
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ባህሊ ስፖርትታት ዝተጀመሩሉ እዋን ካብ ልደት ክርስቶስ ቅድም ኢሉ ምዃኑ መዛግብትን ድርሳናትን ይሕብሩ፡፡ እዞም ናይ ባህሊ ስፖርትታት ክንድዚ ዝኣክል ዘመን የቁፀሩ ‘ምበር ዓብዮምን ዘሚኖምን መሰረት ዘመናዊ ስፖርታትና ንክኾኑ ገና ኣይተዓደሉን።
ነዚ ሓደ ምኽኒያት ድማ ሙሉእ ትኹረት ኣብ ዘመናዊው ስፖርት ብምግባር፣ ካብ መንግሥታዊ ፖሊሲታት ጀሚሩ ናይ ባህል ስፖርታትና ግቡእ ቦታ ከይተወሃቦም ምፅንሖም ‘ዩ፡፡ ካሊእ ብኣብዝሓ ማሕበረሰብ ናይ ባህሊ ስፖርት እንታይነትን ረብሓን ብዘይምርዳእ ዝተፈጠረ ምዃኑ ኣብ ከተማ ሆሳእና እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ውድድርን ፌስቲቫልን ናይ ባህሊ ስፖርት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ካብ ዝገበርዎም ዝርርባት ንምርዳእ ይክኣል፡፡
ካብ ሒደት ዓመታት ናብዚ ግና እናረአናዮም ዘለው ተስፋ ወሃብቲ ነገራት ኣለው፡፡ ኣብ ሞነጎ ናይ ባህሊ ስፖርትና ተስፋ ዘለምልሙ ካብ ዘለው ነገራት ሓደ ድማ በቢዓመቱ እናተኻየደ ዘሎ ውድድርን ፌስቲቫልን ናይ ባህሊ ስፖርት ‘ዩ፡፡ ናይ ባህሊ ስፖርትታት ብውድድርን ብፌስቲቫል መልክዕ በቢዓመቱ ምክያዶም ዘለዎ ረብሓ ዘያጠያይቅ ኣይኮነን፡፡ይኹን እምበር፤ ኣብ ዝተጓዓዝናሎም 22 ዓመታት ውሽጢ ግና ክስራሕ ዝግባእ ዝነበረ ዝኣክል ዶ ተሰሪሑ? ዝብል ሕቶ ምልዓል የድሊ፡፡
በዚ መንፅር ከም ሃገር ብኣሳታፊነቱ ንኹሉ ብሄር ብሄረሰባት ናይ ምስታፍ ድልየት ሓፍ ዘበለ ምዃኑ ከም ጥንካረ ክልዓል ይኽእል፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ውድድርን ፌስቲቫልን ‘ውን ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ኩለን ክልላትን ከተማ ምምሕዳራትን ካብ ምርካቦም ብተወሳኺ ብዛሓት ዘለዎም ተወዳዳደርቲ ምስታፎም ይበል ዘብል ‘ዩ፡፡ ክሳብ ሐዚ ‘ውን ብዙሓት ክደፍእሉ ዘይተኽኣሎምን ንቀፃሊ ‘ውን ብዝተፈለየ መንገዲ ክሕሰበሉ ዝግባእ ሓደ ነገር ግና ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብቲ ውድድርን ፌስቲቫልን እናተርኣዩ ካብ ዘለው ዓይነታት ባህላዊ ስፖርትታት ውሑዳት ጥራሕ ምዃኖም ‘ዩ፡፡ ሎሚ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ዝተጠቃለሉ ናይ ባህሊ ስፖርትታት 11 ‘ዮም፡፡ ክሳብ ሎሚ ህግን ደንብን ወፂእሎም ኣብቲ ውድድር ዝተጠቃለሉ ድማ 13 በፂሖም ኣለዉ፡፡
ተፈራ መኮንን ዝብሃሉ ተመራማሪ ናይ ባህሊ ስፖርቲ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዝገበርዎ ምርምር ዝበፅሕዎ ውፅኢት፤ ኣብ ሃገርና 294 ዓይነታት ባህሊ ስፖርትታት ኣለው ዝብል ‘ዩ፡፡ በዚ ቁፅሪ መሰረት እንትንሪኦ ኢትዮጵያ ከብዘለዋ ሃብቲ ናይ ባህሊ ስፖርትታት፣ ብብርኪ ሃገር ክትጥቀመሎም ዝኸኣለት 5 ሚእታዊ ጥራሕ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
አብዝሓ ናይ ባህሊ ስፖርትታት ኣብ ዝተወሰኑ ማሕበረሰባት ውሽጢ ጥራሕ ዝርከቡ ምዃኖም ዝተዛረባ ፕሬዝዳንት ባህሊ ስፖርትታት ፌዴሬሽን ወይዘሮ ህይወት መሓመድ፤ “እቶም ስፖርትታት ዝከናወኑ ኣብ ዝተወሰኑ ማሕበረሰባት ውሽጢ ጥራሕ እንተኾይኑ ብውድድር መልክዕ ንምጥቅላል የፀግሙ ‘ዮም፡፡
ብኹሉ ማሕበረሰብ ብቀሊሉ ክዝውተሩ ዝኽእሉን ንኣሰራርሓ ‘ውን ምችው ክኾኑ ኣለዎም” ብምባል ንምድናይ ምችው ኣብ ዝኾኑን ኩሉ ተወዳዳሪ ብማዕረ ንምድናይ ሕግታት ምውፃእ ዓብይ ፈተና ምዃኑ ‘ውን ይገልፃ፡፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዝዝውተሩ ሓደሓዲኦም፣ ነናይ እቲ ማሕበረሰብ ብኣፀዋውታ ስልትን ሕግታትን ኣፈላላይ ስለዘለዎም ንኹሉ ዘማእኸለ ሕግን ደንብን ንምውፃእ ሰፊሕ ፅንዓትን ምርምርን ምግባር ከምዝሓትትን ወይዘሮ ህይወት ይዛረባ፡፡
ናይሎሚ ዘበን ውድድርን ፌስቲቫልን ሓዱሽ ነገር ሒዙ ቅልቅል ኢሉ ኣሎ ኢለን፡፡ እዚ ድማ ብስፍሓት ኣብ ዓፋር ማሕበረሰብ ዝዝውተር “ኮኤሶ” ዝበሃል ዓይነት ፀወታ ‘ዩ፡ ፡ ሓደ ናይ ባህሊ ስፖርቲ ናብ ውድድር መድረክ ንምምፃእ ዘለዎ ፈተና ቀሊል ዘይምዃኑ ዝገለፃ እተን ፕሬዝዳንት፤ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ስፖርት ሳይንስ ምሁራትን ካብ ክልል ዓፋር ባህልን ስፖርትን ሰብሙያታት ዝተገበረ ናይ ነዊሕ እዋን ፃዕሪ ኣብ መወዳእታ ንምስኻዕ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡
ይኹን ‘ምበር ናይ ኮኤሶ ባህሊ ስፖርቲ ኣብ ሆሳዕና እናተኻየዱ ኣብ ዘለው መርሃ ግብርታት ውሽጢ ብመልክዕ ውድድር ዘይጠቃለል ምዃኑ እተን ፕሬዘዳንት ኣፍሊጠን፡፡ እዚ ድማ ንኹሉ ሓዲሽን ገና ሎሚ ዓመት ዝመፅአ ምዃኑ ብመልክዕ ውድድር ካብ ምስታፍ ኣቀዲምካ ናይቲ ስፖርቲ ዓይነትን እንታይነትን ምፍላጥ ስለዘድሊ ‘ዩ ይብላ፡፡
ናይ ባህሊ ስፖርታት ነናይ ባዕሎም ዝኾነ ናይ ውድድር ቦታ ንክህልዎም ካብ ምግባር መንፅር ዝተልዓሉ ሓሳባት እንተዘይለወ ‘ውን፤ ናይ ባህሊ ስፖርትታት ናብ ዘመናዊ ዓለም ብምምፃእ ሃገርና ንምፍላጥ እንትንሓስብ፤ መወዳደሪ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ማዕኸላት መዘውተሪ ባህሊ ስፖርት በቢከባቢኡ ክህልው ግድን ‘ዩ፡፡ ዝሰልጠኑ ደያኑ ምስ ምፍጣር መነፅር ‘ውን ብዙሕ ምስርሑ ኣብዚ ሰሙን ምድላዋት ይምስክር ‘ዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ስፖርታት ምስቲ ዘመን ሓቢሮም ንክኸዱ ናይ ምግባርን ተተካእቲ ናይ ምፍራይ ምንቅስቃሳት ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ውን ይግባእ፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም