ስፖርት ብሕግን ስርዓትን ንክምራሕ ንምግባር

ስፖርት ኢትዮጵያ ናይ ዕድምኡ ዝኣክል ንዘይምዕባዩ፣ ዘመናዊ ዘይምዃኑ ካብ ዝላዓሉ ብዙሓት ምኽንያታት እቲ ሓደ ኣወዳድባ ‘ዩ፡፡ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ናይ ስፖርት ውፅኢታውነት ጉዕዞ ድሑር ብምዃኑ ምኽንያት ግዚኡ ብኣዋጅን ሳይንሳዊ ብዝኾነ መልክዑ ንክምራሕ ንምግባር ዝተፈላለየ ምንቅስቃሳት ኣብ ምክያድ ይርከቡ፡፡

እዚ ስዒቡ ሚንስተር ባህልን ስፖርትን ፌዴሬሽን ‹‹ሃገራዊ ስፖርት ልምዓት ስብራት ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ ንምፍታሕ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ማዳርግቲ ኣካላት ዘተ መድረኸ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ መድረኽ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲ ብምሁራን ዝቐረበ እንትኾን ፤ኣብ ዕብየት ስፖርት ቁልፊ ግደ ዘለዎ ኣወዳድባ እቲ ሓደ ዝምልከቶ መፅናዕቲ ‘ዩ፡፡

‹‹ናይ ኢትዮጵያ መንግስታውን ህዝባውን ስፖርት ኣወዳድባን ኣሰራርሓ ኣብ ፖሊሲ ተኮር ዘሎ ፅዕንቶ›› ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ እዚ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባርነት ከምኡ ‘ውን ብ ሽድሽተ ላዕለዎት ቤት ትምህርቲ ትካላት ዝተወፃፅኡ ተመራመርቲ ስፖርት ሳይንስ ብምስታፍ ኣወዳድባ ስፖርት፣ ምምሕዳር ፣ኣመራርሓን ስርዓት ኣሰራርሓ ዘለዉ ክፍተታት ብምፍላይ ክትግበሩ ዝኽእሉ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ ‘ውን ዓላማ ዝገበረ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተገለፀ ህዝባውን መንግስታውን መሰረት ዘለዎ ኣወዳድባ ስፖርት ኢትዮጵያ ተልእኾ ከፈፅምን ናይቲ ዘፈር ልምዓት ከረጋግፅ ዝኽእል ፤ምስ መዳርግቲ ኣካላት ቀፃልነት ዘለዎ ኣወዳድባ መሓውር ኣይነበሮን ንምባል ብዘይደፍር ኩነታት ውሽጢ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ መንግስታዊ ኣካል ብዝምልከት ፣ካብ 1935 ክሳብ 2017 ዓ.ም ብዘሎ ግዜ ውሽጢ 13 ዝኾኑ ከይዲ ኣወዳድባ ውሽጢ ከምዝሓለፈ ‘ዩ እቲ መፅናዕቲ ዝገለፀ፡፡ እዚ ድማ ዝተረጋገዐ ትካላዊ ጥንካረን ተሰማዕነት ንከይህሉ ገይሩ ‘ዩ፡፡ ሓደ ኣመራርሓ ዘጀመሮ ካልእ ኣብ ምቅፃል ዝተፈጠሩ ክፍተታት ኣብ ስሩዕ ኣሰራርሓ ፅዕንቶ ፈጢሮም ‘ዮም፡፡

ኣብ ክልል ዘሎ ኣወዳድባ ስፖርት ፣ብተመሳሳሊ ቀፃልነት ዘለዎ ብዘይምዃኑ ክሳብ ወረዳ ዝበፅሐ ኣወዳድባ ዘተኣሳስር ስርዓት ንከይህሉን እቲ ስፖርት ትኹረት ንከይህልዎ ገይርዎ ‘ዩ፡፡ ብሓፈሻ እንትረአ ኣብ መንግስታዊ ስፖርት ውሽጢ ዝርከቡ ትካላት ብኣዋጅ ዝተውሃቦም ስልጠናን ተግባር ክፍፅሙ ከምዘይኽአሎ እቲ መፅናዕቲ የመልክት፡፡ ህዝባዊ ኣወዳድባ ‘ውን እንተኾነ ከም ስፖርት እቶም ማሕበራት ካብ ጠቕላላ ጉባኤ ክሳብ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ መስፈርትን ምርድዳእ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣብ ስፖርት ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘዕረፈ ኣብቲ መፅናዕቲ ምርዳእ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ናይቲ ክልል ስፖርት ቢሮ ፣ማሕበራት ስፖርት ከምኡ ‘ውን ትካላት ስፖርት ኣመራርሓ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝተገለፀ፤ በተለይ ብሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ሕግን ደንብን ናይ ምፍፃም ትሑት ምዃን ኣሎ፡፡ በዚ ምኽንያት ቅድሚ ኸዚ ዝተኻየዱ መፅናዕቲ ተግባራዊ ስለዘይተገበሩ ብህዝባዊ ኣወዳድባ ‘ውን ሓይለኝነት ብምስፍሕፍሑ ፤ብመንግስታዊ ኣካል ቁፅፅር ንምግባር ኣፀጋሚ ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ዝተልዓሉ ሓሳባት ስዒቡ ምላሽ ዝሃባ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌደሪኢ ሸዊት ሻንካ ፤እቲ መፅናዕቲ ብምንታይ መልክዑ ናብ መሬት ክወርድ ይኽእል ኣብ ዝብል ናይ ተግባር ስትራቴጂካዊ ትልሚ እናተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡ መዓዝ? መን ኣካል ኣብ ተግባር የውዕል? ዝብል ከም መልዓሊ ብምውሳ ኣብ ቀፃሊ ናብ ስራሕ ዝእቶ ‘ዩ ዝኾን ኢለን፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ስፖርትን ብሕግን መመርሕን ክምራሕ ስለዘለዎ ስርዓት ኣሰራርሓ ፣ናይ ስፖርት ፖሊሲ ምምሕያሽ ከምኡ ‘ውን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ስፖርት ንምቕፃል ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ብዝተዳለወ ናይ ኣሰራርሓ ማዕቐፍ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ስፖርት ንክህሉ ምግባር ካብ ኹሉ ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡ ኣብ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሚኒስትር ድኤታ ዘፈር ስፖርት ልምዓት መኪዩ መሓመድ ብወገኖም ፤ብብርኪ ዓለምለኸ ዘሎ ኣሰራርሓ ስፖርት ምርዳእ ከምዘደሊ ‘ዮም ዝገለፁ፡፡ ሕግታትን ኣሰራርሓን ካብ ዓለምለኸ ሕግን ኣሰራርሓን ዝገጋጨዉ ‘ዮም ዝባሃል ዝስማዕ ‘ውን ናይ ስፖርት ፖለቲካን ስፓርትን ብዘይምርዳእ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዚ መፅናዕቲ ብሳይንሳዊ መንገዲ ኣብሪሁ ኣሪኡ ‘ዩ ዝበላ እቶም ዴኤታ ሚኒስትር፤ እቲ ሚኒስተር መስራቤት ስትራቴጂ ብምቕራፅ ተግባራውነቱ ኣብ ቀፃሊ ዝስራሕ ‘ዩ ኢለን፡፡ ብምዃኑ በቢደረጅኡ ዘለዉ ናይ ስፖርት ኣወዳድባ ንስፖርት ዕብየትን ስብራትን ምፅጋን ተናቢቦምን ብሕብረት ብምስራሕ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡ ሕግን ደንብን ካብ ምፍፃም ኣንፃር መንግስታውን ህዝባዊ ኣካል ብሓባር ብምስራሕ ከምዘድሊ ‘ውን ኣመልኪቶም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You