ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ንምድጋፍ ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ

ኣትሌቲክስ ስፖርት ክልል ትግራይ ብብርኪ ሃገር ናብ ዓለም ለኸ በምውካል ዕውታት ዝኾኑ ኣትሌታት ካብ ዘፍርዩ ክልላት ሓደ ‘ያ። ኾይኑ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኮቪድን ተፈጢሩ ብዝነበረ ኹናትን ምኽንያት ካብ ምንቅስቃስ ርሒቑ ፀኒሑ ‘ዩ። ናይቲ ክልል ምንቅስቃስ ስፖርት ናብ ዝነበሮ ስኬታማነት ንምምላስ ፃዕርታት እንተሃለዉ ‘ውን እቲ ኹናት ብዘስዐቦ ሰብኣዊን ናውታውን ዕንወት እቲ ኩነታት ኣፀጋሚ ክገብሮ ክኢሉ ‘ዩ።

ንኣርባዕተ ዓመታት ብዝነበረ ዘይምርግጋዕ ካብ ውድድር ርሒቑ ዝፀንሐ ኣትሌቲክስ እታ ክልል ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናብ ምንቅሰቃ ውድድር ስፖርት ንምምላስ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ። ኣትሌቲክስ ልክዕ ከም ካልኦት ስፖርት በቲ ኹናት ምኽንያት ብዙሕ ፀገማት ዝገጠሞ እንተኾነ ‘ውን እዚ ተፃዊሩ ናብ ምንቅስቃስ ንምእታው ዝተፈላለዩ ኣማረፅቲ ፍታሕ ንምጥቃም ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ። ናይ ውሽጢ ውድድራት ብምክያድ ከምኡ ‘ውን ብሄራዊ ፌዴሬሽን ብዘዳለዎ እናተሳተፈ ናብ ምንቅስቃ ተመሊሱ ‘ዩ።

ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ፕሮጀክት ውድድር ሰገናት ኣትሌታት ንምምራፅ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝተገበረ መፃረይ ተሰፋ ዝህብ ተሳትፎ ምክያድ ተኻኢሉ ‘ዩ። 15 ደቂ ኣንስትዮን 12ደቂ ተባዕትዮን ብድምር 27 ኣትሌታት ብምስታፍ ዝሓሸ መንቅስቃስ ብምግባር ተዛዛሙ ‘ዩ።

ኣብ ክልል ዝርከቡ ሽድሽተ ክለባት ተወዲቦም ናብ ዝነበሮም ኣቅዋም ንምምላስ ካብ ፕሮጀክት ኣትሌታት ብምምልማል ናብ ምንቅስቃስ ንምእታው እናሰርሑ ‘ዮም። ብዙሕ ናይ ንብረት ዕንወት ዘበፀሖም ክለባት ብፅንዓት ብምፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፌደሬሽን ጠቕላላ ጉባኤ ሪፖርት እናቕረቡ እንትኾን ብዘለዎም ናውቲ ‘ውን ምንቅስቃስ ጀሚሮም ‘ዮም።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክ ኢትዮጵያ ዝፈልጦምን ሓገዝ ዝገብሮሎም ሸሞንተ ፕሮጀክት ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ በቢ ዓመቱ ዝግበር ናይ ዓቕሚ መፈተሺ ውድድር ብምግባር ሓገዝ ዕጥቂ ተገይርሎም ኣብ ዝሓሸ ምንቅስቃስ ይርከቡ። በቲ ክልል ስፖርት ቢሮ ንኹሎም ዝተመደቡ ስፖርተኛታት ዝተመደበ በጀት ብዘይምህላዉ እቲ ኣትሌቲክስ ኣብ ፀገም ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ብንብረትን ህይወት ሰብን ምጥፋእ ዓብይ ጉድኣት ብምትእንጋድና ኹሉ ኣካላት ርብርብ ዝደሊ ብምዃኑ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ነዚ ‘ውን ዝተፋላለዩ መሰብሰቢ ኣታዊ መንገዲ ብምጥቃም እቲ ስፖርት ናብ ዝነበሮ ኣቅዋም ንምምላስ ብትልሚ እናተሰርሐ ይርከብ።

ሕፅረት በጀት ንምፍታሕ ዘኽእሎ ትልሚ ምስ ብሄራዊ ፌደሬሽን ብምትሕብባር ውድድር ጉያ ኣብቲ ክልል ብምክያድ ምስብሳብ ኣታዊ ንክግበር ተሓሲቡ ‘ዩ። ብተወሳኺ ካብቲ ክልል ዝወፁ ብቁዓት ዝኾኑ ኣትሌታት ስፖርት ዝድግፉ ኩነታት ንምፍጣር ኣድላይ ኣታዊ ንምስብሳብን እቲ ክልል ብሃገርለኸ ንምስታፍ ተተሊሙ ‘ዩ። መንገድታት ኣታዊ ምስብሳብ ዕዉት ንክኸውን ቅድመ ምድላው ኣብ ምግባር ይርከብ።

ኣብ ኣትሌቲክስ እቲ ክልል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኒክ ዝኾኑ ኢንስትራክተር ቢንያም ህይወት፤ ብዝተረኸበ ሰላም ምኽንያት ስፖርተኛታት ብምስብሳብ ምንቅስቃስ ውድድር ንክካይዱ እናተገበረ ከመዝርከብ ገሊፆም ‘ዮም። ስፖርት ጠጠው ክብል ስለዘይግባእን ካብቲ ክልል ዝወፁ ኣሌታት እቲ ስፖርት ብዝድግፉ ኣካላት ብዘለዎ ዓቕሚ እናተሰርሐ ይረከብ።

ኣብቲ ክለብ ዝነበሩ ኣትሌታት ኣብዝሓ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ክለብ ብምኻዶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ክለባት ካብ ፕሮጀክትን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣትሌታት እናተሰባሰቡ ስለዝኾነ ብቁዓት ንምግባር ካብ ኽልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ምስራሕ ትፅቢት ይግረሎም።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ነቲ ፕሮጀክት ሓገዝ ዕጥቂ ዝገበረ እንተኾነ ‘ውን ንሸሞንተ ፕሮጀክት ዝዋሃብ ዝነበረ ሓገዝ ዕጥቂ ኸዚ ናብ ሽድሽተ ፕሮጀክት ቐኒሱ ‘ዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ፍርቂ ጀሚሩ እቶም ኣትሌት ኣብ ስልጠና ‘ዮም ዝርከቡ። ካብቲ ጉድኣት ስፍሓት ኣንፃር ዝተገበረ ሓገዝ ዉሑድ ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም። እቲ ፌደሬሽን ካብ ዕጥቂ ብተወሳኺ 2ሚልየን ብር ሓገዝ እንተገበረ ‘ውን እኹል ብዘይምዃኑን እቲ ክልል ሕፅረት ገንዘብ ስለዘለዎ ቀፃልነት ዘለዎ ሓገዝ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ምስ ምንቅስቃ ስፖርት ፀገማት ብምህላዎም እቲ ፈዴሬሽን ብቕርበት ብምስራሕ ውፂኢታውነት እቲ ስፖርት ንክቕፅል ክገብር ከምዘለዎ ‘ቶም ሓላፊ ገሊፆም። እቲ ክልል ብገንዘብን ብናውቲ ዓብይ ፀገም ስለዘገጠሞ ብምንታይ መልክዒ ክፍታሕ ከምዝኽእል እቲ ፌደሬሽን ሓገዝ ተዝገብር እቲ ስፖርት ናብ ዝነበሮ ቅዋም ንምምላስ ከምዘኽእል ገሊፆም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You