“ኣብ ተፍጥሮ ሃፍቲ ኣጋጢምና ዘሎ ብርሰትን ፅልዋን ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከይበፅሐ ምሕዋይ ውራይ ኩሉ ዜጋ ‘ዩ” – ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት

ኣብ እዋን ኲናት ዝጀመረ ብርሰት ኣግራብ ትግራይ ሐዚ ‘ውን መሊኡ ደው ኣይበለን። ደኒ ትግራይ በቲ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ሕብረተሰብን ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝበሉ ስራሕቲ መዓድን ዝካየደሎም ከባቢታት ዓብዪ ፅዕንቶ ኣሕዲሩሉን የሕድረሉን ኣለው።

ቅድሚ ኲናት 237 ዝነበራ ጣብያታት ፈልሲ ትግራይ ኣብ ዓመት ካብ 100 ክሳብ 120 ሚልዮን ዘፍልሳ ዝነብራ በቲ ኵናት ድሕሪ ዝበፅሐን ዕንወት ናብ ዝነበርኦ ተመሊሰን ብሙሉእ ዓቅመን ናብ ስራሕ ብዘይምእታወን ሐዚ ናብ ከባቢ28 ሚልዮን ዝወረዳሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ብተወሳኺ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰንኪ ሰፊሕ ሕፅረት በጀት ምንም ስለዘይተበጀተና ከምቲ ዝሓሰብናዮ ክንሰርሕ ኣከኣልናን።

ይኹን እምበር ካብ ሕብረተሰብ ገለ ወረዳታትን ገበርቲ ሰናይን ዝተረኸበ ድጋፍ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተለምናዮ 70 ሚልዮን ፈልሲ 28 ሚልዮን ከባቢ ፈልሲ ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ብሚእታዊ እንትግለፅ ድማ 40.93 ሚእታዊ ኢና ኣፍሊስና ዘለና። ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳይሬክተር ልምዓትን ኣጠቓቕማን ደንን ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነብሮም ፃንሒት ኣብ ዳግመ ስራሕቲ ተፈጥሮ ሃፍቲ ትግራይ ዘሎ ዕድላት፣ ፈተናታትን ተስፋታትን ካልኦትን ከምኡ’ ውን መልእኽታትን ወሲኾም ከምዝስዕብ ኣሕሊፎም ኣለው ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ኣግራብ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ኣይተ ተስፋይ:– ከምዝፍለጥ በቲ ዝሓለፈ እዋን ኲናትደኒ ትግራይ ብዙሕ ተጎዲኡ ‘ዩ። ካብኡ ብተወሳኺ ድማ በቲ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ሕብረተሰብ ዓብዪ ፅዕንቶ ኣሕዲሩሉን የሕድረሉን ኣሎ ‘ዩ። ምኽንይቱ እቲ ተመዘባላይ ማሕበረሰብ ናይ ዕለት እንጀራኡ ንምርካብን ንመበሳሰሊ ምግቡን ክብል ደን ቆሪፁ ንክጥቀም ተገዲዱ ‘ዩ።

እዚታት ተደማሚሩ ድማ ደኒ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኮይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ሓዚ ‘ውን እንተኾነ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ምስቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ናይ ምርድዳኣት መድርኽ ብምክያድ ዋላ ከምቲ ዝድለ መሊኡ ደው ዝበለ እንተዘይኮነ’ ‘ውን ካብቲ ዝነበሮ ቅልጡፍ ከይዲ ብርሰት ብውሱን መልክዑ ዝቀነሰሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ከምቲ ዝበልዎ ኣብ እዋን ኲናት ብዙሕ ደኒ እናበረሱ ከምዝመፅኡ ይፍለጥ ‘ዩ ኣብዚ እዋንኸ ዘለዎ ለውጢን እቲ ብርሰት ንምቅናስ ዝግበር ምንቅስቃስከ ኣሎ ዶ? ብምንታይ ኩነታት ንምቁፅፃር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ?

ኣይተ ተስፋይ:- ከምቲ ዝበልኩካ እቲ ብርሰት ሐዚ’ ውን እናቀፀለ ‘ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ እቲ ብዝሕ ዝበለ ዝተመዛበለ ሕብረተሰብ ሐዚ ‘ውን ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን ዘሎ። እቲ ቀረብ ረድኤት ‘ውን እዚ ዝብሃል ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፤ ሐዚ ‘ውን ልዑል ሕፅረት ምግቢ ኣለዎ ‘ዩ።

ስለዚ እቲ ዘለዎ ሕፅረት ምግቡ ንክሽፍን ክብል ኣግራብ እናቆረፀ ብመልክዕ ዕንፀይቲ ይኹን ብመልክዕ ፈሓም እናገበረ ሂወቱ ከፃንሕ ዝተገደደሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ከምቲ ናይ መጀመርያ ግና ካብቲ ተመዛባላይ ወፃኢ እቲ ኻሊእ ማሕበረሰብ ምስቲ ተመዛባላይ ኮይኑ ኣግራብ ዝጭፍጭፍሉ ዝነበረ ኩነታት ብመጠኑ ንክቅንስ ክኢሉ ‘ዩ። በቲ ተመዛባላይ ማሕበረሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ብርሰት ኣግራብ ግና ዝቀፀለሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ነዚ ዘሎ ብርሰት ንምቅናስ ዝተፈላለየ መፍትሕታት ንምቅማጥ እናተፈተነ ‘ዩ። ካብዚ ነቲ ሕብረተሰብ ኣማራፂ ሓይልታት ዝቀርበሉ ኩነታት ምምችቻው ዝግበር ፈተነ ኣሎ። ንኣብነት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንክረክብ ይግበር ኣሎ ‘ዩ። ይኹን እምበር ብመሰረት እንረኽቦ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፤ ብሰንኪ እኹል ኣቅርቦት ምግቢ ናይ ዕለት ምግቡ ንምሽፋን ክብል ሐዚ ‘ውን ደኒ ቆሪፁ ንክጥቀም ዝግደደሉ ኩነታት ከምዘሎ ‘ዩ።

ካሊእ ምስዚ ተተሓሒዙ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከም ምእራይ ወርቂ ዝበሉ ስራሕቲ መዓድን ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ኣብቲ ደኒ ዓብይ ፅልዋታት ዝፈጥረሉ ኩነታት ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምፍጣር ናይ ምርዳእ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው ‘ዮም። ክሳብ ሓዚ ግና በቲ ዝተፈጠረ መዕበይ ግንዛበ እቲ ብርሰት መሊኡ ደው ኢሉ ዝብሃል ኣይኮነን።

ወጋሕታ:- ሃፍትታት ብዝሓ ሂወታውያን ትግራይ ንምሕዋይን ንምዕቃብን እንታይ ተሰሪሖም እንታይከ ንምስራሕ ይሕሰብ ኣሎ?

ኣይተ ተስፋይ:– ብዝሓ ሂወት ንምዕቃብ ካብ ዝስራሕ ዘሎ ሓደ ካብ ብርሰት ዝተረፉ ኣግራብ ክሕለው ብምግባር ካብ መጉዳእቲ እቲ ኵናት ዝተረፉ ብዝሓ ሂወታውያን ብዕቃብ ‘ዩ።

እቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ ዘለዎ ግንዛበ ንክረክብ ብምግባር በቢከባቢኡ ዘሎ ኣግራብ ክሕልውን ክቆፃፀርን ምግባር ሓደ መፍትሒ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ ዋላ ነቲ ዘድሊ ስራሕቲ ንምስራሕ ዘኽእል ዓቅሚ እንተዘይተረኸበ ‘ውን ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ኣቢሉ ፈልስታት ብምትካል ዝበረሱ ኣግራብ ዝትክአሉ ናብ ዝነበሩሉ ንምምላስ ፅዕርታት እናተገበሩ ‘ዮም ዝርከቡ።

ወጋሕታ:- በቢዓመቱ ፈልስታት ከምዝትከሉ ይፈልጥ ‘ዩ። ካብዞም ዝትከሉ ፈልስታት ክንደይ ዝኣኽሉ ‘ዮም ዝፀድቁ ዝዓብዩን?

ኣይተ ተስፋይ:- ኣብዚ ኣብ ናይ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኣብ ዝተገበረ ቆፀራ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ዓ.ም ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፅሟቕ 56 ሚእታዊ ካብ ዝተተኸሉ ከምዝፀደቁ ‘ዩ እቲ መረዳእታና ዝሕብር። ኣብ 2015/16 ዝተተኸለ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ቆፀራ ካብ ዝተተኽሉ ፈልስታት 77.28 ሚእታዊ ከምዝፀደቀ ‘ዩ ዘመላኽት።

እዚ ከምዚ ዝኾኖሉ እቲ ከባቢና ከምዝፍለጥ ጠሊ ሕፅረት ዘለዎ ከባቢ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ፀገም ልሙዕነትን ሓመድን ምቁርራፅ ዝናብ ዘለዎ ከባቢ ‘ዩ። ስለዚ ምስቲ ናቲ ከባብና ጭቡጥ ኩነታት ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፤ ፅቡቅ ‘ዩ ዘብል ‘ዩ። እዚ ውፅኢት ከምይ ተርኺቡ ኢልና ክንርኢ ከለና ድማ፤ በቲ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ዘሎ ልዑል ፃዕሪ ‘ዩ። ነቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ማይ ብምስታይ ብምኹስዃስን ምኽላልን ዝበሉ ብምስርሑ እዚ ውፅኢት ክንረክብ ክኢልና ኢና።

እዚ ስራሕቲ ብዝበለፀ ኣጠናኺርና እንትኸይድናዮ ድማ ብዝበለፀ ውፅኢት ክንረክብ ንኽእል ኢና ዝብል ገምጋም ‘ዩ ዘለና። እዚ ቆፀራ ቀዳማይ ዙር ዝፀደቁ ፈልስታት ዝተኻየደ ኣብ ከባቢ ክረምቲ ዝተተኽሉ ኮይኖም ኣብ ወርሒ ጥሪ ቆፀራ ዘካየድና እንትኾን ካልኣይ ዙር ቆፀራ ድማ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ እናተኻየደ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ሐዚ ዘለዎ ናይ ዕብየት ብርኩ ድማ ሓቢሩ ዝርኣይ ‘ዩ ዝኸውን።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ዓመት ክንደይ ዝኣክል ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ይዳለው ኣሎ? እንታይ ዓይነት ፈልሳታትን ኣበይ ኣበይ ከባቢከ ክትከሉ ተተሊሙ ኣሎ?

ኣይተ ተስፋይ:- ድሕሪ እቲ ሰላም ምርካብና እቲ ኩነታት ናብ ዝነብሮ ክመለስ ‘ዩ ብዝብል ተስፋ ሒዝና 70 ሚልዮን ፈልሲ ከነፍልስ ኢልና ኢና ተሊምና ኢና ኣቲና ነይርና፤ ይኹን ድኣምበር ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኩነታት ተመዓራርዩ ነዚ ዝኸውን በጀት ክንረክብ ኣይኸኣልናን።

ምኽንያቱ ድማ እቲ መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰፊሕ ሕፅረት በጀት ስለዝነበሮ፤ ምድላው ፈልሲ ድማ በጀት ዝሓትት ስለዝኾነ ካብ መንግስቲ ድማ ምንም ስለዘይተበጀተና ከምቲ ዝሓሰብናዮ ክንሰርሕ ኣከኣልናን። ዝተወሰነ ካብ ሕብረተሰብ ብዝተገበረ ምትሕብባርን ገለ ወረዳታት ‘ውን ብናይ ባልዕለን ተበግሶ ብዝሰርሕኦን ‘ና ናብ ስራሕ ክንኣትው ዝኸኣልና።

ስለዚ እዚ ሽግራት ተፃዊርና፤ ሐዚ ብዘለና መረዳእታ መሰረት ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተለምናዮ 70 ሚልዮን ፈልሲ 28 ሚልዮንን 650ሽሕን 691 ፈልሲዝተዳለወ እንትኸውን፤ ብሚእታዊ እንትግለፅ ድማ 40.93 ሚእታዊ ኢና ኣፍሊስና ዘለና። ካብ ‘ቶም ክትከሉ ዝተተሓዙ ፈልስታት ሓምሳ ሚኢታዊ ከም ኣውሊዕ፣ ፅሕዲን ሞሞናን ዝበሉ ሃገር ቦቆል ዓሌታት ኣግራብ እንትኾኑ፤ ‘ቶም ዝተረፉ ሓምሳ ሚእታዊ ድማ ከም ባህርዛፍን ሸውሸውን ዝበሉ ናይ ደገ ተኽልታት ንምትካል ‘ዩ ተዳልዩ ዘሎ።

ኣበይ ከባቢ ‘ዮም ዝትከሉ ንዝብል ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ እዋን ዕፅዋን ክባን ኮይኑ ‘ውን እቲ ሕብረተሰብ ብዝኻአሎ እናተኸለ ‘ዩ መፂኡ። ስለዚ ኣብኡ ኣብ ዝገብርናዮ ቆፀራ ከምዘርእየና ድማ ኣብ ናይ ውልቀ ዝተተኸሉ ፈልስታት ዝሐሸ ዝፀድቁሉ ኢና ርኢና። ካብኡ ተበጊስና ድማ ኣብዚ ዓመት ኣብዝሓ ኣብ ናይ ውልቀን ኣብ ናይ ሓባርን ኣብ ጥሙር ተሓረስቲ መሬታትን ኣብ ከተማታትን ንምትካል ኢና ከም ኣንፈት ሒዝና ንንቀሳቀስ ዘለና።

ወጋሕታ:- በቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ዓንየን ካብ ዝተብሃላ ጣብያኣታት ፈልሲ ናብ ዝንበርኦ ንምምላስ ዝስራሕ ምንቅስቃስ ኣሎዶ? እንታይ ይምስል? ክሳብ ሐዚ ካብተን ዓንየን ዝነበራ ተመሊሰን ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ኣለዋ ዶ?

ኣይተ ተስፋይ:- ቅድሚ እቲ ኲናት ካብ ሓፁር ጀሚሩ ቢሮን መኽዘንን ካልኦት ኣድለይቲ መሳርሕታት ዘማልአ 237 ጣብያታት ፈልሲ መንግስቲ ነይረናና ይኹን እምበር ካብዚአን እተን 202 ልዕሊ 85 ሚእታዊ በቲ ኲናት ዓንየን ‘የን። እተን ዝተረፋ ድማ ብከፊል ዝተጎድኣ ‘የን። እዚ ፀገም ከምዘሎ ኮይኑ ግና በቲ ዘለና ናብ ስራሕ ክንኣትው ስለዘለና ካብተን ዝዓነዋ ውሱን ፅገና ንክግበረን ብምግባር ናብ 195 ዝኾና ፈልሲ ጣብያ ናብ ስራሕ ኣትየን ፈልሲ እናፍለሳ ‘የን ዝርከባ።

እተን ናብ ስራሕ ኣትየን ዘለዋ ጣብያ ፈልስታት ኣብዚ እዋን ብዙሕ ጉድለት ዘለወን እንተኾና ‘ውን ኣይተማልኣን ኢልና ሱቅ እንተይልና እቲ ንድሕሪት ተሪፉ ዘሎ ልምዓት ዝበልፀ ግዜ ብምውሳድ ከይጉዳእ ኣብ ኢድና ብዘለና ክንንቀሳቀስ ስለዘለና ኢና ንሰርሕ ዘለና።  እዚ ማለት እተን ሐዚ ናብ ስራሕ ኣትየን ዘለዋ ጣብያ ፈልስታት ብሙሉእ ዓቅመን ኣይኮናን ዝሰርሓ ዘለዋ። ቅድሚ ምዕናወን ካብ 100 ክሳብ 120 ሚልዮን ኣብ ዓመት ‘የን ዘፍልሳ ነይረን ሐዚ ግና ናብ ከባቢ 28 ሚልዮን ዝወረዳሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:-ቕድም ኢሎም ከምዝገልፅዎ ምንም ዓይነት በጀት የለን እሞ ኣብዚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ናይ ምስራሕ ኩነታት ኣሎ ዶ? ካብ መንግስቲ ፌደራል ሓዊሱ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ዝኾነ ዝግበረልኩም ሓገዝ ኣሎዶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተስፋይ:– ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ‘ቶም ክንሰርሖም ዝሓሰብናዮም ልምዓታታት ንምስራሕ ካብ መንግስቲ ዝመፅእ በጀት ከምዘየሎ ምስ ፈለጥና ኣብ ደኒ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ንዝተፈላለዩ ኣካላት ብምርዳእ እቲ ዝተጎድአ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብዳግመ ምሕዋይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብዚ እንታይ ክትሕጉዙና ትኽእሉ ኢልና ብዝሓተትናዮም መሰረት ከምኒ ሬድ፣ ኤፍ ኤል ኤም፣ ኤፍ ኤስ ኣር ፒ ዝኣምሰሉ ፕሮግራማት ገበርቲ ሰናይ ናይ ማተርያልን ገለ ሞያዊ ስልጠናንን ካልኦት ድጋፋትን ገይሮምልና ‘ዮም።

ንሳቶም እዚ ሓገዝ ተዘይገብሩልና ነይሮም እቲ ቅድም ኢለ ዝጠቀስክዎ ቁፅሪ ፈልሲ ንምስራሕ ኣይምተሓሰበን ነይሩ። ክሳብ ሐዚ ተሰሪሑ ዘሎ ናይ ገበርቲ ሰናይን ናይ ሕብረተሰብን ግደ ኣለዎ ‘ዩ። ኣንሕና ኣብ ምምራሕን ኣብ ተክኒካል ድጋፍ ካብ ምሃብን ወፃኢ ዝገብርናዮ የለን።

ካብ መንግስቲ ፌደራል ፌደራል ድማ ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ናይ ቴክኒክ ሓገዝን ካብ ሚኒስትር ግብርና ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝዓነው ጣብያታት ፈልሲ ንምፅጋን መማልኢ ማተርያላት ዝውዕል 2 ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሮምልና ‘ዮም። ዋላ እዚ ሓገዝ እንተተገበረልና ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ክርአ ከሎ ግና ኣብዚ እተው ዝብሃል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝዓነዋ ጣብያታት ፈልሲ ንምምላስ ዘድልየን ብመፅናዕቲ ከምዝተርኣየ ልዕሊ 300ን 8ሽሕን ሚልዮን ዩ ዘድልየና።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ክልዓል ዝግባእ ዘይተልዓለ ተተሓዚ ሓሳብ ወይ ዘሕልፍዎ መልኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ተስፋይ:- ኣብዚ ካብ ዘሕልፎ መልእኽቲ ሓደ ንህዝብና ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ደኒ ትግራይ ካብ ዝነበሮ 3 ሚእታዊ ናብ 16.84 ኣዕብይዎ ዝነበረ እቲ ዝነብረ ሓልዩ ሓዱሽ ተኺሉ ፅዒሩ ደኺሙ ተንከባኺቡ ‘ዩ። ይኹን እምበር በቲ ዝተፈጠረ ኩነታትን ብናይ ባዕልና ናይ ኣተሓሕዛ ፀገምን ናብ ታሕቲ ወሪድናሉ ዘለና ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ ሎሚ ‘ውን ከምቲ ናይ ትማሊ ደን ኣልሚዑ ከባቢኡ ኣሕውዩ እቲ ሐዚ ዘጋጥም ዘሎ ሰዓቤን ብርሰት ደኒ ዝኾነ ድርቂ ብምርዳእ ነቲ ዘሎ ብምሕላውን ብምንክብካብ ዘሎ ፀጋማት ባዕሉ ብምፍፈታሕ ብውልቀን ብሓባርን ናይ ተኽላ ቅድመ ስራሕቲ ከፃፍፍን ኣብ እዋን ተኸላ ‘ውን ብግቡእ ንክሳተፍ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቅርብ።

ካልኣይ ንመንግስቲ ፌደራል ዝለኒ መልእኽቲ ድማ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ይርድኦ ‘ዩ ኢልና ነኣምን። ስለዚ ነዚ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣበርቲዑ ክሕግዘናን፤ ምስናይ ካልኦት ክልላት ሃገርና ክንምዓራረን ዝዓነወ ሃፍቲ ተፈጥሮና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንክንምልሶ እንገብሮ ዘለናፃዕሪ ክሕግዘና ክፅውዕ ይደሊ።

ሳልሳይ ን ዓኻትኩም ንሚድያታት ዝተገብርዎ ዘለኹም ፃዕሪ ብጣዕሚ ንንእድ ኢና። ሓዚ ውን ኣበርቲዕኹም ቀፅሉሉ። ብፍላይ ሃፍቲ ተፈጥሮ እንተዘይተሓልዩ መነባብሮ ሕብረተሰብ ክምሓየሽ ኣይኽእልን። ኣብ ተፍጥሮ ሃፍቲ ኣጋጢምና ዘሎ ብርሰትን ፅልዋን ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከይበፅሐ ክሓዊ እዚ ድማ ውራይ ኩሉ ዜጋ ስለዝኾነ ዝምልከቶም ኣካላት እናቅረብኩም ግንዛብ ኣብ ምዕባይ ክትትሓባበሩና ኢና ንፅውዕ።

ወጋሕታ:- ዝተፃበበ ግዜኦም ኣጠዓዒሞም ንዝሃቡና ሓበሬታን መብርህን የቐንየልና።

ኣይተ ተስፋይ:– ኣነ ‘ውን የቐንየለይ

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 8 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You