“ኩሎም ፀገማትና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንክንፈትሖም ክንሰርሕ ኣለና” – ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ

ናይ ሎሚ ዕዱም ጋሻ እዚ ዓምዲ ዝኾኑ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ዋና ፀሓፊ ውድብ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምስ ወጋሕታ ጋዜጣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብዚ እዋን ኣካይዳ ፖለቲካ ትግራይ እንታይ ይመስል?፣ ዝሓለፉ ጌጋታት ፖለቲካ ትግራይ እንታይ ይመስሉ?፣ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሊኡ ኣብ ምትግባር እንታይ ይመስል?፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ንክወፅእን መሊሱ ናብ ኵናት ከይኣትውን እንታይ ክግበር ኣለዎ? ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምዘለዋ ኣብ ዝልዓል ዘሎ ጉዳይ እንታይ ሓሳብ ኣለኩም? ኣብ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ንዝሃቡና ምላሽ ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና።ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ እዋን ኣካይዳ ፖለቲካ ትግራይ ከመይ ትግምግምዎ? ካበይ ናበይ ይኸይድ ኣሎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ከምዝፍለጥ ፖለቲካ ትግራይ ድሑሩን ዝበላሸወን ‘ዩ። ነቲ ፖለቲካ ዝተበላሸወን ድሑሩን ዝገበሮ መበገሲኡ ድማ ካብቲ ዝነበረ ፖለቲካ ኣተሓሳስባን ስርዓትን ‘ዩ። መበገሲ ድሕረቱን ሕመቁን ካብቲ ዝቐደመ ስርዓት ኮይኑ እቲ ዘሎ ፖለቲካ ንክትግምግሞ ‘ውን ዘኸብድ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሰዓት ብዙሓት ተወሳእቲ ዘለውዎ ፖለቲካ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ከምዚ ንክኸውን ዝገበሮ ከዓ፤ ፖለቲካ ዋላ’ኳ ሳይንስ እንተኾነ ‘ውን እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፖለቲካ ግና ናይ ሸፈጥ ብምዃኑ ‘ዩ። ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ፍታሕ ንምምፃእ፣ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፍታሓት ንምምፃእ ዘይኮነስ ብሽም ህዝቢ ብምውዳብ ረብሓ ስልጣን ውልቀን ጉጅለን ንምቅፃል ዝግበር ናይ ሸፈጢ ፖለቲካ ስለ ዝኾነ፤ እቲ ዘሎ ፀገም ንክትሓላለኽን ንከይፍታሕን ገይርዎ ‘ ዩ ዝብል ገምጋም ‘ዩ ዘለ ኒ።

ወጋሕታ፡-ዝሓለፉ ጌጋታት ፖለቲካ ትግራይ እንታይ ይመስሉ? ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሕደርዎ ፅዕንቶ እንታይ ይመስል? ሐዚ ኸ ነቶም ጌጋታት ኣብ ምርዳእ ኣብቲ ሕብረተሰብ ለውጢ ኣሎ ዶ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡- እቲ ዝሓለፈ ፖለቲካ ትግራይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፀገም ፖለቲካ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸን ዝተወሳሰበን ‘ዩ። ነዚ ፀገም ንክትሓላለኽ ንክወሳሰብን ዝገበረ ድማ እቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ‘ዩ። ብፍላይ ምስ መሪሕነት ውድብ ነበር ህወሓት (ኣብዚ እዋን ሕጋውነቱ ብብሄራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ )ን ስነ ሓሳብ እቲ ውድብን ገይረ ‘የ ዝሪኦ።

እቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ውድብ ነበር ህወሓት ሰብ ተኮር፣ ሃገር ተኮር ዘይኮነስ፤ ውለቀ ረብሓን ስልጣንን ተኮር ‘ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ሰፊሕ ኩለ መዳያዊ ፀገም ፈጢሩ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ። ብዓብይኡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክፍጠር ዝገበረ ኮይኑ ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ብብርኪ ክልል ይኹን ብብርኪ ሃገር ምስ ዝተፈላላዩ ህዝባታት ዝነበረ ማሕበራዊ ርክባት ኣዐርዩ ንክበላሸው ገይሩ ‘ዩ። ካሊእ ምስኡ ተተሓሒዙ ‘ውን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ንክፍጠር ገይሩ ‘ዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እዚ ኹሉ ዝተበላሸወ ናብ ዝነበሮ ክምለስ እንተኾይኑ እቲ ዓብይ ብፅሒት ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ቀሊል ዘይብሃል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ስርዓት ዝነቅሐን ለውጢ ዘምፅአን ኣሎ ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ኣብዝሓ ሓዱሽ ወለዶ ናይቲ ዘሎ ፀገም ምኽንያት እቲ ስርዓት ምዃኑ ዝተረድአሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ እዞም ዘለው ፀገማት ክፍትሑን ናይ ምምላስ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። እዞም ዘለው ፀገማት ክፍትሑ እንተኾይኖም ድማ እቶም ዝተበለሸው ኣተሓሳስባታት ማለት ‘ውን ሰብ ተኮር ዘይኮኑ፣ ንረብሓ ህዝቢ ደው ዘይበሉ ውደባታትን ኣተሓሳስባትን ዝኾኑ ቀይረካ ማእኸሎም ሰብ ተኮርን ረብሓ ህዝብን ንክኾኑ ብምግባር ነቲ ህዝቢ ከዓ ብምውዳብን ብምንቃሕን ‘ዩ ለውጢ ክምፅእ ዝኽእል። ይኹን ‘ምበር ከምቲ ንሪኦ ዘሎ ግና ከምቲ ዝድለይ ቃልሲ ህዝቢ ክንቀሳቀስ ኣይንርእን ዘለና። የግዳስ ነቲ ዘሎ ሓይሊ ዝተሓደገ ስልጣኑ ንከምልሱን ንከቀፅሉን ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ኢኻ ትርኢ።

እዞም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ካልኦት ሓይልታት ብምትሕብባር ረብሕኦምን ስልጣኖምን ንከቀፅሉ ክብሉ ኣንፃር ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ዝኾኑ ምንቅስቃሳት ‘ዮም ዝግበሩ ዘለው። እዞም ኣንፃር ህልውና ህዝቢ ዝኾኑ ሓደገኛታት ምንቅስቓሳት ድማ ነዓይ ብጣዕሚ ‘ዮም ዘስግኡኒ። ከም ውድብ ‘ውን እዞም ምንቅስቓሳት ብጣዕሚ ‘ዮም ዘሰክፉና። እዞም ምንቅስቓሳት ክብርዕኑ እንተኾይኖም ድማ ናብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ንቅሓት ቃልሲ ንክጠናኸር፤ ብፍላይ ኩሎም ፀገማት ብሰላም ንክፍትሑን ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት እቲ ህዝቢ ስርዓት ንከትሕዞም ብዝለዓለ ክንቃለስ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሊኡ ኣብ ምትግባር ከመይ ትግምግምዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን ፡– ከምዝፍለጥ ውዕሊ ፕሪቶርያ ቀሊል ዘይብሃል ኣንፃራዊ ሰላም ዘምፅአ ውዕል ‘ዩ። ንህዝብና ዋላ ዝተማልአ ካብቲ ውዕል ከረክቦ ዝግባእ እንተዘይረኸበ ‘ውን ካብ ድምፂ ተኹሲ ዝወፅአሉን ኣንፃራ ሰላም ዝተረኸበሉን ‘ዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ውዕሊ ብዙሕ ጉድለት ከምዘለዎ ኢና ከም ውድብ ንግምግም። ካብቶም ጉድለታት ኢልና እነልዕሎም ሓደ ሙሉእ ውዕሊ ፐሪቶርያ ኣይተፈፀመን።

እዚ ውዕል ንዘይምፍፃሙ ድማ ክልቲኦም ተደራደርቲ ወይ ተወዓዓልቲ ነኒባዕሎም ክካሰሱ ‘ዮም ዝረኣዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኦም ንትርኽ ግና እቲ ህዝቢ ተጎዲኡ ‘ዩ። እቲ ዝድለይ ሰላም ኣይመፅኣን ብተወሳኺ ድማ ሐዚ ካልኣይ ስግኣት የንፀላልይ ኣሎ። ምኽንያት ነዚ ዘንፀላልይ ዘሎ ስግኣት ድማ እቲ ውዕሊ መሊኡ ኣብ መሬት ወሪዱ ስለዘይተተግበረ ‘ዩ።

ካብቶም ክትግበሩ ዝነበሮም ውዕላት ሓደ ድማ ኣሳታፋይ ዝኾነ ግዝያዊ መንግስቲ ይዋቀር ዝብል ዝነበረ ኣይተፈፀመን። ካሊእ ዲዲኣር ኣይተፈፀመን። ምስ ምምላስ ተፈናቀልቲን ሕቶታት ህዝቢ ዴሞክራሲን ሕቶታት ወሰናትን ኣይተመለሱን። እዞም ኩሎም ተግባራዊ ክኾኑ ዝነበሩ ተግባራዊ ኣይኮኑን።

እዚኦም ተግባራዊ ከይኾኑ ዓብይ ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ድማ ብፍላይ መሪሕነት ነበር ህውሓት ሓደ ‘ዩ። እቲ ቅድም ክብል ዝነበሮም ረብሓን ስልጣንን ንከቅፅል ክብል ዕንቅፋታት እናፈጠረ፤ ነኒባዕሉ ናብ ክልተን ሰለስተን እናተገማምዐ፣ ሓደሽቲ ኣጀንዳታት እናፈጠረ እቲ ውዕሊ መሊኡ ከይፍፀም ፀገም ኮይኑ ‘ዩ ዝብል ኣረኣእያ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሊኡ ንክትግበር ኣብ ምሕጋዝ ኣወንታዊ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣር ግደ ውድብኩምን ግደ ዝተፈላለዩ ውድባትን ሲቪል ማሕበራትን እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ክሳብ ሀዚ እንታይ እናገበርኩምከ መፂእኹም?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ኣንሕና ከም ውድብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ መግለፅታት ብምሃብ እቲ ውዕሊ መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን ቀሊል ዘይብሃል ቃልሲ እናገበርና መፂእና ኢና። ሐዚ ‘ውን ንገብር አለና ኢና። ካልኦት ውዳበታት ‘ውን ኣብዚ ፅዕንቶ ክገብሩ ኣለዎም።

እቲ ዋና ጉዳይ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ግልጋሎት ዝህብ መንግስቲ ስኢኑ ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ እንተዘይሃልዩ ከዓ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ክትረክብ ኣይትኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ስርዓት እቲ መንግስቲ ወፂእኻ መፃወቲ ዝኾነ ጉጅለን ውዳበን ኢኻ ትኸውን። ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ዝርኣይ ዘሎ ‘ውን እዚ ‘ዩ።

ስለዚ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ከይትኸውን ክሳብ ባዕላ ዝመረፀቶ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝወፅእ ዝተፈላላዩ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓዲ ብሓፈሻ ኩሎም ውዳበታት ትግራይን ብፍላይ ድማ እቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክሳተፍን ፅዕንቶ ክፈጥርን ክኽእል ኣለዎ።

ንግዚኡ ‘ውን እንተኾነ ባዕሉ ዝሳተፈሉ ብህዝቢ ዝተወከሉ መማኽርቲ ወይ ሸንጎ ክንብሎም እንኽእል ነቲ መንግስትን ህዝብን ዘራኻቡን ንኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ‘ውን ስርዓት ከትሕዙ ኣብዚ ክረባረቡ ኣለዎም ዝብል ርኢቶ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ እቲ ዘሓለፎ ከቢድ ኵናት ኣብዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ኵናት ክሽከም ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዘየለ ይግለፅ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ናብ መሰል ኵናት ከይኣትውን ካብቲ ዘለዎ ፀገም ክወፅእን እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡- እቲ ዋና መዋፅኦ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ነቂሑን ተወዲቡን ክቃለስ ከሎ ‘ዩ። ስለዚ ተወዲቡ ክቃለስ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ኵናት ከይኣትው ክቃለስ ኣለዎ። ኣብቶም ዝሓለፉ ኵናት ብምሉኦም ኣብቲ ህዝቢ ሰፍ ዘይብሉ በሰላታት ኣዕሪፎም ‘ዮም። እቶም ዝተፈጠሩ ኵናታት እንተኾኑ ‘ውን ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሎም ዝተፈጠሩ ኣይነበሩን።

ስለዚ ሐዚ ‘ውን መሰል ንህዝቢ ረብሓ ኣብ ዘይብሎም ኵናት ከይኣትው እቶም ንረብሓ ህዝቢ ዝንቀሳቀሱ ኣካላት፤ ነዚ ብምቅዋም ነቲ ኣንፃር ረብሓ ዝንቀሳቀስ ሓይሊ ደው ኣብ ምባል ግደኡ ክፃወት ኣለዎ። ብተወሳኺ ኩሎም ፀገማትና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንክንፈትሖም ክንሰርሕ ኣለና ክብል ኣለዎ። ብዙሓት ፀገማት ኣለዉና ‘ዮም። መፍትሒ ዘይብሎም ፀገማት ከዓ የለውን።

ስለዚ ነዞም ፀገማት ክንፈትሖም እንኽእል ከዓ ብሰላማዊን ዴሞክራሲያውን መንገዲ ጥራሕ ኢና። ምስ ካማና ዝበሉ ውፅዓት ህዝብታት ሓቢርና ብምቅላስ ኢና ክንፈትሖም እንኽእል። ስለዚ እቲ ዝነበረ ፀገማት ብኵናት ናይ ምፍታሕ ልምዲ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ።

እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ፅዕንቶ ከዕርፍ ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ንረብሑ ደው ብምባል ተቃውምኡ ብምግላፅ፣ ኣብ ብሱል ስነሓሳብ ኣብ ዘለዎም ብምውዳብን ብምስላፍን ግደኡ ክፃወት ክኽእል ኣለዎ። እዚ እንተኾይኑ ‘ዩ ዘላቂ ፍታሕ ክመፅእ ዝኽእል ዝብል ‘ዩ ሪኢቶ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምዘለዋ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝልዓል ኣብ ዘሎ ጉዳይ እንታይ ሓሳብ ኣለኩም?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ኣንሕና ‘ውን ኣብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ የብልናን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ባሕሪ ‘ውን ዝነበራ ሃገር ‘ያ። እቲ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ‘ውን ትኽክል ብዘይኮነ ብናይ ሸፈጥ ፖለቲካ ‘ዩ።

ነዚ መሊሳ ንክትረኽቦ ዘኽእል ዓለም ለኸ ሕጊ ‘ውን ስለዘሎ፤ ነዚ መሊሳ ንክትረክብ ክትቃለስ ኣለዋ። ኩላትና ‘ውን ክንቃለስ ኣለና። እዚ ክኸውን ዘለዎ ድማ ብሰላማውን ሰላማውን መንገዲ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ጎንፂ ዘእትው ከኸውን የብሉን። ሓቢርካ ኣብ ምጥቃም ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ።

ከምዝፍለጥ ‘ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘለው ጎረቤት ህዝብታት ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ነገር ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም። ብባህሊ፣ ብቋንቋ ብዘርኢ ‘ውን ከይተረፈ ዳርጋ ሓደ ህዝቢ ‘ዮም። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፍደገ ባሕሪ ክወሃባን ብሓባር ‘ውን ንክለምዑን ክስራሕ ክከኣል ኣለዎ።

እዚ ድማ ንፖለቲካ ትርፊ ኢልካ ጥራሕ ዝስራሕ ዘይኮነስ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ህዝብታት ‘ውን ዝጠቅም ስለዝኾነ ‘ዩ። ምስ ፖለቲካን ማሕበራውን ኣተኣሳሲርካ ምስራሕ ዝክኣል ስለዝኾነ ‘ውን ኣብዚ ክስርሐሉ ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ ፡- ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ገለ ጉጅለታት ውድብ ነበር ህውሓትን ደገፍቲ ሻዕብያን ዝረከብዎም ካብ ትግራይን ኤርትራን ርክብ ከምዝጀመሩ ዘስማዕ ነገር ኣሎ። ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለካ?

ኣይተ ሙሉብርሃን ፡- ሓደ እቲ ርክብ ዝበሃል ዘሎ ሕጋዊ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ ፤ ኤርትራ ‘ውን ብተመሳሳሊ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ ስለዚ ክልተ ሉኣላዊ ሃገራት ርክብ ዝገብራሉ ሕጋዊ መስርሕ ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ በዚ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ዘይግበር ርክብ ሕጋዊ ኣይኮነን ‘ዩ።

ካልኣይ ከዓ እቲ ርክብ ድራማ ረኢናዮ ኢና። ይኹን ‘ምበር እቲ ርክብ ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ ናይ ክልተ ካድረታት ውድብ ርክብ ‘ዩ። እዚ ድማ ዝረብሕን ለውጢ ዘምፅእን ርክብ ኣይኮነን። ሓደ ሕጋዊ ኣይኮነን። ካልኣይ ከዓ ህዝቢ ንህዝቢ ዝተገበረ ርክብ ዘይኮነስ ክልተ ሓይልታት ንረብሕኦምን ስልጣኖምን ንምቕፃል ክብሉ ዝገበርዎ ድራማ ካድረታት ‘ዩ። ስለዚ እዚ ድማ ካሊእ ጎንፂ ክፈጥር ‘ምበር ዘላቂ ሰላም ዘምፅእ ርክብ ኣይኮነን።

እዚ ከዓ በኣግኡ ክዕገት ኣለዎ። እዚ ምስ ምኽባር ሉኣላውነት ‘ውን ዝትሓሓዝ ስለዝኾነ ካሊእ ፀገም ከየማዕበለ መንግስቲ ፌደራል ብትኹረት ክሪኦን ናብ ሕጋውነት ‘ውን ከእትዎ ‘ዩ ዘለዎ። እቲ ርክብ መርህ ሃገራት ብዘኽበረ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቢሉ ንመስርሕ ተኸቲሉ ዕላምኡ ብግልፂ ተፈሊጡ ተዝኸውን ነይሩ፤ ክልቲኦም መንግስታት ብሓባር ኮፍ ኢሎም ዘሎ ፀገም ተዘራሪቦም ክሰርሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብዚ ክሳተፉ ‘ውን ምኸኣሉ። እዚ ድማ ምስ ኤርትራ ይኹን ምስ ሱዳንን ኬንያን ካልኦት ጎረቤት ሃገራትን እንተኾነ ናብ ዘላቂ ሰላምን ልምዓትን ማሕበራውን ክወስድ ይኽእል። ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ርክብ እንተኾይኑ ግና ርክብ ሽፍትነት ‘ዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ ዝግበር ዘሎ ርክብ ካሊእ ጣጣ ከየምፅአልና ህዝቢ ‘ውን ፅዕንቶ ብምግባር ደው ክብል ከግበር ኣለዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡኒ ሓሳብን ሓበሬታን የቐንየለይ።

ኣይተ ሙሉብርሃን ፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You