‹‹ኣብ ቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ብኣርባዕቲኡ ኹርናዕ ማእኸል ጠጠው ኢልና ንሃገርና ብልፅግና መገዲ ፀረግቲ ክንኾን ኢና›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብዙርያና ዘለዉን ብልፅግና ብዝቀላጠፈሎም ኣረባዕተ ኹርናዕ ማእኽል ጠጠው ኢልና ንሃርና ኩለንተናዊ ብልፅግና መገዲ ፀረግቲ ክንኾን ኢና ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣህመድ ኣፍሊጦም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ውፅኢት መረፃ ዕላዊ ብምዃኑ ምኽንያት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላላፍዎ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ከምዝገለፅዎ ፤ኣብ ቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ብልፅግና ዝመርሖም ኣርባዕተ ኹርናዓት ኣለዉ።

ኹርናዕ መጀመርያ ህንፀት መሰረተ ልምዓት እንትኾን ፤ሃገርና ንክትብልፅግ ብኢኮኖሚ ኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘፈራት ዘላቒ መሰረት ዝኾኑ፤ብቕልጡፍ ዝዛዘሙ ፣ ፅሬቶም ዝሓለዉ፣ ካብ ብኽነት ነፃ ዝኾኑን እንፈጥሮም ትካላት ክሽከሙ ዝኽእሉ ወለዶ ተሳጋሪ መሰረተ ልምዓት ምህናፅና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

ውሑዳት እውን እንተኾኑ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣፅጋቢ ስራሕ ምስራሕና ምስክራት ንስኻትኩም ኢኹም ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስተር፤ኹርናዕ ኽልተ ህንፀት ትካላት እንትኸውን ብውሕዳት ውልቀ ሰባትን ትኹረት ካብ ምግባር ዝሓለፈ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ጠጠው ዘብሉ ጠንካራ ትካላት የድልዩና እዮም ኢሎም።

ዘመን ተሳጋሪ ስርዓት ንምፅናዕ ዘይሻራዊን ኹሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ዘገልግሉ ትካላት ምህናፅ ትኹረት ክግበር እዩ። እዚ ማዕቐፍ ካብ ፌደራል ክሳብ ክልል ዝርከቡ ትካላት ከምዘካትት ገሊፆም እዮም።

ሳልሳይ ከም ሃገር ዘተኣሳስሩና ሓበራዊ ኣመለኻኽታ ናይ ሓባር ትርክትታት ትኹረት ሂብና ክንሰርሖም ኣለና።ነኒባዕልና ዘቀሓሕሩን ዘጠፋፋኡን ፀገማት ንፀላእትን ተመችይዎም ንዓና ደካማ ከምዝገበረና ዘሕለፍናዮም ዓመታት ምስክራት እዮም። ስለዚ ክፍተትና ብዝኸድን መልክዑ ጥራሕ እንተይኾነስ ከም ሃገር ኣጠንኪሮም ጠጠው ዘብሉና ኣብ እሴት ዝተመስረተ፣ኩላትና ሰዓሪ ዝገብር ትርክት ንምህናፅ ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ብርኪ ኣርባዕተ ልዕልና ሞራል ግብረገባውነት ተመጣጣኒ ትኹረት ረኺቦም ክሳብ ዘይተሰረሐሎም ኣብ ሃገርና ሓላፍነት ዝስመዖም ዜጋታት እናቀነሰ ፣ብተቃራኒ ኢ-ሞራላዊ ተግባራት እንተስፋሕፍሑ ንክመፁ በሪ ይኸፍት እዩ። እዚ ፀገም ናይ ምቕራፍ ሓላፍነት መንግስትን ዘይመንግስታውን ትካላት ጥራሕ ዝግደፍ እንተይኾነስ ፣ካብ ውልቀን ቤተሰብን ጀሚሩ ዝስራሕ ስራሕ ከምዝኾነ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም እዮም።

ኹሉ ኣካላት ተረባሪቡ ሃገርን ትውልድን እናበላሸዎ ዘሎ ሕማቕ ተግባራት ፀሪጉ ክድብርዮም ይግባእ። ኣብ ቐፃሊ ዓመታት ብሞራልን ንፅህናን ዝተሃነፁ ትካላትን መራሕትን ኣፂሪና እነውፀኣሉ ንክኸውን ተስፋ ይገብር ኢሎም ።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

አቶ እምሩ ታምራት

Recommended For You