ስራሕቲ ኢደ ጥበባት

ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብስራሕቲ ኢደ ጥበባት ትፍለጥ ክልል ‘ያ። ብዙሓት ዝተማሃዙ ናይ ጥበብ ውፅኢታት ኣለዉ። ካብዚኦም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ሕብረተሰብ እናተጠቐመሎም ዝመፀ ከም ስራሕቲ ሸኽላ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ስራሕቲ ሸኽላ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ እናተሰርሐ ዝርከብን ክሳብ ኣብ ግልጋሎት ዝውዕልን ዘሎ ውፅኢት ኢደ ጥበብ ‘ዩ።

ብስራሕቲ ሸኽላ ዝናበር ብዙሕ ሰብ ኣሎ። ብፍላይ መብዛሕትኡ ኣብ ገጠር ዝነብር ሕዝቢ ዝግልገለሉ ኣቑሑት ባዕሉ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ሸኽላታት ‘ዮም። ምስ መናባብሮ ህይወቱ ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም። ካብዚኦም ከም ፃሕሊ፣ ድስትን መጎጎን ዝበሉ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ።

ስራሕቲ ሸኽላ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓመድ ኣይኮነን ዝስራሕ። ነዚ ዝኸውን ዓይነት ሓመድ ይምረፅ ‘ዩ። ነዚ ዝሰርሓ ድማ መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ‘የን። እቲ ሓመድ ነቲ ስራሕ ዝኸውን መሪፀን የዳልዋ። ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓሊፉ ምስተሰርሐ ንበዓለን ክጥቐማሉ ዝደልያ ይጥቐማሉ፤ ናብ ዕዳጋ ከቕርበኦ ዝደልያ የቕርበኦ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ‘ውን ከም ፍልፍል እቶት ይጥቀማሉ። እዚ መብዛሕትኡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝስራሕ ኢደ ጥበብ ውሕልነት ዝተመልኦ ውፅኢት ‘ዩ። እተን ነዚ ዝሰርሓ ካብ ጎረባብተንን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብ መተዓብይተንን ‘የን ዝመሃረኦ።

ዋላ ሕዚ ‘ውን ከም መጎጎን ጀበናን ዝበሉ እናሰርሓ ናብ ዕዳጋ ብምቅራብ ህይወተን ዝመርሓ ብዙሓት ‘የን። ስራሕቲ ሸኽላታት ኣብ ቁጠባዊ ኣድላይነት ዘለዎ ግደ ዘይነዓቅ ዋላ እንተኾነ ብኣማላኻኽታ ሕብረተሰብ ግና ዝተባባዕ ኣይኮነን። ክእለትን ፍልጠትን ስርሓት ሸኽላ ኣቃሊልካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣሎ።

ንዕዳጋ ዝኸውን ውፅኢት ኣብ ምቕራብ ብሕብረተሰብ ብዙሕ ዝተባባዕ ኣይኮነን። ከም ሕፍረት እናተወሰደ መፂኡ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሕፍረት ዝወስዶ ውሑድ ‘ዩ። ብተወሰነ ብርኪ ዋላ ይቀረፍ መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ስርሓቲ ሸኽላ ንቤተሰበን ንምምሃር ፍቓደኛታት ኣይኾናን።  ካብዚ ዝሓሸ ሞያ ክህልወን ‘የን ዝደልያ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣማላኻኽታ ዘተባብዕ ስለዘይኮነ።

እተን ኣብዚ ጥበብ እዚ ኣተኵረን ዝሰርሓ ውሕዳት ደቒ ኣንስትዮ ብዝግባእ ኣብ ምውቃብ እቲ ስራሕቲ ሸኽላ ትኹረት ስለ ዝገብራ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዘቅርበኦ ቐልጢፉ ይሽየጠለን።  ብኢኮኖሚ ድማ ዓርሰን ይድገፋ። እተን ኣዋልድ እንትሰርሓ ብኣዴታተን እናተሓገዛ ይመልከኦ፤ እተን ኣዴታተን ኣብ መዓልታዊ ልምምድ ክሰርሓ ብምዕዛብ ድሕሪ ሓፂር ናይ ልምምድ እዋን ስራሕ በይነን ክሰርሓ ይገብራ።

እዚ ጥበብ እዚ ኣብ ዝድህሰሱ ጥበባት ዝምደብ ኮይኑ ኢደ ጥበብ ምስ ቱሪዝም ‘ውን ብቐረባ ዝተኣሳሰር ‘ዩ። በፃሕቲ ዓዲ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ክጓዓዙ እንከለዉ ነቶም ጥበባት ንምርኣይ ወፃኢ የውፅኡ ‘ዮም። በዚ መንገዲ ድማ ነቲ ፍርያት ዘፍርያ ሰብ ሞያ ተጠቐምቲ ይኾና። እዚ እቶት ብምፍራይ ካብ ውልቀ ሰባት ሓሊፉ ቁጠባ ሃገር ንምዕባይ ‘ውን ዝሕግዝ ‘ዩ።

ብምዃኑ ኣብ ትግራይ ዓውዲ ኢደ ጥበብ ንምዕባይን ክኢላታት ካብ እቶት ብዝግባእ ተረባሕቲ ንምግባርን ማእኸላት ኢደ ጥበብ ክምስረትን ነቲ ዓውዲ ብመዋቕር ምምራሕ የድሊ። ንፍርያት ኢደ ጥበብ ትኹረት ብምሃብ ብዝግባእ ኣብ ጥቕሚ ክነውዕሎ ይግባእ። ፍልፍል ቱሪዝም ‘ውን ከንገብሮ ይግባእ። ነቶም ክኢላታት ኣፍልጦ ብምሃብን ምትብባዕ የድሊ።

ናይ ኢደ ጥበብ ፈጠራዊ ፍርያት ማሕበራዊ፣ ስነ- ኣእምሮኣዊ፣ ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊን ስነ-ጥበባዊን ዋጋ ዝስከሙ ፀጋታት ‘ዮም። ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍልጠትን ጥረ ሃፍትን ዝስራሕ ዓውዲ ብምዃኑ ዳርጋ ወፃኢ የብሉን። እዚ መብዛሕትኡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝቖመ ዓውዲ ኢደ ጥበብ ኩሉ ሕብረተሰብ ክጥቐመሉ ይግባእ።

ፍርያት ዓዱ ብምጥቓም ነዚ ዝሰርሓ ደቒ ኣንስትዮ ከተባብዕ ይግባእ። መንግስቲ ‘ውን ብተፈላለየ መንገዲ ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ኩነታት ከማቻቹ ይግባእ። እቲ ዓውዲ ካብ ምፍጣር ስራሕ ወፃኢ ካብ ኣተሓሳስባ ክሳብ ምትእስሳር ዕዳጋ ዝብገስ ፀገማት ስለዘለዎ ትኹረት ክወሃቦን ክስርሓሉን ይግባእ።

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክኣቱን እቲ ግብራዊ ፍልጠት ክምዕብልን ናብ ዘመናዊ ኣረኣእያን ዓለማዊ ዕዳጋን ክዓቢ ይግባእ። ዋላ ብብርኪ ሃገር ‘ውን ዘፈር ኢደ ጥበብ ዝግበኦ ቆላሕታ ኣይረኸበን። ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ዘፍርዩሉ ቦታ የብሎም፤ ወለዶ ነቲ ሞያ ክንድትዝድለ ዝጥቐመሉ ኩነታት ስለዘይተመቻቸወ ናይ ደገ ባህሊ እናወረሶ ይርከብ።

ካብ ደገ ብዝመፁ ብስራሕቲ ላስቲክን ሓፃዊንን ኣቑሑ ተተኪኡ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ቁጠባዊ ረብሓ ዘፈር ኢደ ጥበብ ብመዳይ ቱሪዝም፣ ንህንፀት ሃገርን ምፍጣር ስራሕን ኣዝዩ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ ‘ውን ግቡእ ቖላሕታ ክወሃቦ ኣለዎ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You