ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምቕታሉ ኤርትራ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ እናወሰደ ምዃኑ ሚኒስቴር ዜና ኤርትራ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ቲወተር ገፆም ከምዝገለፅዎ፣ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ስደተኛታት ኤርትራ ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለትን ጨፍጫፍን እናካየደ እዩ።

ከም ኣይተ የማነ ገለፃ፤ ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዘለው ንፁሃን ኤርትራዊያን እንተይተረፈ ብሕነ ምፍዳይ መንፈስ ጨፍጫፍ እናፈፀመ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዘለው ኤጀንስታትን ናይ ህወሓት መፍቀርቲ ብዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሻት ዓለም ችላ ተባሂሉ እዩ ።

ኣብ ጀኔቫ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዉ ንፁሃን ኤርትራዊያን እናተቐተሉ እዮም ኢሉ።

ቅድሚ ሀዚ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዉ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ደሕንነት ስግኣት ከምዘንፀላለየሎም ጠቒሱ ስግኣቱ ምግላፁ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ትካላት ጥዕና ከምተዘመቱን ንፁሃን ዜጋታት ንዝለዓለ ገልታዕታዕ ምስጣሖም ምፍላጡ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሰሙን ኣብቲ ክልል ዝተወሰኑ ኸባቢታት ግልጋሎት ምሃብ ምቑራፁ ምግላፁ ይዝከር።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You