ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ውድድር ጎዳና ዓወት ቀኒዕዎም

ኣብ ዝተዛዘመ ሰሙን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ ርሕቐት ውድድር ጎዳና እናተኻየደ እንትኾን ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብዓወት እናዛዘሙ ‘ዮም:: ካብ ውድድር ማራቶን እቲ ሓደ ማራቶን ኣቡዳቢ ተዓዋታይ ኣትሌት ጫላ ከተማ ናይ መጀመሪያ ውድድር ዝተዓወተ ኢትጵያዊ ኣትሌት ክኾን ክኢሉ ‘ዩ::

ኣትሌት ጫላ ኣብዚ ውድደር ኣብዙሓ ኪሎ ሜትሮ ክመርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ሜትራት ተዓዋታይ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ:: እቲ ርሕቐት ንምዝዛም ዝወደኣሉ ሰዓት 2ሰዓት 06 ደቒቃ 16 ሰከንድ ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ:: እዚ ሰዓት ብውልቅኡ ካብ ዘመዝገቦ ፈጠን ሰዓት ንሒደት ሰከንዳት ዝፀንሐ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ማራቶን ኣቡዳቢ ዝተመዝገበ ሽዱሽተ ፈጣን ሰዓት መበል ራብዓይ ‘ዩ::

እዚ ዓወት ኣመልኪቱ ኣብቲ ስፍራ ንዝነበሩ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ‹‹ እቲ ኩነታት ኣየሩ ኾነ እቲ ውድድር ፅቡቕ ስለዝነበረ ተዓዋታይ ክኾን ክኢለ’የ:: ኣብ ማራቶን ኣቡዳቢ ተዓዋታይ ዝኾንኩ ናይ መጀመርታ ኢትዮጵያዊ ምዃነይ ኾሪዐ ‘የ:: ድሕሪ ኸዚ ቁርብ ዕረፍቲ ብምግባር ናብ ልምምድ በምምላስ ንሃገርይ ዘኹርዕ ውፅኢት ንምምዝጋብ ክሰርሕ ‘የ›› ኢሉ::

ብጣዕሚ ጠንካራ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ እዚ ውድድር ጎዳና ተዓዋታይ ኣትሌት ንምፍላይ ክሳብ መጨረሻ ኣፀጋሚ ነይሩ:: ካብ ሓደ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ብርኪ ሒዞም ዝዛዘሙ ኣትሌታት ብሰለስተ ሰከንድ ጥራሕ ‘ዩ ፍልልዮም:: ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣትሌታት ልዕልነት ዝተርኣየሉ እቲ ጉያ ተዓዋታይ ጫላ ስዒቡ ዝኣተወ ኣትሌት ካብ ጁብቲ ኢብራሂም ቦኽ 17 ሰከንድ ንድሕሪት ብምትራፍ ‘ዩ:: ድሕሪ 14 ሰከንድ ድማ ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ ዝዛዘመ ዜሌት ካብ ኬንያ ኣትሌት ዌልፍሬድ ኪገን ‘ዩ::

ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ብርኪ ወርቂ ዝተውሃበ ናይ ህንዲ ካልካታ 25 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ዝተኻየደ እንትኾን ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ኢትጵያዊት ኣትሌት ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ:: ሎሚ ዓመት ንመበል 9ይ ግዜ ዝተኻየደ እዚ ውድድር በቲ ርሕቐት ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ናይ ወርቂ ብርኪ ዝረኸበ ቀዳማይ ውድድር ‘ዩ:: እዚ ጠንካራ ንሕንሕ ብዓወት ዝዛዘመት ኢትጵያዊት ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 1ሰዓት 19ደቂቃ 17 ሰከንድ ወሲድላ ‘ዩ::

ብጉያ ጎዳናታት ስኬታማ ዝኾነት እዛ ኣትሌት ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ዓመት ውድድር ሂውስተን ፍርቂ ማራቶን 1 ሰዓት 40 ደቂቃ 37 ሰከንድ ብምእታው ናይ ውልቃ ፈጣን ሰዓት ከምዘመዝገበት ዝፍለጥ ‘ዩ:: ካብ ዋና ዋና ማራቶን ዝጥቀስ ማራቶን ቶኪዮ ድማ 2ሰዓት 1 ደቒቃ 55 ሰከንድ ብምጉያይ በቲ ርሕቐት ታሪኽ መበል ሻምናይ ፈጣን ኣትሌት ክትኾን ክኢላ ‘ያ:: ኣብ ጉድኣት ዝፀንሐት ኣትሌት ሱቱሜ እዚ ወድድር ንክካየድ መዓልትታት እንትተርፎ ከምትሳተፍ ብምፍላጥ ንዓወት ምብፃሓ ብቤተሰብ ስፖርት ኣድናቖት ረኺባ ‘ያ::

እታ ኣትሌት ድሕሪ ውድድር ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ‹‹ ንኻልኣይ እዋን ተዓዋቲት ብምዃነይ ሕጉስቲ እየ ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ንምስባር ድልየት ነይርኒ ኾይኑ ግን ብጉዕዞ ምኽንያት ደኺመ ስለዝነበርኹ ኣይተሳኸዐለይን:: ንሓድሽ ውድድር ዓመት ንዝሳተፈሉ ማራቶን ምድላው ኣብ ምግባር ይርከብ›› ኢላ::

ዓብይ ንሕንሕ ዝተርኣዮ እዚ ውድድር ንቑሩብ ሰከንድ ንድሕሪት ተሪፋ መበል ኻልኣይ ኾይና ዝዛዘመት ኬንያዊት ኣትሌት ቪዮላ ቼፕጌኖ ‘ያ:: ምስ እዚ ተደሓሒዙ እታ ኣትሌት ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ‹‹መበል ካልኣይ ኾይነ ብምዝዛዛመይ ሕጉስቲ ‘፤የ ጠንካራ ኣትሌታ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዙ ጉያ እዚ ብርኪ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን ፤ ፅቡቕ ውፅኢት ብምምፀአይ ሕጉስቲ ‘የ ›› ክትብል ተዛሪባ ‘ያ:: ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2022 ናይዚ ውድድርተ ተዓዋቲት ባህሬናዊት ኣትሌት ደሲ ጂሳ ድማ ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You