ልዕሊ 500 ሺሕ ስድራ ቤት ስፖርት ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ መርሃግብሪ ኣገልግሎት ወለንታ ክረምታዊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ):- ‹‹ኣገልግሎት ወለንታ ብሓምለዋይ ሓድጊ ዝዓምበበት፣ ብሰብኣዊነት ዝተሃነፀት ኣዲስ ኣበባ ክንሃንፅ ኢና›› ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣደባባይ መስቀል መርሃግብሪ ኣገልግሎት ወለንታ ክረምታዊ ኣዋርሕ ብዕሊ ተጀሚ ሩ።

እቲ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝፅንሕ መርሃ ግብሪ፣ ልዕሊ 500 ሺሕ ቤተሰብ ስፖርት ብተኸላ ፈልሲ፣ ሰብኣዊ ተግባራት፣ ናይ ዘኽታማት መንበሪ ገዛ ብምሕዳስን ዝተፈላለዩ ተግባራትን ከምዝካየድ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰፖርት ኣዲስ ኣበባ በላይ ደጀን ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 20 ሚሊየን ብር ዝግመት ገንዘብ፣ ጉልበት፣ ፍልጠትን ናውቲን ኣስተዋፅኦ ከምዝግበርን 30 ሺሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ከምዝገብርን ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You