ንጋንታታት ትግራይ መዛዘሚ ወፍሪ እቶት ምትእክካብ ተካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብኣዳለውነት ናይና ስፖርት ፕሮሞሽንን ኢዋይ ፕሮዳክሽንን “ ጋንታታትና ነድሕን” ዝተሰየመ ወፍሪ እቶት ንጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ሙሉእ ብዝተፈላለዩ ሓሳባት እናተውሃበሉ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ኽልተ ምዕራፋት መኽፈትን መዛዘምን ብምግባር ብሓፈሻ 120 ሚልየን 600 ሽሕ ብር ብምእካብ መፈፀምትኡ ረኺቡ ኣሎ።  ኣብዚ ሰናይ ዕላማ ሒዙ ዝተልዓለ ወፍሪ እቶት ዝተሳተፍኹም ኣካላት ዝለዓለ ምስጋና ከምዘለዎ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ ‘ዩ።

ኣብዚ መድረክ ናይ ኽብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ኣብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ከምዝበልዎ “ ኣብዞም ክልተ ምዕራፋት ብሄራዊ ቴሌቶን ዝተሳተፍኹም ብፍላይ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ፣ ሰብ ሃፍቲ ኩለኹም ስፖርት ናይ ሰላም ናይ ሓድነትን ማሕበራዊ ርክብ ዓብዪ መሳርሒ ምዃኑ ብምርግጋፅኹም ዝለዓለ ምስጋናይ የብፅሕ፤ ሐዚ ‘ውን ኣብ ቐፀልቲ ንዝህልዎ ምንቅስቃሳት ኣብ ጎንና ኮይንኹም ስፖርት ትግራይ ንክዓቢ ከምእትሕግዙና ምንም ጥርጥር የብለይን ብተወሳኪ ድማ ኣብዚ መድረክ ዘይተሳተፍኹም ብፂሒትኹም ንክትዋፅኡ ሓደራ ይብል” ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ናይቲ ምድላው ኣምባሳደር ዝኾነት ፕሬዝደንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብወገና ፤ ካብ ገንዘብ ምስብሳብ ንላዕሊ ዓብይ ዓላማ ሒዙ ስፖርት ንሰላም ፣ንፍቕሪ፣ ንሓድነት ሃገር ከምኡ ‘ውን ቅርርብ ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ግደ ንሓደ ዓመት ብዝፀንዐ ቅዋም ብዘርኣየ ምድላው ብምስታፋ ዝተሰመዓ ሓጎስ ገሊፃ ‘ያ፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ኽልተ ምዕራፋት ዝተሳለጠ ወፍሪ እቶት ዝተዛዘመ እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ስካይ ላይት ሆቴል ዝነበረ መዛዘሚ መድረክ 5 ሚልየን 600 ሽሕ ብር ጥራሕ ዝተረኸበ ኮይኑ ብዝድለ ብርኪ ከይኮነ ተሪፉ ‘ዩ። ኣብዚ ድማ ፃዊዒት ዝተገበረሎም ክልላት ፣ ትካላት ልምዓት፣ ባንክታት ብዝድለ ብዘይምስታፎም ኮይኑ ኣብ ዝመፅእ ዘለው እዋናት ድጋፎን ብተግባር ንኸሪኡ ትፅቢት ይግበር።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You