መናእሰይ ብስነ ምግባር እትሃንፅ ‹‹ቴኳንዶ ለሁሉም›› ዝተብሃለት መፅሐፍ ንንባብ በቒዓ

ኣዲስ ኣበባ፡– መናእሰይ ብስፖርትን ስነ ምግባር እትሃንፅ ‹‹ቴኳንዶ ለሁሉም›› ዝተብሃለት መፅሐፍ ንንባብ በቒዓ፡፡እታ መፅሐፍ ብግሎባል ማስተር ኣረፋይኔ ወልደሚካኤል ተፃሒፋ ኣብዚ ሰሙን እዚ ተመሪቓ ኣላ፡፡

መንእሰይ ግሎባል ማስተር ኣረፋይኔ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ፤እታ መፅሐፍ ካብ ጥበባት ማርሻል ኣርት ሓደ ዝኾነ ኣብ ጥበብ ቴኳንዶ ዘድሀበት ‘ያ ምስ በለ፤ንቐፃሊ ብቋንቋ ትግርኛን ካልኦትን ክትትርጎም ‘ያ ክብል ሓቢሩ፡፡ ግሎባል ማስተር ከም ዝበሎ ብስፖርታዊ ጥበብ ቴኳንዶ ዝተፈላለየ ሜላታት ብምጥቃም ዓርስኻ ንምክልኻልን ንምጥቃዕን ብብዙሕ ልምምድ ዝስራሕ ጥንታዊ ዓይነት ስፖርት ‘ዩ ክብል ተዛሪቡ፡፡

እዚ ስፖርታዊ ጥበብ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ወለዲ ንደቆም ዝመርፅዎ ዓይነት ስፖርት ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፤ምኽንያቱ ድማ አካላዊ ብቕዓት ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ጥንካረ መንፈስ ዘላብስ ከምኡ ‘ውን ሕግን መምርሕን ኣኽባራይ ንምዃን ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡ ጥበብ ቴኳንዶ ምምሃር ብዋናነት ብስነ ምግባር ዝተሃንፀ ወለዶ ንምፍራይ ዓብዪ አስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ዝሓበረ ግሎባል ማስተር አረፋይነ፤በዚ ዘፈር ስፖርት ሃገር ተወዳዲራ ተዓዋቲት ንኽትከውን ዓብዪ አስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ብወርልድ ቴኳንዶ ተወዳዲራ ናብ ኦሎምፒክ ከም ዝኣተወት ብምዝኽኻር፤ውፅኢታዊት ንኽትከውን ድማ በዚ ዘፈር ሰገናት ንምፍራይ ብፍልጠት ዝተሓገዘ ስልጠና ንክረኽቡ እዛ መፅሓፍ መሰረት ከም ዝኾነት ኣረዲኡ፡፡

ጥበብ ማርሻል አርት ኣብ ሓሙሽተ ከም ዝምቀል ዝገለፀ እንትኸውን፤ቴኳንዶ፣ኢንተርናሽናል ቴኳንዶ፣ዉሹ፣ካራቴ፣ ጁዱ ተባሂሎም ከም ዝም ዝፅውዑ ብምሕባር፤እታ መፅሓፍ ብፍላይ ኣብ ጥበብን መምርሕን ቴኳንዶ ብዝርዝር ከም እተድህብ ኣረዲኡ።

ካብ መንጎ እቶም መምርሕታት ንሀገርኻ ተአማኒ ምዃንን ንስድራኻ ምእዙዝ ምዃንን ካልኦት ጠቐምቲ እሴታት ከም ዘጠቓለለትን ብምግላፅ፤ኹሉ ተምሃራይ ቴኳንዶ ትምህርቱ እንትዛዝም ካብ መንጎ ዝፍፅሞም ቃለ መሓላታት ሰላማዊት ዓለም ክፈጥር ‘የ ዝብል ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኣፍቲ ምርቓ መፅሓፍ ዝተረኸቡ ሓላፊ ወርልድ ቴኳንዶ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥላሁን ዋሲሁን ብወገኖም፤ጥበብ ቴኳንዶ ጥንካረ ኣካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ፈጠራ ኽእለትን መንፈሳዊ ጥንካረን ዘጎንፅፍ ‘ዩ፡፡ብፍላይ ሰገናት ብፅቡቕ ስነ ምግባር ንምህናፅ ሓጋዚ ስለዝኾነ ጎናጎኒ ትምህርቶም ናብዚ ስልጠና እንተኣትዮም ካብ ባዕሎም ሓሊፎም ሃገሮም በዚ ዘፈር ከፀውዑሉ ዝኽእሉሉ አጋጣሚ ክፈጥሩ ይኽእሉ ‘ዮም ኢሎም፡፡

ኣፍቲ መፅሐፍ ከም ዝተጠቀሰ ጥበብ ቴኳንዶ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ብዓቕሞም ክምሃርዎ ዝኽእሉ ጥበብ ከም ዝኾነን፤ንምምሃር ሓሳብ ዘለኩም ወይ ድማ ደቅኹም ክተምህሩ እትደልዩ ፈለማ መሰረታዊ ፍልጠት ንምርካብ እታ መፅሓፍ ሓጋዚት ከም ዝኾነት ሓቢሮም፡፡

ግሎባል ማስተር ኣረፋይኔ እታ መፅሓፍ ቕድሚ ሓደ ዓመት ብሞት ንዝተፈለየት ንእሽተይ ሓፍተይ መዘከርታ ትኹነለይ ኢሎም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

 

 

Recommended For You