ኣብ ከተማ መቐለ ንዝተፀገሙ ወገናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዓብይ ጉያ ክሳለጥ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ ዓብይ ጉያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝርከቡ ተመለስቲ ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን ንምድጋፍ ዓሊሙ ብምትሕብባር ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ፣ ትካል ብሩህ መፃኢ ትግራይን ኮምሽን ሃርበኛታት ክፍለ-ከተማ ሓወልትን 14 ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

እቲ ዝሳለጥ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ዓብዩ ጉያ፣ ማሕበር ሰጋር ቀረፅ ቀረፅቲ ብልዕሊ 98 ሽሕ ብር ዕድጊት ቲሸርት ከም ዝፈፀመት መተሓባበሪ እታ ማሕበር ተጋደላይ ፀጋይ ኣሰፋ ዝገለፁ እንትኾን ኣብቲ ዓብዩ ጉያ መላእ ነባሪ ከተማ መቐለ ቲሸርት ብምዕዳግ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምክትል ኣካቢ ትካል መፃኢ ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረእየሱስ ብወገኖም ዕላማ እዚ ዓብዩ ጉያ ብክብሪ ዝተመለሱ ተጋደልቲ፣ ስድራ ስዉኣትን ኣብ ዝተፈላለዩ ፀጋማት ዝርከቡ ተጋደልቲ ንምሕጋዝ ማእከል ዝገበረ ከም ዝኾነ ብምሕባር ማሕበር ሰጋር ቐረፅ ቀረፅቲ “ሓንቲ ቲሸርት ንሓደ ብፃይ/ብፂት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ንዝፈፀምዎ ዕድጊት ምስግንኦም ገሊፆም።

ማሕበር ሰጋር ቀረፅ ቀረፅቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 354 ኣባላት ተመለስቲ ሃርበኛታት ተጋደልቲ ዝሓዘት እንትኸዉን ብቤት ፅሕፈት ደኣንት ማኒፋልቸሪንግን ከይዲ ስራሕ መዘጋጃ ቤታዊ እቶትን ከተማ መቐለ ተወዲቦም ኣብ ዝተፈለለዩ መዉፅእን መእተዉን ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕቲ ቀረፅ ትነጥፍ ዘላ ማሕበር ከም ዝኾነት ‘ውን ኣብሪሆም።

ወገናትና ብኩለመዳይ መልዕ ንምድጋፍ ድልዋትና ኢና ዝበሉ ተጋደላይ ፀጋይ ናይዚ መርኣያ ድማ ማሕበሮም ልዕሊ 98 ሽሕ ብር ዝግመት ቲሸርት ብምዕዳግ ኣካል ድምቀት እቲ ውድድር ከምዝኾነ ገሊፆም ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You