ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ላዕለወይቲ ሓላዊት ብሄራዊ ጉጅለ ኾይነን ተሸይመን

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ጉጅለ ብሄራዊ እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ላዕለወይቲ ሓላዊት ኾይነን ተሸይመን::

ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ እተን ከንቲባ ንስፖርት ዘበርከተኦ ግደ ኣፍልጦን ሽልማት ምርሃግብሪን ኣካይዱ :: ኣብቲ ኣፍልጦን ሽልማትን መርሃግብሪ እተን ከንቲባ ኢትዮጵያ ብኣህጉር ኾነ ብዓለም ለኸ ኩዕሶ እግሪ ውድድራት ዝውክል ጉጅለ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ላዕለወይቲ ሓላዊት ንክኾና ከምዝተሰየማ እቲ ፌደሬሽን ኣፍሊጡ::

እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ዝገብሮም ዝኾነ ምቅስቃስ ካብ ፌደሬሽን ብዝሓለፈ ክትትል ዝግበረሉ ላዕለዋይ ሓላዊ ረኺቡ ‘ዩ:: እቲ ፌደሬሽን እዚ ዕላዊ ዝገበሮ ኣብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ እንትኾን እዚ ስዒቡ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ጅራ፣ እቲ ጉጅለ ዝተለሞ ሰፊሕ ምቅስቃስ ንክሕግዞ እተን ከንቲባ ላዕለዋይ ሓላዊ ገይሩ ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ::

እቶም ፕሬዝደንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ ‹‹ ሃገርና መስራቲት ካፍ ‘ያ፤ በዚ ብርኪ ዘላ ሃገር ብናይ ሰብ ሜዳ እናለመና ምፅዋት ኣብ ነስሓ ዘእቱ ‘ዩ:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምድላው ዘለና ድልየት ኣብ ቀረባ ዕላዊ ገይሮም ‘ዮም:: ካብዚ ጎኒ ንጎኒ ኽሳድ ዘድፍእ ብሄራዊ ጉጅለ ክህሉ ኣይኽእልን ብዝብል ሰፊሕ ምቅስቃስ ንምግባር ኽብርቲ ከንቲባና ናይ ላዕላዋይ ሓለዊ ገይርና መሪፅና ኢሎም::

ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ወኪለ ዘረክብ እዚ ናይ ላዕለዋይ ሓላዊ ሓደራ ህዝቢ ምሃብ ‘ዩ:: ብሄራዊ ጉጅለና ብላዕሊ ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ብምርካብኹም እንኳዕ ድስ በለኩም ›› ኢሎም:: ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ እቲ ስፖርት ንምዕባይ ከምኡ ‘ውን እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ብምብርትታዕ ኣንፃር ንዝነበሮም ዓብይ ግደ ነተን ከንቲባ ኣፍልጦ ሂቦም ‘ዮም::

እቲ መርሃ ግብሪ ድርብ ኣፍልጦ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዝዳንት ቅድሚ 2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዝነበሩ መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት ቁፅሪ 495 እንትኾን ካብዚኦም ውሽጢ ሜዳ እግሪ ኩዕሶ 166 ከምዝነበሩ ኣብሪሆም:: ድሕሪ እዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ግና ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሜዳታት ቁፅሪ 1ሽሕ199 በፂሖም ‘ዮም:: ካብዚኦም ውሽጢ እቶም 351 ሜዳታት እግሪ ኩዕሶ ‘ዮም::

ነዚ ስራሕ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ ብምባል ናይቲ ፌደሬሽን ስራሕ ፈፃሚ ኮሜቴ ኣባላት ብምውሳን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ክሰናዳእ ክኢሉ ‘ዩ:: ኩዕሶ ሜዳ ምስራሕ ማለት ኣብ ዜጋ ምስራሕ ብምዃኑ፤ ኣብ ከተማ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ጎኒ ንጎኒ ስፖርት ዝስፋሕፈሐሉ እቲ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኾን ተስፈኦም ገሊፆም ‘ዮም::

ካብዚ ጎኒ ንኒ ብዝተፈላለየ ግዝያት እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ውድደር ተኻፊሉ እንትምለስ እተን ከንቲባ ዝገብረኦ ምብርትታዕ ናይቲ ኣፍልጦ ኣካል ከምዝኾነ እቶም ፕሬዝዳንት ገሊፆመ ‘ዮም:: ጉጅለ ብሄራዊ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሴካፋ ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ እንትምለስ ብናይ ባዕለን ተለዓዓልነት ሽልማት ኣበርኪተን እየን::

እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ንፅዋዕ ካሜሮን እንትሓላፍ ብተመሳሳሊ እተን ከንቲባ ሽልማት መርሃግብሪ ከምዘዳለዋ ኣዘኪሮም ‘ዮም:: በዚ ድማ ከንቲባ ኣዳነች ናይ ጉጅለ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላዊት ኾይነን ከምዝተሰየማ ምኽንያት ብምግባር መዘከርታን ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጉጅለ ማልያ ከምዝተበርከተለን ካብ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ::

እዚ ስዒቡ እተን ከንቲባ ኣብ ዝገበረኦ መደረ ‹‹እቲ ፌደሬሽን እዚ ዉሑድ ምንቅስቃስ ትርጉም ኣለዎ ኢሉ ኣፍልጦ እንትህብ፤ ካብ ኹሉ ንላዕሊ እዚ ሽልማት ንዝተረኸበ ውፅኢት ጥራሕ እንተይኾነስ ሓላፍነት ምውሳድ ‘ዩ :: ፅምኢ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ማሕበረሰብ ካብዚ ንላዕሊ ንክንሰርሕ ዘበረታትዕ ‘ዩ::

ኣብ ቀፃሊ ጉጅለ ተፃወቲ ስኬታማ ምግባር እንኽእል፤ ክብሪ ምምላስ እንኽእል ሓድሽ ወለዶ ድማ ብእግሪ ኩዕሶ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ንክንኾን ምስራሕ ኣለና:: ኣደይ ኣበባን ኣቃቂ ቃሊቲን ስታድየም ብፍጥነት ብምስራሕ ብምዝዛም ክንፅዕር ኢና ›› ብምባል እቲ ሹመት ብደስታ ተቐቢለን እየን::

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባላት ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ፤ ካብኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ነባርን ናይ ኸዚ ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣሰልጠንትን ከምኡ ‘ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ‘ዮም::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You