማዝ ኣያና ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌታት ብምባል ዝተመረፁ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You