
ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግዜ ፀገማት ዘጋጥሙ መልዐሊኦም ፖለቲካዊ ሕመቓት ‘ዮም። ብፍላይ ካብ ለውጢ ንነዘ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እቲ ክልል ኣዝዩ እናተባላሸወ መፂኡ ህዝቢ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ ‘ዩ። እቲ ቕድሚ ኸባቢ ክልተ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ‘ኳ ህድእ እንተበለ ማለት ድምፂ ጥይት ጠጠው ዋላ ይበል፤ ፖለቲካዊ ፀገም ግና ሕዚ ‘ውን ኣይተፈትሐን።
ነበር መሪሕነት ህወሓት ነንበዓሎም ይኹን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምስምዕማዕ ስኢኖም ንህዝቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቖሞ ‘ዮም ዝረከቡ። ክሳብ ሕዚ ካብ ዝሓለፈ ኩነታት ምምሃር ኣብይዎም ኣብ ዝሓመቐ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ተሸኺሎም ይርከቡ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣልዒልና ምስ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ዝኾና ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ከምዚ ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡- ትግራይ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት ፖለቲካ ሐዚ ካብ ዘላቶ ዕንኪልል ከመይ ከትወፅእ ትኽእል?
ወ/ሮ ኬርያ፡- ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአን ሕልኽልኽን እናበለ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣዝዩ ተሓላሊኹ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ናይ በዓሎም ምኽንያታት ኣለዎ። ብቐንዱ ግና እቲ ፀገም ሰፊሕን ዓሚቑን ስለዝኾነ መፍትሕታት የድልዮ፤ እቲ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ተወዲብካ ምቕላስ ‘ዩ፤ ሕዚ ከምእቲ ንሪኦ ዘለና ኩነታት እቲ ፅምዶ ዝብል ዘሎ ሓይሊ ተወዲቡ ብግልፂ ይኹን ብስውር በዕቱብ(ኣግረሲብሊ) ይሰርሐሉ ‘ዩ ዘሎ።
ምኽንያቱ ‹‹ንህዝቢ ትግራይ ዘዋፀኦ ምስ ካሊእ ሃገር ፅምዶ ፈጢርካ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ ክቕፅል ዝኽእል፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሌትን ባህግን ክዕወት ዝኽእል›› ኢሉ ዝሰርሐሉ ዘሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ድሌት ዘይኮነስ ናይ ውልቁ ዕላማ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። በቲ በለ በቲ ግና እቲ ናይ ውልቐ ዕላምኡን ድሌቱን ናይ ህዝቢ ዕላማ ‘ዩ ኢሉ ብድፍረት እናሰርሐሉ ይርከብ። እዚ ፅምዶ እዚ ፅምዶ ጥፍኣትን ኩናትን ‘ዩ።
እዚ ንህልውና ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ‘ዩ፤ እዚ ተበቲንካን ተንሳፊፍካን እትገብሮ ቓልሲ ነቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ትግራይ ወይ ቑልውላው ኣብ ምፍታሕ ዘምፀኦ ለውጢ ኣይህሉን ወይ ድማ ትሑት ‘ዩ፤ ተበታቲንካ እትገብሮ ቓልሲ ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ዘማልእ ኣይኮነን። ዘሎ ዕድልን ካልኦት ዕድላትን እናተጠቐምካ ንህዝብኻ እተድሕነሉ ጥበብን ብልሓትን እንተዘይሃልዩ ህዝብና ክነድሕን ኣይንኽእልን ኢለ ‘የ ዝኣምን።
ስለዚ ነዚ ሚዘን እዚ ዘስተኻኽል ስራሕ ምስራሕ ድሊ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ማሕበረሰብ መንቓሕቲ፣ ሙሁራት፣ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ካልኦት ኣካላትን እዚ ፅምዶ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘልምዕ ኣይኮነን እናበሉ እናተቓወሙዎ ‘ዮም ዝርከቡ። ስለዚ ተወዲብካ ምቕላስ ‘ዩ መፍትሒኡ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ተወዲብካ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮይና ተመያይጥካ ‘ዩ ዝፍታሕ።
ሰላማዊ ቓልሲ እንተልዩ ዘይፍታሕ ነገር የለን። ነዚ ከይትግበር ሓሊኹ ዝሕዝ ኣብ ታሕቲ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ሕዚ ቓልሲ ከትገብር ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ምኽንያቱ ናብ ህዝቢ ፈርፊርካ ኣቲኻ ከትውድብ ክተንቕሕን፣ ሓደጋነቱ ነቲ ህዝቢ ክተርድእ ዝፈቅድ ኩነታት የለን። ምኽንያቱ ትግራይ ብወታደራዊ ሓይሊ ‘ያ ትምራሕ ዘላ። ግን ተወዲብካን ተረዳዲእኻን እንተተቓሊስካ ዘይፍታሕ ነገር የለን። ኣካይዳና ጥራሕ ብደንቢ ከነስተውዕል ኣለና።
ወጋሕታ፡- ብሕጊ ዘይፍቐድን ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃኢን ፅምዶ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ዕላምኡ እንታይ ‘ዩ? እቲ ሕዚ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ከይዱ ከይዱ ንህዝብን ንበዓሉን ዝጎድእ ስለዝኾነ ዋላ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ይሃሉ ንምንታይ ኣብ ሓድነትን ረብሓን ህዝቢ ዘየትኩር?
ወ/ሮ ኬርያ፡- ብሕጊ ዘይፍቐድን ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃኢን ፅምዶ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ዕላምኡ እንታይ ‘ዩ ኢንተልካ ኣብ ግዝያዊ ውልቐ ረብሓ ጥራሕ ስለዘትኩርን ንህዝቢ ስለዘይሓስብን ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ከትጠፍእ እንተለኻ ኩሉግዜ ምስኻ ሓቢሩ ዝጠፍእ ኣካል ኢኻ ትደሊ፤ ‘ምበር እቲ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ዘይጠቅም ከምዝኾነ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ዕላማ ፅምዶ፣ ባህሪ ሻዕብያ እንታይ ምዃኑ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ናይ ሻዕብያ ናይ ቐረባን ርሑቑን ዕላማ ኩላትና ንፈልጦ ኢና።
ሕዚ ብሕብሕቢኢተይን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉን ኣብ ወሰናወሰን ዝፍፀም ዘሎ ኣካይዳ ሕግን ስርዓትን ዘይተኸተለ ‘ዩ። እዚ ናይ ውልቀ ሰባት ዕላማን መንገዲ ጥፍኣትን ‘ዩ። ስለዚ መጣፍእቲ ‘ዩ ዝእለሽ ዘሎ። ልክዕ እታ ውድብ ‘ውን ናይ ህዝቢ ውድብ ኔራ፤ ‹‹ኣነ እንተዘይ መሪሐያ እታ ውድብ ከትቕፅል የብላን፤ እቲ ህዝቢ ‘ውን ኣነ እንተዘይመሪሐዮ ወይ እንተዘይገዚአዮ ዋላ ይበተን›› ዝብል ዕላማ ስለዘሎ፤ ነዚ ‘ዩ ኣብ ሓድነትን ረብሓ ህዝቢ ዘየትኩር ዘሎ፤ ስለዚ እቶም ምኽንያታት ከምእንዚኦም ዝበሉ እዮም።
ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ ፀገም ንከወፅእ እጃሙ እንታይ ክኸውን ይግባእ?
ወ/ሮ ኬርያ፡- እቲ ቀንዲ ሞተር እቲ መንእሰይ ‘ዩ፤ ናብዚ ግጉይ ኣካይዳ ዝእቶ ዘሎ ‘ውን ነቲ መንእሰይ ብምትእምማን ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ክርቢት ኮይኑ ከግልግ ወይ ድራር ዓረር ክኸውን ተሓሲቡ ዘሎ እቲ መንእሰይ ‘ዩ። ስለዚ መንእሰይ ብዝግባእ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ካብ ሕሉፍ ብዘይምሃር ኣካል ብዝወሰነሉ ዕድሉ ከባላሹ የብሉን። ኣብ ግጉይ ኣካይዳ እቲ መንእሰይ ዋጋ ክኸፍል የብሉን።
ኣብ ዘይጠቅሞ ዋጋ ክኸፍል የብሉን፤ ነቲ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ተወዲቡ ክቓለሶን ኣይኸውንን ክብሎን ኣለዎ። መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ከብሎ ኣለዎ። ተወዲቡ በቢከባቢኡ ክቓለሶ ኣለዎ። ሕዚ ናይ መንእሰይ ግዜ ‘ዩ። ካሊእ ብዝወሰነሉ መንገዲ ናብ ሓደጋ ክኣቱ የብሉን። ተሪሩ ክቓወሞን ክቓለሶን ‘ዩ ዝግባእ። መንእሰይ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ። ኣብ እንደርታ ተወዲቦም መሰሎም የኽብሩ ኣለዉ ‘ዮም። ናይ እዚኦም ኣሰር ምኽታል የድሊ።
ወጋሕታ፡- ከምኡ ‘ውን ዳያስፖራን ኢሊት ትግራይን እጃሙ ከመይ ክዋፃእ ይግባእ?
ወ/ሮ ኬርያ፡– ከምቲ ልዕል ኢለ ዝበልክዎ ተመሳሳሊ ‘ዩ፤ ኢሊት ይኹን ዲያስፖራ ናይ በዓሉ ኣራኣእያን ድሌትን ኣለዎ። ኮይኑ ግና ንህዝብን ንዓዱን ኣብ ዝጠቕም ክነጥፍን ክሓብር ኣለዎ። ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቕም ወይ ዝጎድእ ኩነታት እንትህሉ ተወዲቡ ክቓለስን ክቓወምን ኣለዎ። ስለዚ ትግራይ ናበይ ትኺድ ዝብል ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን ኩልና ኣለና፤ ኩሉ ናይ በዓሉ ኣይዶሎጂ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ።
ህዝብና ወይ ትግራይ ናብዚ ትኺድ ቅድሚ ምባልና ህዝብና ክነድሕን ኣለና፤ ድሕሪኡ ዝመፅእ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ። መጀመርያ ግና ህዝቢ ከም ህዝቢ ከመይ ጌይርና ነድሕና ኣብ ዝብል ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ኣለዎ። ከመይ ጌይርና ሰላም ነምፅእ፣ ህዝቢ ነድሕን ዝብል ናይ ኩልና ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ። ቕድሚ ኩሉ ክመፅእ ዘሎዎ ውልቐ ረብሓ እንተይኮነስ ህዝብና ነድሕን ዝብል ‘ዩ። ህዝብና እንደገና ተመሊሱ ናብ ኩናትን ዕፅዋን ክባን ክኣቱ የብሉን። ቕድሚ ኩሉ ናይ ህዝቢ ትርግታ ልቢ ንርአ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ድሌት ህዝቢ ድሕንነቱ ውሑስ ዝገብረሉ ኣካል ‘ዩ ዝደሊ። ስለዚ ነዚ መሰረት ብምግባር ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። በቢዘለዎ ክቓለስ ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ኣክሱም ሙስሊም ተምሃሮ ደቒ ኣንስትዮ ምስ ሕጃብ ተተሓሒዙ ካብ ማእዲ ትምህርቲ ክኽልከላ ዝተገበረሉ ኹነታት ዘለዎን ርኢቶን፤ ብኸመይ ከ ክፍታሕ ኣለዎ?
ወ/ሮ ኬርያ፡- እቲ ኣብተን ተማሃሮ ተፈፂሙ ዘሎ ግፍዒ ዘሕዝን ተግባር ‘ዩ፤ እዚ ኮነ ተባሂሉ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምሽርሻር ‘ዩ። ብኹለ መዳይ ዝሰኣንዎ ቕቡልነት ብምኽንያት ሃይማኖት ከስቢ ንምርካብ ‘ዩ። ኩሉ ናይ ጠላዕ ካርዶም ወዲኦም ‘ዮም። እዚ ግና ናይ መወዳእታ ካርዶም ‘ዮም መዚዞም ዘለዉ። እዚ ብሃይማኖት ምፅዋት ማለት መሕፈርን መሰከፍን ‘ዩ።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ንኩሎም ሃይማኖታት ተቐቢላ ዘተኣናገደት ‘ያ። ኩሎም እምነታት ካብ ማእኸላይ ምብራቕ መፂኦም ዝተኣናገዱ ‘ዮም። ኣብ ትግራይ ዝበቖለ እምነት የለን። ብምዃኑ ድማ ትግራይ ናይ ኩላትና ዓዲ ‘ያ። ትግራይ ንኩሎም ሃይማኖታት ብማዕረ ዘተኣናገደት ‘ያ። ትግራዋይነት ሸሪፉ ዝህበካን ዝኽልክለካን ክህሉ ኣይኽእልን። ብሕልፊ ዝረኣይ ሃይማኖትን ብሄርን ክህሉ ኣይኽእልን። ኩሉ ብእምነቱ ተኸቢሩን ተኸባቢሩን ክነብር ኣሎ ‘ምበር እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ፀገም ዝፈጥረሉ ኩነታት ክህሉ ኣይግባእን።
ተማሃሮ ደቒ ኣንስትዮ ኣክሱም እቲ እምነተን ዝፈቐደለን መሰረት ገይረን ክኸዳ ኣለዎን። እቲ ተፈፂሙ ዘሎ ግና ንእምነት ዝፃባእ ‘ዩ። ኣስታት ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ተምሃሮ ‘የን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክባረራ ተገይረን ዘለዋ። እዚ ድማ ብሰንኪ እምነተን ‘ዩ። ኣብ ካሊእ ኣብያተ ትምህርቲ ሕጃብ ገይረን ይመሃራ ‘የን፤ እዚ ኣብ ኣክሱም ጥራሕ ‘የን ተኸልኪለን ዘለዋ። ዕላምኡ ድማ ናይ ፖለቲካ ሽርሒ ‘ዩ። ህዝቢ ንምክፍፋል ዝተፋሕሰ ተንኮል ‘ዩ። እዚ ተግባር እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘስክፍን ተግባር ‘ዩ። ሓድነት ተጋሩ ዝሽርሽርን ዝጎድን ተግባር ‘ዩ።
እዚ ሙስሊምን ክርስትያን እንተይበለ ኩሉ ተቓሊሱ ዘምፀኦ ናይ ሃይማኖት ማዕርነትን ካልኦትን ንድሓር ምምላስ ማለት ‘ዩ። ሕዚ ዘመነ መሳፍንትን ድንቑርናን ኣይኮነን፤ ዘመነ ስርዓትን ሕግን ‘ዩ። እዚ ከምዚ ምግባር ከይዱ ከይዱ ናብ ዘይኮነ ዝወስድ ‘ዩ። እዘን ተምሃሮ እዚአን ድምፂ ክረኽባ ኣለዎን። እንታይ ከይመፀኒ ‘ዩ እናበልካ ግፍዒ ምስራሕ ክሕሰበሉ ‘ዩ ዘለዎ። ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈፀመ ስሕተት ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ዋጋ ክኸፍል ዝተገደደ።
እዚ ምኽልካል ትምህርቲ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ኣብ ቐፃሊ ወለዶ ፈንጂ ምቕባር ማለት ‘ዩ። እዚ ከም ተጋሩ ብዝግባእ ከንርድኦን ከንቓለሶን ኣለና። ሕዚ እቲ ኩነታት ስለዘይፈቕድ ምንም ዘይክስራሕ ይኽእል ‘ዩ። ንቐፃሊ ግን ፈንጂ ቐቢሮም ይኸዱ ከምዘለዉ ኩሉ ትግራዋይ ክርደኦ ኣለዎ። እዚ ኩሉ ትግራዋይ ክኹንኖን ክቓለሶን ይግባእ።
ካብዚ ወፃኢ ‘ውን ኣብ ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈላላዩ ናይ መቕተልትን ምድፋርን ይፍፀም ‘ዩ። እዚ ሰላምን ፀጥታን ስለዘይኽበር ዘሎ ‘ዩ። ቕድሚ ኩሉ ነዚ ትኹረት ክዋሃቦ ነይርዎ። ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ቅልውላው እንተልዩ መጀመርያ ተጠቓዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ‘የን። ደቒ ኣንስትዮ ብኹሉ መዳይ ‘የን ዝጥቐዓ ዘለዋ። በርግፅ ዘንቐሐንን ዝውድበንን ተዝረኽባ ኔረን ፊት ንፊት ክጋፈጣ ንኸኣላ ነይረን። ብሓፂሩ ነዚ ኩሉ ፀገም ዝወለዶ ፖለቲካዊ ሕመቕ ‘ዩ። ንውልቐን ጉጅለን ተዘይኮይኑ ንህዝቢ ዘይሓስብ ሓይሊ ስልጣን ስለዝተቖፃፀረ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ ምርካብ ንሃገርን እቲ ኸባቢን ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ?
ወ/ሮ ኬርያ፡- ኢትዮጵያ ኣብ በሪ ባሕሪ ሕቶ ምልዓላ ፍትሓዊ፣ ሕጋዊን መሰልን ‘ዩ። ስለዚ እዚ ከም ሕቶ ምልዓሉ ምዝንግዑ እንተዘይኮይኑ ግቡእ ‘ዩ። እዚ ሕቶ እዚ ክሳብ ፍትሓዊ መልሲ ዝረክብ ተጠናኺሩ ክፅል ኣለዎ። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንድሕሪት ዝቕልበስ ወይ ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸበ ዝዕፆ ፋይል ኣይኮነን። ሕዚ እንተዘይተመለሰ ‘ውን ቐፃሊ ወለዶ ዝምልሶ ‘ዩ ዝኸውን። ሕዚ እንተዘይተመለሰ ዕዮ ገዛ ቐፃሊ ወለዶ ‘ዩ ዝኸውን።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ ዓፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ምቕራያ ብጣዕሚ ጎዳኢ ‘ዩ። ብዘይ ኣፍገደ ባሕሪ ምንባር ኣይትኽእልን። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካባ ንበዓላን ነቲ ዞባን ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ብፍላይ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚን ሰላምን ፀጥታን ክነግስ ኣዝዩ ዝሕግዝ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ነቲ ከባቢ ‘ውን ብኹለመዳይ ተረባሒ ‘ዩ ዝኸውን። ስለዚ ንማንም ዝጎድእ ኣይኮነን፤ ተወሳኺ ረብሓ ዝፈጥር ‘ዩ።
ብመዳይ ኢኮኖሚ ‘ኳ እንተሪእና ኣብቲ ዘባዊ ዘለዋ ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ኣፍተን መንጎ ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ሓይሊ ሚዛን ‘ውን ዝተሓለወ ይገብሮ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ነተን ካልኦት ‘ውን ዝጠቕም ‘ዩ። ኣብቲ ዞባ ዘሎ መሰረታዊ ኣፈላላይ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ፤ ማለት ምስቲ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ፍትሓዊ ክፍፍል ዝተኣሳሰር ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ሓደ ገሊአን ውሑድ ሕዝቢ ሒዘን ብዙሕ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ባሕሪ ኣለዎን፤ ገሊአን ድማ ከም እኒ ኢትዮጵያ ዝበላ ልዕሊ 130 ሚልዮን ሒዘን ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ተቖሊፈን ይርከባ ማለት ‘ዩ።
ካብኡ ንለዓሊ ድማ እቲ እዋናዊ ዘይምዕሩይ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስእነት ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ብናይ ታሪኻዊ ስሕተት ዝመፀ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ‘ውን እተን ናይ እቲ ዞባዊ ሃገራት ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝፈጥር ቅርሕንቲ ኣሎ፤ እዘን ሃገራት ብተደጋጋሚ ናብ ምስሕሓብ እንትኣትዋ ንርኢ ኣለና ኢና። ብተደጋጋሚ ናብ ምስሕሓብ እናኣተዋ ከምዘለዎ ንዕዘብ ኣለና ኢና።
ነዚ ከባቢ ሓበራዊ ሰላምን ዕቤትን ክባሃል ብተወሳኺ ድማ ነቲ ዘሎ ውጥጥን ክረትን ንምቕናስ ከምኡ ‘ውን ሚዛን ንምሕላው ክበሃል ከም እኒ ኢትዮጵያ ዝበላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ስለዝግባእ ዝረኽባሉ መንግዲ ምፍጣር የድሊ። ሰላምን ሓበራዊ ድሌትን እንተተደልዩ ፍትሓዊ ክፍፍል ክህሉ ኣለዎ ማለት ‘ዩ።
ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሎም ኩሎም ሰላማዊ መንገድታት ከትጥቐም ኣለዋ፤ ማለት ከትፅዕር፣ ከትሰርሕ ኣለዋ። ምኽንያቱ እዚ ክበሃል እንተሎ መሰልካን ሕቶኻን ክትሓትት ግድን ዩ፤ ግን ንኹሎም ሕቶታት ዲሞክራስያዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተጠናኸረ ፃዕሪ የድሊ። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከትረክብ ዲፕሎማሲያዊ ቓልሳ ክተጠናኽር ኣለዋ። ምኽንያቱ ካብ ብረታዊ ቓልሲ ዲፕሎማስያዊ ቓልሲ ‘ዩ ዝበለፀ። ሓይሊ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ቓልሲ ‘ዩ። እዚ ንኹሉ ዘርብሕ እዚ ‘ዩ ኢለ እየ ዝኣምን።
ወጋሕታ፡– ሓሳበን ስለዘካፈላና የቕንየልና።
ወ/ሮ ኬርያ፡– ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ክገልፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም