“ኣፈፃፅማ ተልእኾ ቤት ህንፀታትና ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ እናሰራሕና ኢና” – ኮሚሽን ኮሚሽነር ቤት ህንፀት ፌዴራል ጄኔራል የኑስ ሙሉ

ናይ ሎሚ ጋሻ ዓምድና ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ምስ ኮሚሽን ኮሚነሽር ቤት ህንፀት ፌዴራል ጄኔራል የኑስ ሙሉ ካብ ዝገበረቶ ፃንሒት ኣብ ስራሕቲ ሪፎርም ቤት ህንፀታት፣ ዝተረኸበ ውፅኢት፣ ኣተሓሕዛ ተሃነፅቲ፣ ካልኦት ተወሳኺ ጉዳያት ብዝምለከት ብምሕፃር ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣልና፤ ሰናይ ንባብ!

ሕቶ፡- ቤት ህንፀታት ከም ትካል ከመይ ይግለፁ ?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ቤት ህንፀታት ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዘፈር ፍትሒ ውሽጢ ካብ ዝርከቡ ዋና ትካላት እንትኾኑ ብኣዋጅ ዝተወሃቦም ተልእኾ ዓብይን ዘፈር እቲ ፍትሒ ብመንፅር ምምሕዳር ፍትሒ ገበን ምርመራ፣ ክስን ኸይዲ ቤት ፍርዲን ሓሊፉ ነዊሕ ግዘ ዝፀንሐሉን ካብ ቀሊል እስራት ክሳብ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ እስራት ዝተፈረደሎም ዜጋታት ዓለምለኸ ስታንዳርድታትን ሃገራዊ ሕግታትን መሠረት ብምግባር ዝእረሙሉ ትካላት ‘ዮም።

ቤት ህንፀታት ብቤት ፍርዲ ውሳነ ረኺቦም ዝለኣኹ ተሃነፅቲ ሕጊ ተቀቢሎም ድሕንነቶም ተሓልዩ፣ ሰብአዊ መሰሎም ተኸቢሩ፣ ዓቅሚ ብዝፈቀዶ መሰረታዊ ድልየታቶም ተማሊኡ፣ ዝተፈላላዩ ናይ ሥነ-ልቦና፣ ናይ ንቅሓተ-ሕጊ፣ ትምህርቲ ሥነ- ምግባርን ሓገዝን ረኺቦም፣ ብመደበኛ ትምህርቲ፤ ብቴክኒክን ሞያ ስልጠናን ብፍልጠትን ክእለትን ማዕቢሎም፣ ዝተፈላላዩ ዘፈር ስራሕቲ ምህርቲ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ተሰማርዮም መጠነኛ ኣታዊ ረኺቦም፣ ተሃኒፆም፣ ኣፍረይትን ሕጊ ኣኽበርትን ዜጋታት ኮይኖም ናብ ማሕበረሰቦም ንክሕወሱ ብምግባር ወሳኒ ግደ ዝፃወቱ ሓፈሻዊ ኸይዲ ስራሕ ዘፈር ፍትሒ መዛዘሚን መዕፀዊ በሪ ብምዃኖም ናይ ኩሉ ተሓባባሪነት ዝደልዩ ትካላት ‘ዮም።

ሕቶ፡- ታሪኽ ቤት ህንፀታት ኢትዮጵያ ከመይ ይመስል ?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ታሪኽ ቤት ህንፀታት ኢትዮጵያ እንትንምልከት ካብ ዘበን ኣክሱማይት ከምዝተጀመረ ካብ ዝተፈላላዩ ድርሳናት ታሪኽ ምርዳእ ይክኣል። ኣብ ዘነብ አክሱማይት ደብረ ዳሞ፤ ኣብ ማእኸላይ ዘበን ግሸን፣ ኣብ ዘበን ጎንደር ወህኒ ኣምባ ዝብሃሉ ቤት ማእሰርቲታት ከምዝነበሩን ዋና ተግባሮም ድማ ነገስታት ዙፋኖም ንግስነቶም ክሳብ ዘድልድሉ ተነሓናሕቲ ኣሲርካ ምፅናሕ ከምዝነበረ ይዝረብ።

ካብዞም ሰለስተ ፍሉጣት ቤት ማእሰርቲታት ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ቤት ማእሰርቲታት ዝነበሩ እንትኾኑ ኣብዞም ቤት ማእሰርቲታት ጥፍኣት ዘጥፍኡ ሰባት ጭካነ ብዝተመልኦ ኩነታት ካብ ኣካል መጉደል ክሳብ ሞት ቅፅዓት ዝበፅሕ ከቢድ ቅፅዓት ይፈፀመሎም ነይሩ።

ኣብ ታሪኽና ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሐ ናይ መሳቀይ ቅፅዓትን ብተፅዕኖ ጨካን ሕግታት ምኽንያት ክሳብ ቀረባ ግዘ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምእሳር ከቢድ ፈተናን ሲኦል ከም ምውራድ እናተቆፀረ ፀኒሑ ‘ዩ። ከከም ስርዓቱ ዓይነታት ቅፅዓት ብሕጊ እናተመሓየሹ ዝመፅኡ እንተኾኑ ‘ውን ክሳብ ቀርባ ግዘ ቤት ህንፀታት ነቲ ማሕበረሱብ ይኹን ንመንግሥታዊን ዘይመንግሥታዊን ዝኾኑ ትካላት በሮም ዓፅዮም ተሃነፅቲ ምችው ኣብ ዘይኮኑ ዓፅዮም ብኣካልን ብመንፈስን ጥሕሰት ሰብአዊ መሰል እናተፈፀሞም ፀኒሑ ‘ዩ፡፡

ሕቶ፡- ካብ ለውጢ ናብዚ ኩነታት ዘለው ቤት ህንፀታትን ኣተሓሕዛ ተሃነፅትን እንታይ ይመስል?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ካብ ፅባሕ ሃገራዊ ለውጢ ብቅልጡፍ መሠረታዊ ዝኾነ ሪፎርም ካብ ዝኻየደሎም ካብ መንጎ ዘፈር ፍትሒ ፌደራል ቤት ህንፀታት ቀዳሞት እንትኾኑ በዚ መሠረት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዘሎ ትካላዊ ሪፎርም ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ተኸታታሊ ዓመታት ተግባራዊ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

ትልሚ እቲ ሪፎርም ካብ ዘቅመጦም መስኮት ትኹረት ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ካልኦትን ዝተወሰኑ መስኮት ትኹረት ፅቡቅ ውፅኢት ምምዝጋብ ዝተኽኣለ እንተኾን፣ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ቤት ህንፀታት ብዝረከቡ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ዝኽሰሱ ዝነበሩ ቤትህንፀታት ብመሰል ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣብ ዘይኽሰሱሉ ብርኪ በፂሖም ‘ዮም። መንግሥቲ በሪ ቤት ህንፀታት ክፍቲ ብምግባሩ ንቤት ህንፀታት ትኹረት ብምሃቡ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ክልል ቤት ህንፀታት ኣዋጅን ደንብን ምምሕያሽ ተገይሩ ‘ዩ።

ምግቢ ተሃነፅቲ ብምምሕያሽ፤ ዝተፈላለዩ ናይ መንግሥትን ክፋል ሕብረተሰብን ቤት ህንፀታት ብምጉብናይን ድጋፍ ሎጀስቲክስ ብምግባርን፤ ንተሃነፅቲ ሓገዝ ሞራል ብምግባር፤ ሃይማኖታዊ አስተምህሮታት ብምሃብ ተሃነፅቲ ምስ ፈጣሪ ንከረኸቡ ብምግባር ስራሕቲ ምርግጋእ ብምስራሕ ተሃነፅቲ ኣተሓሕዛ መሰል ሰብአዊ ንክመሓየሽን ኩነትታ ቤት ህንፀታት ንክልወጥ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ተሃነፅቲ ኣብ ቤት ህንፀት ዝህልዎም ፃንሒት ብኩሉ ነገሮም ብትኽክል ተሃኒፆም ንክወፅኡ ንምግባር ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ እንታይ ፃዕሪ ትግበሩ?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ቤት ህንፀታት ናይ ምህናፅ ሰራሕ ኣብ ምሕጋዝ እቲ ሕብረተሰብን ዝተፈላላዩ ሃገር በቆልን ዓለምለኸ ትካላትን ዘይንዓቅ ግደ እናገበሩ ይረከቡ ኣለው። ኣብ ቀርባ ኣብ ዘካየድናዮ መበል 19 ናይ ፌደራልን ክልልን ቤት ህንፀታት ኮሚሽነራት ጉባኤ “ቤት ህንፀታት ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ!” ብዘብል መሪሕ መልዕክት ተመስሪትና ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጎንና ደው ንክብሉ ፃውዒት ኣቅሪብና ኢና።

ቤት ህንፀታት ፌደራል ይኹኑ ናይ ክልል ብዘለዎም ንኡስ በጀትን ሓይሊ ሰብን ዝተውሃቦም ተልእኾ ኣብ ምፍፃም እንተኾኑ ‘ውን ዝተማልአ ናይ ምህናፅን ስራሕቲ ልምዓት ንምስራሕን ተሳትፎ እቲ ማሕበረሰብ ዘይትካእ ግደ ኣለዎ። ግደ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝሐሸ ተሃድሶን እርማትን ኣብ ምህናፅ ንተሃነፅቲ ክእለትን ኣውንታዊ ባህሪ ንከማዕብሉ ንምግባር ዝሕግዝ ‘ዩ። ፕሮግራማት ትምህርቲ፣ ሥልጠናታት ሞያን ኣግልግሎት ምኽርን ብምሃብ ዝተሳኽዐ ናይ መሊስካ ምሕዋስ ዕድሎም ኣብ ምውሳኽ ኣንፃር ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ።

ተሳትፎን ቁፅፅርን እቲ ማሕበረሰብ ዝበለፀ ግልፅነት ብምርግጋፅ ኣብ ውሽጢ ቤት ህንፀታት ኣብ ልዕሊ ተሃነፅቲ ዝበፅሕ ጥቅዓት፣ ኣድልዎ ወይ ሸለልትነትን ብምቅናስ፤ ተሃነፅቲ ናብ ማሕበረሰቦም እንክትሕወሱ ዘጋጥሞም ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ ስግኣት ምፍንፋን ብምትራፍ ወሳኒ ግደ ይፃወቱ ‘ዮም። ብኻሊእ ወገን ድማ ትካላት እምነት፤ መንግሥታዊን ዘይመንግሥታዊን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሞያታት ምምሕዳር ሠራሕተኛታት እቲ ቤት ህንፀት ዝጎድሎም ሃፍትን ክእለትን ብምምላእ ዋና ኣበርክቶ ይገብሩ ‘ዮም።

ሕቶ፡- ቤት ህንፀታት ፌዴራልን ክልልን ነኒባዕሎም ኣብ ልውውጥ ልምዲ ዝገብርዎ ርክብ መድረኽ ኣለዎም ዶ?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ኮምሽን ቤት ህንፀታት ፌዴራል ምስ ክልላት ብምዃን ኣብ ፍርቂ ዓመት ዝዳለው ጉባኤታትን በቢእዋኑ ዝፍጠሩ መድረኻት ተቀራሪብና ብምስራሕ ነኒባዕሉ ልውውጥ ልምዲ ብምምዕባል መንግስቲ ብዘቅመጦ ኣንፈት ኣሰራርሓ ሓደ ትልምን ሓደ ሪፖርት መሰረት ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልልን ቤት ህንፀታት ተቀራራቢ ኣሰራርሐ ንምፍጣር ፃዕሪ ብምግባር ቤት ህንፀታት ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ስራሕ ምፍፃም ንክኽእሉ ዝተጠናኸረ ዝተዋደደ ኣሠራርሓ ተመስሪትና ብምስራሕ ምሩፅ ተሞክሮታት ብምቅማር ሓደ ካብ ካሊእ ዝመሃሃሩሉ መድረኽ ብምፍጣር ንተግባራዊነቱ እናተጋህና ንርከብ።

ሕቶ፡- ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣሰራርሓ ንምዝማን ኣብ ቤት ህንፀታት ኣከባቢ ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ኣለውዶ?

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡– ቴክኖሎጂ ኣብ ድሕንነት፣ኣብ ኣወሃህባ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምዝማን ኣንፃር እናተፃወቶ ዘሎ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ይፍለጥ ‘ዩ ። በዚ መንፅር ቤት ህንፀታት ምስ ካልኦት ሀገራት ቤት ህንፀታት እንትነፃፀር ገና ኣብ ጅምር ዘለውን ብዝድለይ ብርኪ ዘይበፅሑ በብዙሕ መልክዑ ኣብ ስግኣት ድሕንነት ዝርከቡ ‘ዮም።

ኣብ ቤት ህንፀታት ኣድላይነት ቴክኖሎጂ ተሃነፅጺ ሕጊ ባዮሜትሪክ ዳታ ብምሓዝ፤ መከታተሊን መፍለይን ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት ብምጥቃም ተሃነፅቲ ናይ ምምላጥን ናይ ድሕንነት ሓደጋ ናይ መብፃሕ ኩነታት ንምትራፍ፤ ብኻሊእ ወገን ሰራተኛታት ቤት ህንፀታት ኣብ ልዕሊ ተሃነፅቲ ከብፅሕዎ ዝኽአሉ ሰብአዊ ጥቅዓታት ኣብ ምክልኻል፤ ቤት ህንፀታት ዲጂታላይዝ ብምግባርን ኣውቶሜትድ ሲስተማት ብምጥቃም ምምሕዳር ተሃነፅቲ ፍትሒ ንምምሕያሽ፤ ኣተሓሕዛ ሃፍቲ ብክነት ንምምሕያሽ፤ ኣብ ሰባት ዝፍፀሙ ስሕተታ ኣብ ምቅናስን ሽኽምታት ምምሕዳር ቤት ህንፀታት ኣብ ምቅናስ፤ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ቪዲዮ፣ ድምፅን ኤሌክትሮኒክስ ብመለኣኣኺ መልእኽቲ ርክብ ብምገባር፤ በኢ- ለርኒግ ተሃነፅቲ ትምህርቲን ስልጠና ሞያን ንክከታተሉ ብምገባር ክእለቶምን ዕድል ስራሕን ብምስፍሕፋሕ፤ ብቴሌሜዲሲን ተሃነፅቲ ካብ ቤት ህንፀት ከይወፅኡ ብርሕቀት ንሓለዋ ጥዕና ምስ ሓኪማት ንክመኻኸሩ ኣብ ምኽኣል ካልኦት ረብሓታት ኣብ ምሃብ ወሳኒ ‘ዩ፡፡

ብምዃኑ ኣብዚ እዋን ቴክኖሎጂ ምርጫ ዘይኮነስ ግቡእ እናኾነ ዝኸደሉ ብርኪ እናበፃሕና በምዃኑ ኣብዚ ዘፈር ቤት ህንፀታት ብቅልጡፍ እዋኑ ዝጠልቦ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ክማልአሎም ከምዝግባእ ንፌደራል ይኹን ንክልላት ንዝምልከቶም አካላት ሕቶ እናቀረብና ኢና ዘለና፡፡

ንዝነበረና ፃንሒት ብዝግጅት ክፍሉ ስም የቐንየልና!

ኮሚሽነር ጀኔራል የነሱ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን!

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You