መበል 20 ውድድር ማራቶን ሪሌ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድሙቕ ንምክያድ ቕድመ ምድላዉ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበል 20 ውድድር ማራቶን ሪሌ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድሙቕ ንምክያድ ቕድመ ምድላዉ ምዝዛሙ ገሊፁ፡፡ መበል 20 ውድድር ማራቶን ሪሌ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጋዜጣዊ መግለፂ ምሃቡ ኣብ ትግራይ ዝረከባ ሚድያታት ፀብፂበን፡፡

ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህን፣ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያን ሰብሳቢ ንኡስ ኮሚቴ ኮሚዩኒኬሽንን ኣይተ ቢኒያም ምሩፅ ኢሉ’ውን ዳይሬክተር ውድድርን ተሳትፎን እቲ ፌደሬሽን ኣይተ ኣስፋው ዳኜ ብሓባር ብምዃን ድማ እቲ መግሊፂ ሂቦም።

ንክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ጋንታታትን ዕድል ውድድር ጉያ ጎደና ንምፍጣርን፤ ተተከእቲ ኣትሌታት ንምፍራይ ዝተሰናደአ ውድድር ምዃኑ ‘ውን ተገሊፁ። ኣብቲ ውድድር ካብ ሰለስተ ክልላት፣ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ሸሞንታ ጋንታታት ብሓፈሻ ዓሰርተ ክልተ ትካላት፣ 36 ደቂ ኣንስትዮ 36 ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌታትን ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ።

እቲ ውድድር ብብርኪ ኣትሌቲክስ ዓለም ኮርስ ዝወሰዱ 60 ዳያኑ ዝምራሕ ምዃኑን ነቲ ውድድር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ። ኣብዚ ውድድር ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ንዝወፁ ተዓወቲ ሽልማት ሜዳልያን ገንዘብን ብጋንታ ንዝዕወቱ ድማ ሽልማት ፅዋዕ ከምዝተዳለወ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You