ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ2013 በጀት ዓመት 56.5 ቢልዮን ብር ምርካቡ ኣፍሊጡ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮ- ቴሌኮም ኩባንያ ኣብ 2013 ዓመት በጀት ሓፈሻዊ ብር 56.5 ቢልዮን እቶት ብምርካብ 101ነጥቢ7 ሚኢታዊ ትልሙ ከምዘሳኸዐ ተገሊፁ።ኣብ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ቴሌኮም ከመይ ክረክብ ከምዝኽእል እቲ ኩባንያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተዛራረበ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝገለፆ፣ ኣብዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝገበሮ ሪፎርም፣ ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽን ከምኡ ‘ውን ናይ 3ዓመት ስትራተጂክ ትልሚ ምትግባር ዝተመዝገበ ውፀኢት ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ዝረኸቦ እቶት ኣንፃር እንትረአ ናይ 66ነጥቢ7 ሚኢታዊ ሕልፊ ውፅኢት ከምዝግብ ክኢሉ እዩ።

ናይ ደገ ሸርፊ ካብዘርክቡ ግልጋሎታት 166ነጥቢ5ሚሊዮን ዶላር ዝተረኸበ እንትኸውን እዚ ካብ ትልሚ ብ106ሚኢታዊ ዘሳኸዐ እንትኸውን ብተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ሓደ ኣማራፂ ክኸውን ክኢሉ እዩ። እዚ ምስዝሓለፈ ዓመት በጀት ክነፃፀር ከሎ ናይ 13ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝግብ ክኢሉ እዩ።

እዚ ዝተረኽበ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ዓለም ለኸ እቶት ካብ ናይ ግልጋሎታት ትራፊክ ዝመሳሰሉ ዝተረኽበ እንትኸውን ኣብ 2010 ዓመት በጀት ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶት 71ነጥቢ8 ሚልዮን ዶላር ዝነበረ እንትኸውን ብዝተገበሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብ 2013 ዓመት በጀት ዝነበረ 132 ሚኢታዊ ዓመታዊ እቶት ናብ 166ነጥቢ 5ሚልዮን ምብፃሕ ተኻኢሉ እዩ።

በዝሒ ተጠቐምቲ ግልጋሎት እቲ ኩባንያ 56.2 ሚልዮን ዝበፅሐ እንትኸውን ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን ዓመት በጀት ክነፃፀር እንተሎ ናይ 22ሚኢታዊ ዕቤት ከምኡ ‘ውን ምስ ዝነበረ ትልሚ እንትረአ ናይ 108ሚኢታዊ ኣፋፃፅማ ተመዝጊቡ እዩ።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካለት ግልጋሎት ቴሌኮም ከመይ ከመይ ክረክብ ከምዝኽእል እቲ ኩባንያ እናተዛራረበ ምዃኑ ተገሊፁ

ምስ ናይ ፀጥታ ፀገም ተተሓሒዙ ኣብ መሰረተ ልምአት ቴሌኮም ጉድኣት ምብፅሑ ተገሊፁ እዩ። ኣብ ሰሜን ሪጅን ግልጋሎት ቴሌኮም ንምቕራብ ኣብቲ ክልል ዘለዉ 652 ቢቲኤስ መመሓላለፍቲ ንምፅጋን፣ ሓይሊ ኣቅርቦት ክረኽቡ ንምግባርን ጄኔሬተራት ነዳዲ ምምላእ ከምዘድሊ ገሊፀን።

ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሰራሕተኛታት ንፅገና፣ ግልጋሎት ንምሃብን ምንቅስቃስ ዝኽእልሉ ኩነታት ንመፍጣር እናተሰርሐ እዩ ኢለን። ግልጋሎት ንምቑራፁ ምኽንያት ዓማዊል ዝደልይዎ ግልጋሎት ቴሌ ክረኽብቡ ብዘይ ምኽኣሎም ቕሬታ ዝተሰመዖም ከምዝህልዉ ብምጥቋም፣ ዓማዊል እቲ ኩባንያ ዘጋተሞ ፀገም ክርድእሉ ገሊፀን።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You