‹‹ ትግራዋይ ፖለቲካዊ ፀገማቱ ብኢሂን ሚሂን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ከማዕብል ኣለዎ›› – ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል

ኣብ ትግራይ ብዙሕ ግዜ ፀገማት ዘጋጥሙ መልዐሊኦም ፖለቲካዊ ሕመቓት ‘ዮም። ብፍላይ ካብ ለውጢ ንነዘ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እቲ ክልል ኣዝዩ እናተባላሸወ መፂኡ ህዝቢ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ ‘ዩ። እቲ ቕድሚ ኸባቢ ክልተ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ‘ኳ ህድእ እንተበለ ማለት ድምፂ ጥይት ጠጠው ዋላ ይበል፤ ፖለቲካዊ ፀገም ግና ሕዚ ‘ውን ኣይተፈትሐን። ነበር መሪሕነት ህወሓት ነንበዓሎም ይኹን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምስምዕማዕ ስኢኖም ንህዝቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቖሞ ‘ዮም ዝረከቡ። ካብ ዝሓለፈ ምምሃር ኣብይዎም ኣብ ዝሓመቐ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ተሸኺሎም ይርከቡ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣልዒልና ምስ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ዝኾኑ ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል ከምዚ ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡-ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ከመይ ይግምግምዎ፣ንኢትዮጵያ ብኣወንታን ብኣሉታን ከመይ ይፀልዋ?

ሌ/ጀነራል ዮሃንስ፡– ከምቲ እንሪኦ ዘለና ኣብዚ ሕዚ እዋን ዞባ ቐርኒ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐ ኣይኮነን። እቲ ዞባ ብናይ ሰላምን ፀጥታን ዝሕመስ ከባቢ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ፤ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ እቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ናብ ሓደ መፂአን ነቲ ፀገም ክፈትሓ ብዙሕ ኣይረኣያን፤ ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብዙሕ ቑልውላው ፈጢሩ ኣሎ፤ ሕዚ ‘ውን ገና ኣይተፈትሐን ዝኒሀ፤ ብናይ ውሽጣዊ ሓይሊ እናተሓመሰት ‘ያ ዘላ። ቕድሚ ሕዚ ሱዳን ሓንቲ ከምዝነበረት ይፍለጥ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ብዘጋጠማ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገም ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ተባሂላ ናብ ክልተ ተመቒላ ‘ያ። ሕዚ ድማ እታ ዝተረፈት ዓባይ ሱዳን ኣብ ከቢድ ቑልውላው ትርከብ። እዚ ባህርያዊ እቲ ዞባ ኮይኑ ኣሎ።

ተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብዘየኣትዎ ኩናት ስለዘይብሉ ቐርኒ ኣፍሪካ ከይትረጋጋዕ እናገበረ ይርከብ። እዚ ድማ ምስ ናይ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ንምብራቕ ኣፍሪካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይወስዶ ኣሎ። እዚ ናይ ሱዳን ኩነታት ከም እኒ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ከምዘለዎ ይፍለጥ ‘ዩ። ምዕራባውያን ‘ውን ናይ በዓሎም ድሌት ንምርካብ ካብዚ ጉዳይ ዝረሓቑ ‘ዮም ምባል ኣይከኣልን።

ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ምስ ናይ ትግራይ ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኩናት ሓደ ፀገም ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ‘ዩ። እዚ ክኸውን ዘይግበኦ ዝነበረ ኮይኑ ግና ኣጋጢሙ ‘ዩ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ከቢድ ክሳራ ኣብፂሑ ‘ዩ፤ ብዙሕ ህይወት ሰብ በሊዑ ‘ዩ፤ እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ቐርኒ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐት ከባቢ ስለዘይኮነን ‘ያ። ብሓፈሻ እዚ ርጅን እዚ ዝተረጋገዐ ዞባ ኣይኮነን።

በዚ ዘይምርግጋዕ እዚ ኣብ ትግራይ ከንርኢ እንተለና እታ ብጣዕሚ ተጠቓዒት ኮይና ‘ያ። ኣብ እዋን ኢህኣዴግ ‘ውን እንተኾነ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ክልል ትግራይ ‘ያ። እዚ ዘይምርግጋዕ ናይ ቐርኒ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንትግራይ ኣዝዩ ሓሲይዋ ‘ዩ። ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ ይፀልዋ ኣሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ናብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣዝያ ዝተፀገዐት ብምዃና ኣብቲ ዞባ ምርግጋዕ ተዘይሃል ‘ዩ ምስቲ ናይ ባዕላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ተተሓሒዙ ማለት ምስ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ኣዝዩ ይጎድኣ ‘ዩ። እቲ ከባቢ ናይ ኩናት ዞባ እንተኾይኑ ምስ ናይ ኣታውን ወፃኢን ንግዲ ተተሓሒዙ ዝበፅሓ ጉድኣት ቐሊል ኣይኮነን። ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልባ ምዃን ከይዱ ከይዱ ምጉድኣ ስለዘይተርፍ እቶም ዝፍጠሩ ዘለዉ ፀገማት ክፍትሑ ፃዕራ ክተጠናኽር ይግባእ። ብፍላይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ንግዲ ተተሓሒዙ ክፍታሕ ኣለዎ። ምስ ኤርትራ ናይ ወጥሪ(ቴንሽን) ኩነታት ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ድማ ዕንቕፅና ኣለዎ። ሓቢርካ ምዕባይን ምልዋጥን ዝደሊ ኣይኮነን። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንጎረቤት ሃገራት ዝጠቕም ኣይኮነን። እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ምፍንድኡ ኣይቐርዮን፤ ዝተደጎደ ሓዊ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ዞባ እዚ ናይ ሕምስምስ ከባቢ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ድማ ዓባይ ዓዲ ‘ያ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኣለዋ፤ እተንቐሳቕሶ ኢኮኖሚ ‘ውን ቐሊል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ከባቢ ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ቐጥታ ይፀልዋ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሰላም ክሰፍን ምስራሕ የድሊ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ እዚ ናይ ሰላም ተዋኢት(ኣክተር) ኮይና ከትወፅእ ኣለዋ። በርግፅ ትሰርሕ ‘ውን ኣላ ‘ያ። እዚ ኣጣናኺራ ከትቕፅለሉ ኣለዋ። ምኽንያቱ ካብ ቑልውላው ዝጥቀም ኣካል የለን። ከም ትግራይ ይኹን ብሓፈሻ ከም ኢትዮጵያ ዋጋ ‘ዩ ዘኽፍለና ዘሎ። እቲ ኣሰካፊ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ናብ ሰላም ዝቕልበሰሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ኮይኑ ግና እዚ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን። ናይ ኩሉ እቲ ኸባቢን ካልኦት ሃገራትን ‘ዩ። እዚ ዞባ እዚ ክሕመስ እንተሎ ክሳርኡ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ምስ ካልኦት ሓቢርካን ተሓባቢርካን ምስራሕ የድሊ። ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንምንጋስ ንኹሉ ‘ኳ ዝምልከቶ እንተኾነ ብፍላይ ድማ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ክቑርቖራሉ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ ምርካብ ንሃገርን እቲ ኸባቢን ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ?

ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ፡– ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትኸዶ ዘላ ክያዶ ትኽክል ‘ዩ፤ ብሓይሊ ኣይኮነትን እትኸድ ዘላ ብሰላም ‘ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ብሰላም እንተኸይድካዮ ኢኻ ተራባሒ እትኸውን፤ እዚ ድማ ንኹለን ሃገራት እቲ ከባቢ ዝጠቕም ‘ዩ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላም እንተመፂኡ ካብ ማንም ንላዕሊ ተመራፂ ‘ዩ፤ እቲ ሕቶ ፍትሓዊ ክሳብ ዝኾነ ዋጋ ዘኽፍል ኣይኮነን ኢለ ይኣምን፤ ማለት ናብ ኩናት ዘአቱ ኣይኮነን። ካልኦት ሃገራት ክቕበለኦ ኣለዎን። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላስ ማለት ተሓባቢርካ ብኢኮኖሚ ንምዕባይን ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋዕ ዝጠቅምን ስለዝኾነ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ክድግፈኦ ኣለዎን። ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክድግፎ ኣለዎ። እዚ ቐሊል ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ቑልፊ ጉዳይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍደገ ባሕሪ ከትኸውን እንተላ ኩሉ እቲ ኸባቢ ተጠቓሚ ስለዝኸውን ሃገራት እቲ ካባቢ ብኣሉታ መልክዕ ክሪአኦ የብለንን። ምኽንያቱ ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብምጥቓማ እቲ ዞባ ይጥቐም ‘ምበር ዝጉድኣሉ ኩነታት የለን።

ስለዚ ነዚ ብኣወንታ ምምልካት የድሊ፡፡ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ክዓብያ ዝኽእላ ብምድግጋፍ ‘ምበር ብምንፅፃል ኣይኮናን። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምዕባይ ‘ውን ‘ምበር በይና ንምዕባይ ኣይኮነን። ሓቢርና ንዕበ ዝበለ ክድገፍ ‘ዩ ዝግበኦ ‘ምበር ብኣሉታዊ መልክዕ ክረኣይ የብሉን። ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍደገ ባሕሪ ሒዛ ተዘይተጠቒማትሉ ትርጉም የብሉን። ኩልና ብስምምዕነት ተተጠቂምናሉ ንኹልና ዘርብሕ ‘ምበር ዝጎድእ ኣይኮነን። ዘይምጥቓም ንወለዶ ‘ዩ ዘምክን ዘሎ ‘ምበር ካሊእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ እንተዘይተጠቒምካሉ ኣፍደገ ባሕሪ ምህላው ትርጉም የብሉን። ናብ ረብሓ ክውዕል እንተሎ ብእኡ ልክዕ ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ይለምዓን ይቕየራን። ንቓፃሊ ወለዶ ምሕሳብ የድሊ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያ እንተተጠቐመት ኩሉ ይርባሕ ‘ምበር ጉድኣት የብሉን፡ ፡ስለዚ ብፍላይ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከትዕንቕፅ ኣይግበኣን።

ስለዚ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ እንተረኺቡ ተረባሕቲ ዝኾና ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ‘ምበር ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍደገ ባሕሪ እንተኾይና ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ዝሕግዝ ‘ምበር ንማንም ሃገር ዝጎድእ ኣይኮነን። ኣብ ምዕባይ ኢኮኖሚን ምስፋን ሰላምን ፀጥታን እቲ ከባቢ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡-ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዝደንት ሃገረ ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዛረብዎ ትርጉሙ ከመይ ተዓዚብክሞ?

ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ፡- እቲ መደረ ሰሚዐዮ ‘የ፤ እቲ ናይ መበል ን34 ዓመት ዝተኸበረ መዓልቲ ናፅነት ካብቲ በቢዓመቱ ዝግበር መደረ ዳርጋ ሓደ ዓይነት ‘ዩ። እዚ ክብል እንተለኹ ኩሉሻብ ንኢትዮጵያ ምውቓስ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ከይወቀሱ ኣሕሊፎሞ ኣይፈልጡን። ኢትዮጵያ ናይ ደገ ተለኣኣኺት ‘ያ፤ ሕዚ መፂኡ ዝኒሀ መንግስቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ድሌት ዘፍፅም ‘ዩ፤ ንህዝቡ ኣይጠቅምን ወዘተ ዝብሉ ነገራት ተዛሪቡ ‘ዩ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ፤ እዚ ንዓይ ቐልዲ ‘ዩ፤ በቲ ሓደ እቲ ዝኸዶ ክያዶ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጥርጣረ ክህሉ ብምሕሳብ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ከትረጋዕ ኣይደልን። ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ምብራቕ ኣፍሪካ ከትብፅበፅ ‘ዩ ዝደሊ። እዚ ናይ ምውንባድ ዘረባ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።

ኢሳይያስ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፀሉ ጀሚሩ ብዛዕባ ናይ ውሽጢ ሃገሩ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ብርግፅ ዝውጋዕ ‘ውን የብሉን። ክውጋዕ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተሰርሑ ኣወንታዊ ነገራት ክህልዉ ኣለዎም። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተሰርሑ ነገራት እንተርኢና በቲ መንግስቲ ዝተሰርሑ ገበናት ‘ዮም። ዘርኢ ምፅናት ‘ዩ፤ ስደትን ምእሳርን ዜጋታት ‘ዩ፤ እዚ ድማ ገበን ስለዝኾነ ከውገዐሉ ኣይኽእልን። ዘለዎ መማረፂ ናብ ጎረቤት ሃገራት ሃሰስ ምባል ‘ዩ፤ ቅድሚ ሕዚ ኢሳይያስ ዝባጩ ዝነበረ ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዘይጭክን ተስፋ ብምግባር ‘ዩ ኔሩ፤ በዚ ለሚዱ ዝመፀ ስርዓት ኤርትራ ሕዚ ‘ውን በዚ ዝተለምደ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ የኽይድ ዶ ኣየኽይድን ካሊእ ጉዳይ ‘ዩ። ቐንዲ ዕላማ መንግስቲ ኤርትራ ግና ኢትዮጵያ ናብ ሕንፍሽፍሽ ክትኣቱ እንተላ ከትርፍ ‘የ ኢሉ ስለዝሓስብ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምልዓላ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ መወዳእታ ስግኣት ‘ዩ ዘሎ፤ ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክወስድ ‘የ ኣይበለትን፤ ንዘራረብ፤ ሓቢርና ንጠቐም፤ ሓቢርና ንዕበ ‘ያ ዝበለት፤ እዚ ቕንዕና እንተልዩ ናብ ስግኣት ዘብፅሕ ኣይኮነን። ኣወንታዊ መልሲ ‘ዩ ዘድሊ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብምጥቓማ ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቕም ‘ምበር ኣይጎድእን። ብሓባር እናተጠቐምካ እንተዓቢኻ ሰላምን ልምዓትን ይነግስ ‘ምበር ካሊእ ጉድኣት የብሉን። ኮይኑ ግና እዚ መንግስቲ ኤርትራ ብኣወንታዊ መልክዕ እናተመልከቶ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍ ደገ ባሕሪ ከይትኸውን ዓብዪ ስግኣት ኣለዎ። ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ቐዳዳት ክፈጥራ ይኽእላ ‘የን ዝብለን ነገራት ‘ዩ ተዛሪቡ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ንኢትዮጵያ ንምሕንፋሽ ‘ዩ። ሕዚ ግና ኤርትራውያን ክፃወርዎ ኣይከኣሉን፤ እቲ ግፍዒ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እናኾኖም ‘ዩ ዝርከብ። ምቕዋም ‘ውን ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም። ሕዚ በቃ ይኣኽለና ዝብልሉ ኩነታት እናተፈጠረ ‘ዩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ጭንቐት ስለዝፈጠረሉ ንኢትዮጵያ ይጎድኡ ‘ዮም ዝበሎም ነገራት ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እዚ ድማ ትርጉም የብሉን ተስፋ ናይ ምቑራፅ ነገራት ‘ዩ ዘርኢ።

ወጋሕታ፡- ነበር መሪሕነት ህወሓት ምስ ኢሳያስ ፅምዶ ንምፍጣር ዝኸደሉ ዘሎ መገዲ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ዋጋ የኽፍሎ፤ እቲ ህዝቢ ዋጋ ከይኸፍል ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ፡- ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ጀሚሩ ጥራሕ እንተሪእና ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ኣሉታዊ ከምዝኾነ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሕዚ ነበር መሪሕነት ህወሓት ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ኢሕጋዊ ‘ዩ፤ ኢሉ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ባዕሉ ህዝቢ ዘይጠቐመ ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ‘ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ መራሕቲ ነበር ህወሓት ካብ ለውጢ ተጠቓሚ ከይኸውን ተገይሩ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ምስ ኢሳያስ ምፅማድ ማለት ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሓዊ ምእጓድ ማለት ‘ዩ። እዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ርክብ ገበን ‘ውን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ለውጢ ከይጥቀም ገይርካ ካሊእ እንደጋና ምስ ኢሳያስ ርክብ እፈጥር ኣለኹ እናበልካ ብህዝቢ ምቕላድ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

እዚ ፅምዶ ዝበሃል ኣካይዳ እዚ ንህዝቢ ኣዝዩ ዝጎድእ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ክቓለሶም ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ ዋጋ ከይኣኽሎ ካሊእ ተወሳኺ ዋጋ ክኸፍል የብሉን። ነዚ ኣካይዳ እዚ ዝኾነ ትግራዋይ ክቓወሞ ‘ዩ ዘለዎ። ይኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ። እዚ ኣካይዳ እዚ ንትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጎድእ ንኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዝጎድእ ስለዝኾነ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ‘ውን እንተኾነ ክቓወሞ ኣለዎ። ቅድሚ ኩሉ ግና ንትግራይ ኣዝዩ ሓደጋ ‘ዩ። ስለዚ ኩልና ተጋሩ ነዚ ስኽ ኢልና ከንሪኦ የብልናን። ፅምዶ ምናምን ዝብል ነገር ቐርዩ ንህዝቢ ዝጠቕም ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። እዚ ምስ ድሌት ህዝቢ ዘይኸይድ ‘ውን ስለዝኾነ ብጉሓቱ ክእረም ኣለዎ። ነዚ ኩልና ብጋንኡ እንተዘይኣወጊዝናዮ ሒዝዎ ዝመፅእ ሓደጋ ከቢድ ‘ዩ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ጉድኣት ‘ምበር ረብሓ ዝበሃል ነገር የለን። ነዚ ኩልና ከንርድኦ ኣለና።

ሕዚ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ኢሊታት ተጋሩ ኩናት እንተተላዒሉ ኣዝዩ ሓደጋ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ተደራራቢ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ ሕዚ ካሊእ ኩናት ዝሽከም ኣይኮነን። ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ነዚ ክቓወሞ ኣለዎ። ሕዚ ኣጀንዳ ክኸውን ዘለዎ ዝተመዛበለ ናብ መረበቱ ምምላስ፤ በቲ ኩናት ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ምምላስ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ ‘ምበር እንዚኦም ገና ከይሰራሕኻ ካሊእ ፅምዶ እናበልካ ‘ሞ ድማ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ነገር ምስራሕ ክሕሰበሉ ዝግበኦ ነገር ‘ዩ። ኣብ ፅባሕ ኹናት ኮንካ ህዝብኻ ከይሓወየ ናብ ከምዚ ዝበለ ነገር ምእታው እሞ ድማ ህግደፍ ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ኣለዎ ኢሉ ምስ ዝኣምን ከመይ ጌርካ ከምዚ ትሓስብ? ህዝቢ ትግራይን ነበር ህወሓትን ሓደ ‘ዮም እናበልካ ብምጭብርባር ንህዝቢ ምጉዳእ ክቐሪ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ትግራይ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት ሐዚ ካብ ዘላቶ ዕንኪልል ከመይ ትወፅእ ትብል? ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ብዝምልከት ዘለኩም ሓሳብ፤

ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ፡- ቀዳማይ ነገር ኢሊታት ትግራይ ንበዓሎም ረብሓን ስልጣንን እንተይኮኑስ ንህዝቢ ክሓስቡ ኣለዎም። ካብ ዕንኪሊል ከንወፅእ እንተኾይና ረብሓ ህዝብና ማእኸል ጌርና ከንኸይድ ኣለና። ሕዚ ‘ውን ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ፅምዶ እናበልካን ካኦትን ኣካይዳ እሞ ድማ ንህዝቢ ዘይጠቕሙ እናተኸተልካ ናብ ዕንክሊል ዘእትወና ኣካይዳ ይኽየድ ኣሎ። ከምእቲ ሕዚ ፅምዶ ምናምን እናበልካ ምኻድ ቐርዩ ሕጊ ተኸቲልካ ምኻድ የድሊ። ካብ ሕጊ ወፃኢ ምኻድ ‘ዩ ናብ ዕንክሊል ዘእትወና ዘሎ። ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከምዝኾነ ክኣምን ኣለዎ።

ካሊእ ንውልቕኻን ጉጅለኻን ረብሓ ምሕሳብ ተሪፉ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኣተኩርካ ምስራሕ የድሊ። ብሕጊ ናይታ ሃገር ድማ ተገዛኢ ከትኸውን ኣለካ። ብዙሕ ግዜ ውዕል ፕሪቶርያ ምኽንያት እናገበርካ ናይታ ሃገር ሕገመንግስቲ ምጥሓስ ክህሉ የብሉን። ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣይኸበር ኣይበልኩን ኮይኑ ግና እዚ ግዝያዊ ‘ዩ። ዘላቕነት ዘለዎ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ስለዝኾነ ነዚ ኣኽቢርካ ምኻድ የድሊ። ስሕተት እናፅበብካ ናብቲ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ምምፃእ የድሊ። ውዕል ፕሪቶርያ ድማ ናይ ብልፅግናን ነበር ህወሓት ጥራሕ ኣይኮነትን ናይ መንግስትን ህዝቢ ትግራን ‘ያ። ናይቲ ብኹናት ዝተጎድአ ህዝቢ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣነ ኣብ ተጋሩን ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌዴራልን ‘ዩ ዘሎ ባሃሊ ‘የ። እዚኦም ክልቲኦም ተቐራሪቦም ኢሂን ምሂን ተባሃሂሎም ከተግብርዎ ኣለዎም። ሰብ ዋና ናይቲ ጉዳይ እዚኦም ‘ዮም። ስለዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኮንቴክስት ወይ ከዓ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ትኹረት ጌርካ ምስራሕ የድሊ። እቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ሕገ መንግስታዊ ማዕቐፍ ኮይንካ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ። ሕግን ስርዓትን እታ ሃገር ቐዳምነት ክዋሃቦ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ጉድኣት ክከሓስ ኣለዎ። ስዘሊ ኩልና ተጋሩ ንኹን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ፀገማት ተቐራሪብካ ንምፍታሕ ከንሰርሕ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ ፀገም ንከወፅእ እጃሙ እንታይ ክኸውን ይግባእ? ከምኡ ‘ውን ዳያስፖራን ኤሊትን ትግራይ?

ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ፡– ነበር ህወሓት ዝመፆ መንገዲ ወይ ኢህኣዴግ ኣብ ትግራይ ዝገደፎ በሰላ እቲ ህዝቢ ሓሳቡ ብናፃ ምግላፅ፣ ምውዳብ፣ ፀገም እንተጋጥም ተረዳዲእኻ ኣብ ምፍታሕ፤ ብሓፂሩ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ዘኽእል ባህሊ ኣይገደፈን። እዚ ብፍላይ ኣብ ተጋሩ ብኢሂን ምሂን ፀገም ንምፍታሕ ከይልመድ ተገይሩ ‘ዩ። ብጣዕሚ ዘሕዝን እቲ መንገዲ ጠፊኡና ኣብ ደንገርገር ኣቲና ኣለና። ንሕና ተጋሩ ፀገምና ብምቕርራብን ብሓሳብን ከይንፈትሕ ኮይና ኣለና። ካብዚ ከንወፅእ ኣለና። ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተላዘብና ከንሰርሕ ኣለና። ተላዚብና ፀገምና ከይንፈትሕ ዝገብረና ዘሎ እንታይ ‘ዩ ኢልና ክንሓስብን ከንርዳእ ኣለና። ነንበዓልና ኣብ ሚድያ ይኹን ካሊእ ምንቋር ክህሉ የብሉን። ብሚድያ ይኹን ብኻሊእ ነንበዓልኻ ዘሸማቕቑ ነገራት ኣለዉ፤ እዚኦምን ከምዚኦም ዝበሉን ነገራት ነንርእስና ከይንቐራረብ ይገብረሩና ኣለዉ ‘ዮም።

ስለዚ ከምእኒዚኦምን ካልኦትን ንህዝቢ ዘይጠቕሙ ነገራትን ገዲፍና ኣብዝጠቕሙ ነገራት ትኹረት ከንገብር ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ኢሊት ይኹን ዳያስፖራ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓሳብ ኣብ ምቕራብን ምስራሕን እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ። ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ትኹረት ክገብር ኣለዎ። ዋዕዋዕ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስትውዓልን ጥበብን ዝተመልኦ ኣካይዳ ክኽተል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ሌ/ጀነራል ዮሃንስ፡- ኣነ እውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

Recommended For You