ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝገበሮ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሓደሽቲ መራሕቲ መሪፁ ‘ዩ።ነባርን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኮኾብ ኣትሌት ኮማደር ስለሺ ስህን ንቐፃሊ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ፌደሬሽን ብፕረዝዳንትነት ንከገልግል ከምዝተመረፀ ዝዝከር ‘ዩ።ብተመሳሳሊ ነቲ ስፖርት ቀረባ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ነባር ኮኾብ ኣትሌታት ነቲ ፌደራሽን ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ ኣባልነት ክምረፁ ክኢሎም ‘ዮም።
እዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምምሕዳር ፀገም እናቐነሰ ዝመፀ ውፅኢት ኣትሌቲክስ ሓደ ፍታሕ ክረክብ ‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣብ ብዙሓት ኣሕዲሩ ‘ዩ።እቲ ጠቅላላ ጉባኤ ንሓድሽ አመራርሓ መፍለይ ኢትዮጵያ ዝኾነ ውፅኢት ኣትሌክስ ንክስተኻኸልን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ዘሕዘኑ ምምሕዳራዊ ፀገማት ንክስተኻኸሉ ሓላፍነት ሂቡ ‘ዩ።
እቲ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ካብ 26 ድምፂ11 ብምርካብ ተዓዋታይ ዝኾነ ነባር ኣትሌት ኮማደር ስለሺ ኹርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ስፖርት ንምግልጋል ብምምራፁ ምስጋና ኣቕሪቡ ‘ዩ።ጠንካራ ንሕንሕ ኣብ ዝተገበረሉ መረፃ ናይቲ ፌደሬሽን ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኣባል ኾይኖም ዝተመረፁ ኣትሌታት ፣ምሁራንን ባዓል ሃፍትን ብምዃኖም ንሓደ ዓላማ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ‘ዮም፡፡
ብነዊሕ ርሕቐት ናይ ተወዳዳሪ ዘመኑ ብዙሕ ሜዳልያ ብሩር ብምስብሳብ ዝፍለጥ ስለሺ ስህን ‹‹ሲልቨር ማን›› ብዝብል ቅፅል ስም ዝፍለጥ ‘ዩ።ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፌዴሬሽን ዓብይ ፌደሬሽን ብምዃኑ ዘተሓሳስቡ ነገራት ክህልዉ ‘ዮም ዝብል ስግኣት ዘቕረበ ስለሺ፤ ብዝተኽኣለ መጠን ኣትሌታትና ፣ኣሰልጠንቲ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጓስ ምስ ዝተመረፁ ስራሕ ኣፈፀምቲ ብሓባር ብምዃን ኢትዮጵያ ዝምጥን ስራሕ ንምስራሕ ድልው ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ብሓፈሻ ነቲ መረፃ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ናይ ስፖርት ናይ ቀረባ ሰባት በዚ ብርኪ ቀሪቦም ንምግልጋል ምምፀኦም ዓብይ ነገር ‘ዩ፤ ምርጫ ስለዝኾነ ኣነ ሓሊፈ ‘የ ንሶም ተሪፎም ‘ዮም ካልእ እዋን ክመፁ ‘ዮም፤ ከገልግሉ ‘ዮም ኢለ ይሓስብ ፣ ነፃ ኣገልግሎት ‘ዩ፣ እንድሕር ዝይኣትዉ ‘ውን ክሕግዝና ‘ዮም ኢለ ይሓስብ ክብል ንተሓናሕቱ ሓሳቡ ሂቡ ‘ዩ።
ኣብ ቀፃሊ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ኣትሌት ፣ኣሰልጣኒ፣ ስፖርት ቤተሰብ ንምክሓስ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ እንትገልፅ ድማ ‹‹ሚኢቲ ንሚኢቲ ንብዓት ንምሕባስ ‘የ ዝመፅእ ፤ንዓይ ሓቂ፣ ሓቂ ‘ዩ ፣ እዚ ገዛ ድማ ይፈልጦ ‘የ ማንም ንምጥቃም ፤ማንም ንምጉዳእ ኣይንኸድን ፤ኣይኸድን ‘ውን ፤ገይሮዮ ‘ውን ኣፈልጥን ፤ከይፈለጥና ሰብ ክነቐይም ንኽእል ኢና ግና ፈሊጥና ኣይንገብሮን፤ ዝተፈለየ ድልየት ‘ውን የብልናን ፤ድልየትና ስፖርትን ስፖርትን ጥራሕ ‘ዩ፤ ሓደ ሃገር ሓደ ዓለማ ‘ዩ ዘለና ንሃርና ዝረብሕ ነገር ክንገብር ኢና ኢለ ይሓስብ›› ብምባል ተዛሪቡ ‘ዩ።
ኣብ ዓለም ቻምፒዮናን ኣብ መድረኻት ኦሎምፒክን ስኬታማ ዝኾነት ኣትሌት መሰረት ደፋር በቲ ጉባኤ ዝተመረፀት ኣባል ስራሕ ፈፃሚት ኾይና ‘ያ።ቅድሚ ኸዚ ተወካሊት ኣትሌት ኾይና ዝሰርሐት መሰረት በተለይ ከም ኣዲስ ኣበባ ዝበሉን ሰገናት ኣትሌት ደቂ ኣንስትዮ ስኬታማ ብዘይምዃነን ኣብዚ ውድድራት ትኹረት ገይራ ከምትሰርሕ ትልሚ ከምዝሓዘት ተዛሪባ፡፡
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፕሬዝዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ብምዃን ዘገልገለ ወዲ ማርሽ ቀያሪ ምሩፅ ይፍጠር ዝኾነ ቢንያም ምሩፅ ብስራሕ ፈፃሚነት ክካተት ኽኢሉ ‘ዩ።ቢንያም ኣብ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ውሽጢ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ምስቶም ኣባላት ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ኣብ ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ካብ ዝኣተዉ እቲ ሓደ ናይ ኢትዮ ኤሌትሪክ ኣትሌቲክስ ክለብ ኣመራርሓ ዝኾኑ ኢንጅነር ጌቱ ገረመው ብወገኖም፤ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ብሓባር ትልሚ ብውፃእ ምስ መደርግቲ ኣካላት ብምዃን እቲ ኣትሌቲክስ ዝምጥን ስራሕ ብምስራሕ ብዓለምለኸ ትካል ዘለዎ ርክብ ምጥንኻር ከምዘድሊ ገሊፆም።ብፍላይ ናይቲ ፌደሬሽን ሪፎርም ፣ፀገም ኣትሌታ ንምፍታሕ ፣ብዝተፈላለዩ ምክንያት ቅሬታ ካብ ዝተፈጠረሎም ኣካላት ዕርቂ ምፍፃም ናይ መጀመርያ ስራሕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌደሪኢ ሚኒስትር ዴኤታ ልምዓት ስፖርት መኪዩ መሓመድ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ፤ኣትሌቲክስ ንኢትዮጵያ ስፖርት ጥራሕ እንተይኾነስ መንነት ‘ውን ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም። ኣትሌታትና ብዙሕ ታሪኽ ኣብ ዘዕረፍሉ መድረኻት ኦሎምፒክ ኹሉ ኣብ ዝተመቻቸወን መንግስቲ ‘ውን ትኹረት ኣብ ዝሃበሉ ኣብዚ እዋን እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ዘይኾን ኣሰራርሓ ብምውፃእ ናብ ነባር ስሙ ብምምላስ ህዝቢ ንክካሓስ ብቅንዕናን ብታኣማንነት ከገልግል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም