‹‹ህወሓት ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፅእ ቐለብ ሸይጡ ኣፅዋር ይዕድገሉ ነይሩ›› ሌተናል ኮለኔል ፍስሃ በርሀ

ትርሓስ ፍቃዱን መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ኣብ ከተማ ኣላማጣ እዮም ተወሊዶም።ቐዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ኣላማጣ ዝተምሃሩ እንትኸውን፤ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቶም ድማ ‹‹ታዳጊዋ ኢትዮጵያ››ኣብ ዝተብሃለ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም።ይኹን’ምበር 12 ክፍሊ እንትበፅሑ ኣፍቲ እዋን ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕ ቃልሲ ስለዝነበረ ትምህርቶም ንምቁራፅ ተገዲዶም።ናፍቲ ቃልሲ ተፀምቢሮም ድማ ዓሻርኦም ኣዕሪፎም እዮም።ድሕሪ ዓወት ድማ ነቲ ኣቋሪፀሞ ዝነበሩ ብምቕፃል ናይ ኻልኣይ ብርኪ ፈተና ወሰዱ።ናይ መጀመሪያ ዲግሪኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መከላኸሊሃገር ብሞያ ጥዕና ብማዕረግ ተመሪቖም።ትምህርቶም ምስ ወድኡ ድማ ናብ ክፍለ ሰራዊት ተመዲቦም ንኽልተ ዓመት ዘገልገሉ እንትኸውን ቐፂሎም ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ማስተርስ ዲግሪኦም ብማሕበረሰብ ጥዕና ሳይንስ ሰሪሖም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ክፍሊ ጥዕና መምሪሒ ተመዲቦም ብመምህርነትን ኣብ ግልጋሎት ት ጥዕናን ምስራሕ ጀመሩ።ኣብ ክፍለ ሰራዊት ዳይሬክተርነት፤ኣብ መስክ ክፍሊ መጥባሕቲ ሕክምና ዋና ዳይሬክተር ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም።ኣብ መከላኸሊ ሰራዊት ማርች ኣብ ዝተብሃለ ፕሮጀክት መተሓባበሪ ብምዃን ንሰለስተ ዓመታት ሰሪሖም።ኣብ ሰላም ምኽባር ‘ውን እግረኛ ወተሃደር ኾይኖም ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ፀኒሖም እዮም።ይኹን’ምበር ኣፍቲ ትካል ንዝርኣይ ዘይፍትሓዊ ስራሕ ብፍላይ ብልዕልነት ሓደ ብሄር ንዝስራሕ ግፍዒ ብጋህዲ ብምቅዋሞም ምኽንያት በቶም ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተፀልኦም እዮም።ብተደጋጋሚ ድማ በደል በፂሕዎም እዮ።ደሞም ዘፍሰሱሉ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ንኽሰፍን ክብሉ ቃልሶም ዝቐፀሉ እንትኸውን ‹‹ሓለቖት ተዳፊርካ›› ኢኻ ብዝብል ይቕረታ ንኽሓቱ እንትሕተቱ ‹‹እምብለይ›› ብምባሎም ብዘይ እኹል ምኽንያት ካብ ሰራዊት ክሰናበቱ ተገይሮም እዮም።

ካብ መከላኸሊ ብዘይ እኹል ምኽንያት ድሕሪ ምብራሮም ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ውልቀ ኮለጃት ተቖፂሮም ብመምህርነትን ብሓላፊ ዲፓርትመንትን ዝሰርሑ እንትኸውን ካብ መንጎ እቶም ኮለጃት ድማ ኣብ ሜድኮ ባዮ ሚዲካል፣ ኪያሜድ፣ ዩኒቨርሳል ሜዲካል ኮሌጃት ዝሰርሑ እዮም።ለውጢ ንኽመፅእ ፃዕሪ እናገበሩ ዝፀንሑ እንትኸውን ድሕሪ ምውጋድ ህወሓት ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ‹‹የኢትዮጵያ ዜጎች ለማህበራዊና ለፍትህ›› (ኢዜማ) ኣባል ክኾኑ ኽኢሎም እዮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲቲዩት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ብምዃን እናሰርሑ ይርከቡ።ምስ ጋሻና ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ በርሀ ኣብ ወድዓዊ ጉዳያት ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ንጋዜጣና ብዝኸውን ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።ሰናይ ንባብ።

 ሕቶ፡- ነቲ ለውጢ ካብ መንጎ ዝድግፉ ተወለድቲ ትግራይ ሓደ እዮም፤ እቲ ለውጢ ኣብዛ ሃገር ትኽክለኛ ዲሞክራሲ ንኽመፅእ ዘበርከትዎ ውፅኢት እዩ ኢሎምዶ ይኣምኑ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡- ትኽክል ኢኺ፤ፈላማይ ደጋፊ ናይቲ ለውጢ ነይረ።ዝደገፍኩሉ ምኽንያት ድማ ቕድም ክብል ከምዝነገርኩኺ ኣነ ‘ውን ናይቲ ኽፉእ ስርዓት ተጎዳኢ ስለዝነበርኩ እዩ።ብፍላይ ድማ መጀመሪያ እቲ ለውጢ እንትመፅእ ቐዳማይ ሚኒስትርና ዝገልፅዎ ዝነበሩ ኣተሓሳስባ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንኽሰፍን ዝገብርዎ ዝነበሩ ፃዕሪ ነቲ ለውጢ ብሙሉእ ልበይ ክድግፎ ገይሩኒ እዩ።ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩስ ኣብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ናይ ዶክተር ኣብይ ደጋፊ እዩ ነይሩ።ምኽንያቱ ድማ ህወሓት ኣዝዩ ዓፊንዎ ስለዝነበረ እቲ ለውጢ ልዕሊ ዝኾነ ይደልይዎ እዮም።ዲሞክራሲ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን፤ ስለዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትርና እንትመፁ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሙሉኡ ደጊፍዎ እዮ።ፅቡቕ ዲሞክራት ኾይኖም እዮም መፂኦም ነይሮም።ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋላኳ ናይቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣካል እንተኾንኹ ኣባል ኢዜማ እየ።ይኹን ‘ምበር እቲ ሐዚ ምሳኺ ዝገብሮ ዘለኹ ዘተ ናይ ውልቀይ ርኢቶ ‘ምበር ናይ ፓርተይ ወይ ድማ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ ይደልይ።ሐዚ ጊዚያዊ ምምሕዳር እንትጣየሽ ህዝቢ ንኸገልግል፤ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንክኸውን መንግስትን ዝሰርሐሉ ትካልን ፈቒዶም ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኸውን ዳይሬክተር ኢኒስቲቲዩት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ኾይነ እናሰራሕኹ እየ።ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ፓርቲ ኢዜማ ኾይነ እናሰራሕኹ እየ።ዝሰርሖ ስራሕ ድማ ብሞያይ ‘ምበር ብፖለቲካ ኣይኮነን።ኮለኔል ምስ ምዃነይ ግና ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ብዙሕ ክሕግዞም እንተኸኣልኩ ‘ውን ክሕግዞም ኣይፈቐዱለይን።

ሕቶ፡- ባህሪያትን ተንኮልን ውዲትን ህወሓት ካብ እዋን ቓልሲ ጀሚሩ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ይዝረብ።እቲ ዝነበረ ኹነታት ንእሽተይ የዘኻኽሩና?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት ዘይሰማመዐሉ ጉዳይ እቲ ሓደ ህወሓት ድሕሪ ግዘ እናተበላሸወ ምምፅኡ እዩ።መብዛሕትኡ ሰብ ብዛዕባ ህወሓት ዝዛረቦ ምስ ውልቀ ድሌቱ ብምንፅፃር ‘ምበር ትኽክለኛ

 ባህሪያት ህወሓት ተገንዚቡ ኣይኮነን።ንዓይ ህወሓት ገና ናብ በረኻ እንትወፅእ ፀረ ኢትዮጵያን ፀረ ኣምሓራይን ቅዋም ተሓንጊጡ እዩ ወፂኡ።ማኒፌስቶ ህወሓት እንተትርእዮ ፀረ ኣምሓራይ ቕዋም ከምዝነበሮ ትርድኢ ኢኺ።ስለዚ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ፅልኢት ሰኒቑ ዝወፀ ትካል ብምዃኑ ዝተበላሸወ ዝብል ነገር ዝምጥኖ ኣይኮነን።ብሓፈሻ እንትጅመር ‘ውን ፀረ ህዝብን ፀረ ኢትዮጵያን ቅዋም ሒዙ ዝመፀን ትግራይ ገንፂሉ ክነብር ተሊሙ ዝተልዓለ እዩ።ነዚ ኢና ድማ ህወሓት ብውዲት ዝተጎንጎነ እዩ እንብሎ።ኣብ ውሽጢ ህወሓት ንውሽጢ ኣቲውኺ እንተትርእዮ ትካል ስድራ ቤት ኾይኑ ኢኺ ትረኽብዮ።ካብ ከባቢ ዓድዋ ዝተኣኻኸበ እዩ።ፈተዉ ፀልኡ እዚ ጋህዲ እዩ።እዚ ክብል ከለኹ ህዝቢ ዓድዋ ማለተይ ኣይኮነን።ብስልጣን ቤተሰባዊ መዋቕር እዮም ሒዞም።ቤተሰባዊ ተዘይኮነ ‘ውን ብመውስቦ እዮም ተኣሳሲሮም።እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣፍቲ እዋን ዝነበሩ ስድራ ቤት ፊውዳል ጨፍጪፎም፤ ኣሳቕዮም እዮም።እምብለይ ንዝበሎም ኣብ ትሕቲ መሬት ኹዒቶም እናቐጥቐጡ ኣሳቕዮም እዮም።ንተቓወምቲ ፓርትታት ‹‹ንተዓረቕ›› ኢሎም ኣኪቦም ብዱቁሶም ዝቐትሉ ኣራዊት እዮም።

ስለዝኾነ ህወሓት ኣብ ምንታዩ እዩ ፅቡቕ ነገር ዘለዎ?ኣነ እዚኣ ኢለ ዝጠቕሳ ፅቡቕ ነገር የብሎምን።እዚ ድማ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ እዩ።ብፍላይ ቐዳመወት ተጋደልቲ ብግልፂ እዮም ዝዛረቡ።ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበሮም ተንኮልን መቕተልትን ቐሊል ኣይኮነን።ስለዝኾነ ፀረ ህዝቢ ኾይኑ ንዝዓበየ ፓርቲ ትፅቢት እትገብርዮ ነገር የለን።

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ኣሎ ምባል ኣይከኣልን።ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘይተፈፀመ ግፍዕን መቕተልትን የለን።ፀረ ኣምሓራ ምንቅስቓሳት ብስፍሓት እዮም ዝርኣዩ።ናይዚ ኹሉ መንቀሊ ድማ ክነልዕሎ ይግበአና።ህወሓት ን47 ዓመታት እናተግበሮ ዝነበረ ፖሊሲ እዩ።ዋና መንቀሊ ፀገምና ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ እዩ።ብፍላይ ኦሮሞን ኣምሓራን ንኸይፋቐር፤ኣምሓራይን ትግራዋይን ንኸይፋቐር፤ነንርእሶም ንኸይፋተዉን ዓሌታዊ ኣፈላላይ ንኽፈጥሩን እዩ ተገይሩ።ኢትዮጵያውነት ምድኻም ዋና ስልትን ውዲትን ህወሓት እዩ።እዚ ውዲት ድማ እስካዕ ሐዚ እናሰርሐሉ እዩ።ድሕሪ ለውጢ ‘ውን እንተኾነ ህወሓት ዝዘርኦ ኣተሓሳስባ ዘርኣውነት ኣብ በብገዝኡ ተሰቒሉ ተሪፉ እዩ።ኣይወረደን።ስለዝኾነ እዚ ኣተሓሳስባ ካብ መንጎና ክመሓውን ክወፅእን ኣለዎ።ህወሓት

 ኽፉእ ስለዝኾነ ምስ ዝኾነ ፀረ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዝውግን እዩ።ሱዳን ድንበር ሰይራ እንተትኣቱ ንህወሓት ታሕጓሱ እዩ።ግብፂ ኢትዮጵያ እንተትወርር፤ ኣባይ እንተትጎድኦ ንህወሓት ዓብዪ ፍስሃ እዩ።ምኽንያቱ ድማ ፈፂሙ ስነ ልቦና ኢትዮጵያውነት ስለዘይብሉ እዩ።ዕላምኦም ዓዲ ምፍራስ ጥራሕ እዩ።እሳቶም ተዘይተጠቐሙ እኳ ኢትዮጵያ ፈረሰት፤ ኣይፈረሰት ኣይግድሾምን።ምኽንያቱ ድማ ኽፉኣት ስለዝኾኑ እዩ።ስለዝኾነ እቲ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ ውዲት መርኣያ ባህሪያቶም እዩ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ሕሞራ ምስ ሱዳን ዘዋስን መንገዲ ስለዝተዓፀወ ‘ምበር ተዝኽፈት ሓይልታት ሱዳን ኣትዮም ንኢትዮጵያ ክጎድእዋ ምኸኣሉ።ውዲት ህወሓት ብንእሽተይ ነገር ዝግመት ኣይኮነን።ኣዝዩ ሕልኽላኽን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርኦ ሕማም ብቐሊሉ ዝፍወስን ኣይኮነን።ብፍላይ ንኣምሓራይ ዘለዎም ፅልኢትን ምንቅስቓስን ከምዚ እዩ ተባሂሉ ዝግለፅ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ስልቲ ህወሓት ጥምየትን ከም ሓደ መቃለሲ ስልቲ ገይሩ ምጥቃሙ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩዶ ትብሉ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡– ሓቅኺ ኢኺ፤ ከምዚ ዝዓይነቱ ፀያፍ ተግባር ዝፀንሐ ባህረት ህወሓት እዩ።ይዝከረኒ ህወሓት ኣብ በረኻ እናሃለወ ህዝቢ ትግራይ ክጠሚ ይገብር ነይሩ።ከምዚ ዝገብር ድማ ፖለቲካዊ ጥቕሚ ስለዝረኽበሉ እዩ።ህወሓት ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፅእ ቐለብ ሸይጡ ኣፅዋር ይዕድገሉ ነይሩ።ስለዝኾነ እዚ ዝፀንሐ መሰርይ ባህረትን ተግባርን ህወሓት እዩ።ኣብ ቐረባ እዋን ኣካል ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ ምዃነይ እቲ ህዝቢ ክንደየናይ ብናይ ሓሶት መረዳእታ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣስተውዒለ እየ።በዚ ወገን ኣንሕናን መንግስትን ኣይሰራሕናን፤ ተንሰርሕ ነይርና መሰርይ ተግባር ህወሓት ምኽሻፍ ምተኽኣለ ነይሩ።እሳቶም ብፕሮፖጋንዳ በሊፆምና እዮም።ህዝቢ ክመውት ይገብሩ፤ ብሽም ህዝቢ ይሽቅጡ።ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖምን ብማሕበራውን ህይወቱ ተጎዲኡ እዩ።ህወሓት ግና መጉዳእቲ ህዝቢ ትግራይ ከም መለዓዓሊ ዓመፅን ጥቕሚ ፖለቲካ ንኸትርፉ ገይርዎም።በዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ክበልፆም ይግባእ።ንኣብነት ቲ.ኤም.ኤች ዝተብሃለ ሚድያ ብኽልተን ብሰለሰተ ሰባት ከመይ ዝበለ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ከምዝነበረ ርኢና ኢና።ዘየሎ ነገር ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓለም ፅዕንቶ ምፍጣር ኽኢሎም እዮም።

ብናተይ እምነት ህወሓት ደጊሙ ንኸንሰራርይ ዝገበሮ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ኣለዉ።እቲ ሓደ መንግስትና ምስ ወቕዖም እስካዕ መወዳእታ ኣይቐፀለን።ይኹን ‘ምበር ክቕፅል ነይርዎ።ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ህወሓት ስለዝፈረሰ ክገድፎ ኣይምነበሮን።ብተወሳኺ ድማ ግጉይ መረዳእታ ነይርዎ።ኻልኣይ ምስ ህዝቢ ክቐርብ ነይርዎ።ምኽንያቱ ህወሓት ሰሪሑ እዩ።ቐዲሙ ንውግእ እንትዳሎ ኣትሒዙ ‹‹ወተሃደር ኤርትራ ክጭፍጭፈካ እዩ፣ከፈናቕለካ እዩ›› እናበሎ ነይሩ።ከምዚ ዝገበረ ድማ ከምዝስዓር ቐዲሙ ይፈልጥ ስለዝነበረ እዩ።ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኣብይ መፂኡ ክጭቁነካ እዩ እናበለ ህዝቢ እናቐስቀሰ ፀኑሑ እዩ።ኣንሕና ልዕሊ እዚ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን።ስለዝኾነ ሃንደበት ተሳዒሩ እንትኸይድ ሓደ ሓደ ጌጋታት ተሰሪሖም እዮም።ዘየድሊ ጉድለት ስነ ምግባር ነይሩ እዩ።መከላኸሊ ‘ውን ብሕርቃን ስለዝመፀ ሓደ ሓደ ወተሃደራት ግፍዒ ሰሪሖም እዮም።ብርግፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሕጊ እናተሓተቱ እዮም። ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመፀ ፍሉይ ሓይሊ’ውን ብስምዒት ኣብ ውግእ እዩ ዘሎ።እሳቶም ‘ውን ብዝተወሰነ መልክዑ ሰብ ምፍንቓልን ህወሓት ንዝመሰሎም ናይ ምቕታል ባህረት ተራእይዎም እዩ።እቲ ህዝቢ ድማ ‹‹ኣብዚ ኮፍ ኢልና ካብ እንመውት ናብ በረኻ ንውፃእ››ዝብል ነገር ተፈጢሩ እዩ።ብ ፍላይ ናይቲ መንእሰይ ስምዒት ኣለዓዒሉ፣ ናብ በረኻ ንኽኣቱ ገይርዎ እዩ።መንግስቲ ቐዲሙ ውዲት ህወሓት ከቃልዕ ነይርዎ።እቶም ሚዲያታት ናብ ትግራይ ተዝኣትዉ ነይሮም በብእዋኑ መረዳእታታት እናቕረበ ከረጋግዕ ምኸኣለ ነይሩ።እዚ ስለዘይተገበረ ዝተሓፀረት ትግራይ ኾይና ፀኒሓ እያ።ብሓፈሻ ህወሓት ሓደገኛ ዝኾነ ፕሮፖጋንዳ ሰሪሑ እዩ፡: ተሳኺዕሎም እዩ።

ሕቶ፡- ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተሓላቓይ እየ በሃሊ እዩ።ሐዚ ኸ ንህዝቢ ክብል ድዩ ናብ ኲናት ዝኣተወ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡- ከም ናተይ እምነት ህወሓት ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ኣተሓሳስባ ይኹን ዕላማ የብሉን።ን27 ዓመታት መንግስቲ ኾይኑ እንትሰርሕ፣ ሃገር እንትመርሕ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።ዝገበሮ ነገር ‘ውን የለን።ምኽንያቱ ህወሓት ስልጣንን ስርቅን ጥራሕ እዩ ዝፈልጥ።ነዚ ዕድል እንትስእን ድማ መሕብኢ ዝገበሮ ንህዝቢ እዩ።ኣብዚ ብዙሕ ጌጋ ይርኣየኒ፤ ኣነ ኣብ ናይ ዶክተር ኣብይ ቦታ ተዝኸውን ካብዚ ከይወፁ እናሃለዉ ኣኪበ እየ ከእትዎም ነይረ፤ ድሕሪ ምኻዶም ‘ውን ቕድሚ ምድርጃዎም ኣኪብኻ ናይ ምምፃእ ዕድል ነይሩ እዩ።ምኽንያቱ ድማ ዓቕሚ ነይሩዎ እዩ።መንግስቲ ዕሽሽ እንትብል ብዙሕ ግዘ ይርኣየኒ እዩ።ምናልባት ንሰላምን ሃገር ንኽትረጋጋዕን ብምሕሳብ ክኸውን ይኽእል፤ ይኹን ‘ምበር ውዲት ህወሓት ተረዲኡ ስጉምቲ ክወስድ ነይርዎ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ በዓል ሃፍቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ እዩ ክሰርሕ ዝደልይ።ኣብ ውሽጢ ትግራይ ናፅነት የለን።ስለዝኾነ ህወሓት ናብ ትግራይ ኸይዱ መሕብኢ እዩ ገይርዎ።ሽዑ ንሽዑ ድማ ‹‹ኣምሓራይ ፀሊኡካ፤ ኤርትራ ኸበበካ››እናበለ ህዝቢ እናቐስቀሰ እዩ ኣትዩ።ዝኾነ ሰብ ‹‹ተኸቢብካ›› እንትበሃል ካብ ኸበባ ንምውፃእ እዩ ፃዕሪ ዝገብር።ብግጉይ ፕሮፖጋንዳ ሰብ እናእመነ ናብ ባዕሉ ክስሕብ ገይሩ እዩ።ብመሰረቱ ግና ህወሓት ህዝባውነት የብሉን ፤ንትግራይ ህዝቢ’ውን ሓሲቡ ኣይፈልጥን።ኸዚ እውን ምስ ኸደ 27 ዓመት ህዝቢ ካብ ህዝቢ ትግራይ ድጋፍ ንክረክብ ጥራሕ ‹‹ክሳብ ኸዚ በዲለ እየ ድሕሪ ኸዚ ክክሕስ እየ ኢሉ›› መሬትን ገዛን እናሃበ ነይሩ።ክሳብ ኸዚ ሰሪሕዎ ዘይፈልጥን እንትሰርሕ ብፍላይ መናእሰይ ንህወሓት ናብ ምእማን መፂኡ።

ህወሓት ብባህሪኡ ህዝቢ ምክፍፋል እዩ ዝፈልጥ።ንኣብነት ንህዝቢ ራያ እዞም ዓያሹ ይብል፤ ንተንቤን ድማ ጉረኛታት ይብሎ ኣብ ዓዲ ግራት ንዘለዉ ድማ ነጋዴታት ቃልሲ ዘይፈልጡ እናበለ ቅፅል እናሃበ እናድሃለ እዩ ዝውዕል።ንዕኡ ጀግና ካብ ዓድዋ ዘለዉ ጥራሕ ብፍላይ ኔትዎርክ ስብሓት ነጋ ገይሩ እዩ ዝወስድ።እዚ ብባህሪኡ ህዝባዊ ከምዘይኾነ እዩ ዘሪአና።ካብ መጀመርያ’ውን 1983 ዓ.ም ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ እንተዝሓስብ ነይሩ ዲሞክራሲ ንምስፋን ፃዕሪ ምገበረ ነይሮም።ትግራይ ጥራሕ እንይኾነትስ እዚኣ ሃገር ኣበይ ምበፅሐት ነይራ።1997 ዓ.ም መረፃ ኣይተጠቀምሉን።ህዝቢ ከም ዝፀልኦም ይፈልጡ እዮም።ከይተመረፁ ምስተረፉ እስቲ ንዲሞክራሲ ክባሃል ኢሎም ስልጣኖም ክለቁ ኣይደለዩን።ህወሓት ህዝባዊ ትካል ተዝኸን ነይሩ ኣነ እውን ደጊፈ ምተሓወሱኹ ነይረ።ንሳቶም ፀረ ህዝቢ እዮም።ኣብዝሓ ኣመራርሓ ‹‹ኣነ ጥራሕ ክመርሕ›› ‹‹ኣን ተዘይሃልየ እዛ ሃገር ትፍረስ›› ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎም።ፈፂሙ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ዕላማ ፣ ራእይ የብሎምን።ኸዚ ህዝቢ ትግራይ እናተሳቐየ ዘሎ እኮ ብማንም ምኽንያት ኣይኮነን።ኣብዚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዘሎ ስቓይ ብቐሊሉ ዝግለፅ ኣይኮነን።ካብ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ፀገም ጥራይ ዘይኮነስ ፀገም ስነልቦና በፂሕዎ እዩ።ነዚ ድማ ተሓታቲ ህወሓት እዩ።ምልባት ካልእ ናይ ባዕሉ እጃም ክወሰድ ይኽእል እዩ።ግና ብመሰረቱ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ዝገበረ ናይ ህወሓት ሸርሓዊ ኣካይዳ እዩ።

ሕቶ፡- ህወሓት ኸዚ ብዘለዎ ቅዋም ትግራይ ምምራሕ ይኽእል ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡-ንዓይ ህወሓት ዕድል ተዝዋሀቦ’ውን ፈፂሙ ዘይስተኻኸል ውድብ እዩ።ከምናተይ እምነት ህወሓት ፈፂሙ ክጠፍእ እዩ ዘለዎ።ርግፅ ሰላማዊ ድርድር ፅቡቕ እዩ።ናብ ኣተሓሳባ ዲሞክራሲ ምምፅእ ፅቡቕ እዩ።ኾይኑ ግና ሓደ ኣራዊት ከመይ ገይርካ እዩ ምልማድ ዝከኣል።ብከመይከ እዩ ናይ ሰላም ዋጋ ተነጊረዎ ክርዳእ ዝኽእል።ንዓይ ፈፂሙ ዘይሐሰብ እዩ።ትግራይ ንክምርሕ ዕድል ተዝዋሃቦ’ውን ብትኽክል ኣይመርሓን።ምቕያር ተዝኽእሉ ነይሮም እኮ መቐለ ምስ ኸዱ እቲ ህዝቢ ኣይምጨቆንዎን ነይሮም።ኸዚ እኮ ስርናይ ነቲ ህዝቢ እናዓደሉ ዝነበሩ መናእሰይ ‹‹ደጋፊ ኣብይ ኢኹም ››እናበሉ ናብ ተንቤን ዚሖምዎም እናኸዱ እዮም።ንፁሃን እናወሰደ ምግራፍ ጀሚሩ እዩ።ከመይ ኢሉ እዩ ደኣ ትግራይ ዘማሓድር።ስለዚ ኣብ ውሽጡ ናይ ሰላም ኣተሓሳብ እንድሕር ዘየለ ህወሓት ክጠፍ እዩ ዘለዎ።

መንግስቲ ንዘተ እንተመፂኦም ከምዝቅበሎም ተዛሪቡ እዩ።ብፍላይ ምስ ማእኸለዎትን ታሕተዎት ኣመራርሓ ድርድር ከምዝደሊ ገሊፁ እዩ።ኣብ ውሽጢ ህወሓት ማእኸላይን ታሕተዎትን ዝባሃል ኣመራርሓ የለን።ኹሉ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም።ቅዋም ቀይሮም ክሳብ ዘይመፁ ለውጢ ክመፅእ እዩ ኢለ ኣይሓስብን።እኳድኣስ ካብቲ ላዕለዋይ ኣመራሓ ዝባኣሱ እዮም።ዝረኸብዎ ሰብ ምቕታልን ምስቃይን ዝሰርሑ ንሳቶም እዮም።ኣነ ከምዚ ዓይነት ኣይቕበልን።ህወሓት ንዘተ ምፅዋዕ ንባዕሉ የዋህነት እዩ።የግዳስ ክሳብ መጨረሻ ክነጠፍ ኢና ክንሰርሕ ዘለና።ብመሰረቱ ህወሓት ናብ ዘተ ኣይመፅእን።ግዜ ምብኻን እዩ ዝኸውን።ኸዚ እዚ ዝሰማዕናዮ ፈፂሙ ክኾን ዘይኽእል ቅድመ ኩነታት ዘርዚሩ እዩ።ኣፅዋር ኲናት ካብ ወፃኢ ፅዒኑ ከምፅእ ክብል ኣውሮፕላን ቀጥታ ንክመፀሉ እዩ ዝሓተተ።ህወሓት ምስዓር ዝካኣል ብሓይሊ ጥራሕ እዩ።ኣብ በረኻ ኾይኖም እኮ ንዛተ ኢሎም እዮም፡ ኸዚ ሩፍታ እንትረኽቡ እንድሕር ንዛተ ኾይና መንግስቲ ካባና ንታሕቲ ይኹን እዮም ዝበሉ።ዘይኸውን መዐቀኒ እዩ እናውፅኡ ዘለዉ።ስለዚ ንዓይ እዚ ድርድር ሓሳብ ክኾን እዩ ኢለ ኣይሓስብን።እኳደኣስ መንግስቲ ብዙሕ ከይተጠናኸሩን ሓይሊ ከይሰብሰቡን ተሎ ኢሉ ኣትዩ ከጥፈኦም ይግባእ። መከላከያ ተመሊሱ ትግራይ ክቆፃፀር ኣለዎ በሃሊ እየ።

መንግስቲ ቐዳምነት ንኩነታት ትግራይ ተዝህብ ዝብል እምነት ኣለኒ።ኸዚ ኣነ ስግኣተይ ንደራደር ምስ በልና ዕድልን ግዘን ሂብናዮ ዝበለፀ ተጠናኺሩ ንከይመፅእ እዩ።ብምዃኑ ኸዚ ብቑልጡፍ ዓቅሚ ኣብዘይብሉ ብቕልጡፍ ምጥፋእ ኣለና።ሰራዊት ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣለዎ።

ሕቶ፡- ሓደ ሓደ ሰባት ሰራዊት ካብ መጀመሪኡ ክወፅእ ኣይነበሮን እናበሉ ይሙግቱ እዮም፤ ንሶም በዚ ሓሳብ ይስማዕምዑ ድዮም? መንግስቲ ምውፃእ ሰራዊት ዘቕረቦ ምኽንያት ከንደይ ዘኣክል ዘእምን እዩ ይብሉ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡– መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ስምምዕነት ምግባሩ ይስማዕመዐሉ እየ።ትኽክል’ውን እዩ ኢለ እየ ዝኣመን።እንኳዕ ንሕና ብሰራዊት ዓቕሞም ዝዓበዩ ሃገራት’ውን ዝቕበልዎ እዩ፤ ኾይኑ ግና በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ካብ ትግራይ ምውፃእ ኣየድልይን ነይሩ። እቲ ሓደ ንህወሓት ዕድል ምሃብ እዩ፤ ንክጠናኸሩ መንእሰይ ንኽዕጠቕ ምግባር ማለት እዩ።እቲ ኻልኣይ ድማ እንትወፅእ ተምሃሮ፣ ደገፍቲ ብልፅግና ሒዙ ክወፅእ ኣይካኣለን።ከምናተይ እምነት ክወፅእ ኣይነበሮን።ተዘይወፅእ ነይሩ ግና በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ሰምምዕነቱ ዝድገፍ እዩ።ኸዚ ዝዋሃብ ምኽንያት ዘእምኑ ኣይኾኑን።ወይ ድማ ‹‹ወፃኢ ሓይልታት እናመፁና ስለዝኾኑ ንዓኣቶም ንዳሎ ›› ምባል ሓደ ነገር እዩ።ብሓፈሻ እቲ ኩነታት ግልፅ ኣይኮነን።ብዙሕ ሰብ ተደናጊሩ እዩ።እነ ‘ውን ግራ ካብ ዝኣተዎም ሰባት ሓደ እየ።ምኽንያቱም ግልፂ ዝኾነ ህዝቢ ዘእምን ቅዋም ብወገን መንግስቲ ክግበር ነይርዎ።ካብ ትግራይ እንተይወፀ እቲ ሰራዊት ብዓበይቲ ካምፕን ከተማን ተዝግበር ዓቕሚ ሃልይዎ ምስ መከላከያ ዝዋገአሉ ኩነታት የለን።እናበታታንካ እንተኾይኑ ግና እቲ መከላከያ ክጉዳእ ይኽእል እዩ። ኣብ ዋና ካምፕን ከተማ ተዝኾን ነይሩ ነቲ ህዝቢ ይሕሉ፤ ምንቅስቃስ ህወሓት ይቆፃፀር ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ስጉምቲ ይወስድ።ካብዚ መንፃር ግና ሃንደበት ለቒቑ ክወፅእ ኣይነበሮን።ከምናተይ እምነት ህዝቢ ትግራይ ንዝብኢ ሂብካ ከም ምውፃእ እየ ዝቖፅሮ፤ ምኽንያቱ ህወሓት ማለት ኣራዊት እዩ።ስለዚ ኣነ በዚ ውሰነ ቅር ኢልኒ እዩ።

ሕቶ፡- ህዝብን ግዚያዊ ምምሕዳርን ተዘይተጠናኺሮም እቲ ሰራዊት ብዝግባእ ልክዕ ውፅኢት ንከየምፅእ ይኽእል እዩ ፤ ብፍላይ ድማ ናይ ንፁሃንን ኣካላት እቲ ምምሕዳርን ቅትለት እናወሰኸ ምምፅኡ ተቐባልነት መንግስቲ ኣየስእንን ዶ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ ፡- ሓቂ እዩ ፤ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣባላት በቢቦትኡ እናሞቱ እዮም።ተዓፊኖም እናኸዱ እዮም።ሰራዊት ኣብዝሓ ኣብ በረኻ እዩ ዝሰልፍ ፤ ኣብ ከባቢ ከተማ ብዙሕ ዝተጠናኸረ ሓለዋ ኣይነበረን።ኣብ ከተማ ኣትዮም ሰብ ሒዞም ቀቲሎም እንትኸዱ እኹል ሰራዊት ተዝህልይ ነይሩ ክሕዝዋም ነይሩ።ግና ክፍተታት ኣለዉ።ንሱ ጥራሕ ኣይኾነን፤ ልዕሊ 10ሽሕ ተኣራሚ ተበቲኑ እዩ።ብተወሳኺ ፍሉይ ሓይሊ ሲቪል ኽዳን ተኸዲኑ ኣብ ከተማ እዩ ዘሎ።እዚ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ኣይተሰርሐን።እዚ ብዘይምዃኑ ኣጋጣሚ እናተፀበዩ ዝደለይዎ እናወሰዱ ነይሮም እዮም።ሰብ ወሲድኻ ምቕታል ፅቡቕ እዩ፤ ዝወሰድዎ ሰብ የሳቕዩ እዮም፤ምስ ቀተሉ ይሓርዱ ፤ ይቆራርፁ ፤ እዚ ዝገብሩ ካልእ ሰብ ንክፈርሕን ንክማሃረሉን እዩ።ኣብ ወፃኢ ኾይኑ እንትርኢ ሰብ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ እዩ ምስ ህወሓት ዝውግን ኢሉ እዩ ዝጥይቕ።ግና ፎትዩ ኣይኾነን ዝድግፍ።ብልፅግና ወይም ኢዜማ ፅቡቕ እዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይካኣልን።ከምዚ እንተይልካ ልክዕ ከም እንስሳ ትሕረድ ኢኻ።ከም ሰብ እዚ እንትረአ የፍርሕ እዩ።እኳደኣስ ስነ ኣእምራዊ ቀውስ እዩ ዝፈጥረሎም።ስለዚ እዚ ኹሉ ክሕሰብ ይግባእ።ህወሓት ሓሰተኛ ፕሮፖጋንዳ ይጥቀሙ እዮም።ብምፍርራሕን ሰብ ብምቅታልን ብምቕፃዕን ካልእ ንክማሃር እዩ ዝገብር ።እዚ ግና እዋናዊ እዩ።መናእሰይ ትግራይ ኸዚ ዝወገነ ዝመስሎ ስነልቦናዊ ጉድኣት ስለዝበፅሖ እዩ፤ ስምዒታዊ ዝገበሮ ድማ ቀዲሙ ግንዛበ ስለዘይተውሃቦ እዩ።እቲ ሓቂ ምሽፍፋን ነገር የጋድድ’ምበር ኣይጠቕምን።

ሕቶ፡- ህወሓት ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኹሉ ብምጥቃም ዓለምለኸ ፅዕንቶ ንምፍጣር እናገበሮ ዘሎ ምቅስቃስ ክንደይ ዝኣክል የስግእ ይኸውን ተባሂሉ ይሕሰብ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡– ልክዕ እዩ መንግስትና እውን ዝተፀገመሉ ጉዳይ እዩ፤ ምናልባት ንህዝቢ ምዝራብ ተዘይኻኣለ’ውን ዓለምለኸ ፅዕንቶ ከምዘለዎ ግልፂ እዩ።ምኽንያቱም ድኻታት ስለዝኾና ካብኣቶም እንረኽቦ ብዙሕ ነገር ኣሎ።ርክብና ክዕፆ የብሉን።ህወሓት ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዘይገብሮ ነገር የለን።ዓለምለኸ ትኹረት ንምርካብ እኮ ባዕሉ ቐጢሉ ተቐቲሎምኒ እዩ ዝብል፤ ባዕሉ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ስጉምቲ ምስ ወሰዱ ንወፃኢ ሃገራት እዩ ዘርኢ።ፈረንጂ ዝሞተ ሰብ እንተሪኦም ድማ ሓቂ እዩ ዝመስሎም።ብኻልእ ወገን ድማ ሓገዛት ረድኤት ናብቲ ህዝቢ እንትኸይድ ኣብ መንገዲ ጠጠው የብሉ እሞ ይውሰድዎ ወይም ይምልስዎ። እንትምልሱ ኣነ ብዙሕ እዋን ሪአ እየ።እዚ ዝገብሩ እቲ ህዝቢ ንክጠምን ንከማርርን እዩ።ቀፂሉ ጥምየት ኣቲ ህዝቢ ምስተርአይ ፀዓዱ ይሪኡ እሞ ጥምየት ኣሎ ይብሉ።እዚ ናይ ሸርሒ ፖለቲካ እዩ።እቶም ፀዓዱ ድማ ዝረአይዎ ሓቂ እዩ ዝመስሎም።ነሶም መን ቀተሎ?መን ኣጥምይዎ? ኣይብሉን።መንግስቲ ይብለፆም ዝብሎ ነዚ እዩ።ሚድያ ክኣቲ ኣለዎ ዝበልክዎ’ውን ነዚ እዩ።እዚ ናይ ህወሓት ሸርሒ ዝነበረን ልማዱ እዩ።ህወሓት ቀደም’ውን ንዝጠመየ ህዝቢ ዝመፀ እኽሊ ሸይጡ ኣፅዋር ዝገዝእ ውድብ እዩ።ስለዚ ህወሓት ኾነ ኢሉ ህዝቢ እናጥመየ እዩ ዘሎ።ብሸርሕን ስርቅን ንመንግስቲ በሊፁ እዩ።መንግስቲ ደማ ቀዲሙ ክሰርሕ ኣለዎ።እዚ ሸርሒ ፖለቲካ ኣብ ህዝቢ ዓለም ከጋልፆ ኣሎ።ባዕሉ ደፊሩ ተደፊርኒ ይብል።ስለዚ እዚ ተኸታቲሉ ምቅላዕ ስራሕ መንግስቲ ክኾን ይግባእ።

ሕቶ፡- ብተመሳሳሊ ህወሓት ኣብ ወፃኢ ዘለዎ ዲያስፖራ ኣባላቱ ብምጥቃም ዓለምለኸ ፅዕንቶ ንምፍጣር ፃዕሪ ይገብር እዩ።ብኡኡ ልክዕ ግና ብኢትዮጵያ ዲያስፖራ ብሕብረትን ብሓደ መንፈስን ሸርሒ ህወሓት ኣብ ምግላፅ ዝተርፉ ነገራት ከምዘለዉ ይዝረብ እዩ።ካብዚ መንጻር እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ?

ሌ/ኮሎኔል ፍስሃ፡- ትኽክል እዩ ፤ ኣብ ሃገር ውሽጢ ዝረአ ስእሊ እኮ እዩ ኣብቲ ዲያስፖራ ዝረአ፤ ኣብዚ ዓዲግዎ ዝኸደ እዩ።ኣብዚ ብዘርኢ ተኸፋፊልና ኣብኡ’ውን ተመሳሳሊ ብዝኾነ መገዲ ኢና እናተኸፋፈልና ዘለና።እዚ ድማ ህወሓት ን47 ዓመታት ዝሰርሖ ሸርሒ ፖለቲካ እዩ።እዚ ፖለቲካዊ ሸርሒ ብሓድነትና ፀኒዕና ከይንነበር ተፈላሊና ንክንነብር እዩ ተገይሩ።ኸዚ እኮ መከላከልያ ሰራዊት እንትጉዳእ ዕልል ኢሉ ህወሓት ባንዴራ ሒዙ ዝጭፍር ዲያስፖራ ኣሎ።ስለዚ እዚ ዘርኢ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ።ኣነ እቲ ሓደ ካብ ዶክተር ኣብይ ትፅቢት ዝገብሮ ፖለቲካ ዘርኢ ፈፂሙ ከጥፍኦ እዩ ኢለ እየ።እንተቀፂሉ ግና እዛ ሃገር ካብዚ ዝባኣሰ ፀገም ክትኣቱ እያ።ብኻልእ ወገን ግና ከምዝገለፅኽዎ ንፁሃን ካብ ገበነኛ ዘይፈለዩ ብብሄሮም ጥራሕ ዝግለሉ ነገር ዲያስፖራ ዘቖጠዐን ዘከፋፈለን እዩ።ርግፅ እዩ ኾነ ተባሂሉ ተገይሩ እዩ ዝብል እምነት ተዘይብለይ’ውን ከምዚ ዓይነት ፀገም ክፍተሸ ኣለዎ ባሃሊ እየ።ገበነኛ ዘይኾነ ትግራዋይ መንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ከሰልፎ ይግባእ ባሃሊ እየ።

ሕቶ፡-ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መከላከያ ሰራዊት ምውፅኡ ተኸቲሉ ኣብ ህዝቢ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ እናወሰደ እዩ።ንምዃኑ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክገብር ኣለዎ፤ ካብቲ ህዝቢ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ሌ/ል ኮሎኔል ፍስሃ፡-ፅቡቕ ሕቶ እዩ፤ ኣነ’ውን ብዙሕ እዋን ዘጨንቐኒ ሕቶ እዚ እዩ፤ ኹሉ ህዝቢ ህወሓት ይድግፍ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ።ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያውነት ስምዒቱ ተዓፊኑ ዝተቐመጠ እዩ።እዚ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝቢ ቦታ ክንህቦ ኣለና።ምስ ህወሓት ዝውግን ዘሎ ሕብረተሰብ ግና ከስተውዕል ኣለዎ ዝብል እምነት አለኒ።ብግዚያዊ ስምዒት ተለዓዒሉ እቲ ክልል ኾነ ህዝቢ ናብ ዘይኾነ መስመር ክኣቱ የብሉን።እቲ ህዝቢ ብኢኮኖሚ ተዳኺሙ እዩ፤ ብኹናት ተጎዲኡ እዩ።ፀገም ስነ ኣእምሮ በፂሕዎ እዩ።እዚ ግዚያዊ ስቃይ ክሓልፍ እዩ።ብኢትዮጵያዊ መንነቱ፣ብጀግንነት ታሪኹን ባህሉን ክደራደር ኣይግባን።ንዝሓልፍ እዋን ክብል ምስ ሰይጣናዊ ወድብ ክውግኑ የብሎምን ዝብል እምነት ኣለኒ።ኸዚ ንዘሎ ፀገም ኹሉ ተሓታቲ ህወሓት ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ክግንዘብ ኣለዎ።ስለዚ ሸርሒ ህወሓት ብምግላፅ ምስ ካልእ ኢትዮጵያዊ ብሰላም ፍቕርን ክነብር ይግባእ።ህወሓት ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ብምዃኑ ህዝቢ ሒዙ ንምጥፋእ ዝተዳለወ ወድብ ከምዝኾነ ክርዳእ ኣለዎ።ህዝቢ ብዝተኽኣሎ መጠን ህወሓት ምቅዋም ይግባእ።ደቂ ተዓፊኖም እንትውሰድዎ ፣እንቕተልዎ እንተጠምዩን እንትዝመት ንምንታይ ኢሉ ንህወሓት ከሓትት ይግባእ።

ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ሌ/ ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ’ውን የመስግን።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You