ንሕንሕ ጀጋኑ ኣትሌታት ኣብ ጀግንነት ዝተፈፀመላ ዓድዋ

ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ ድሕሪ 65 ዓመት ሓደ ወተሃደር ኢትዮጵያ በይኑ ጥራይ እግሩ ንሮማ ወረረ። ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቐዲሞም ኣበበ ቢቂላ ዝተባህለ ዘይተገመተ ፀሊም ኣትሌት ንዓወት ብጥራሕ እግሩ ብጉያ ማራቶን ከም ዝደገመ ኣፍለጡ። ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ክዕወተሉ ከሎ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ብኹርዓት ተንበልበለት፡፡ ኣብ ጣልያን ጎደናታት ዘዕረፎ ዓሻራ ወለዶታት ‘ውን ነዚ ተኸቲሎም ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብዚ ሎሚ ዘላቶ ደረጃ ኣብፂሖማ ‘ዮም።

ትማሊ ሕልሚ መግዛእቲ ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ጣልያን ቅድሚ 129 ዓመት ኣብ ዝተሰዓረሉ ቦታ ፉሉጣት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ናይ ማራቶን ሪለይ ውድድር ተሳቲፎም ‘ዮም። ካብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ቐፂሉ ሽም ኢትዮጵያ ብኽብሪ እትለዓል ብኣትሌቲክስ ‘ዩ። ብጀጋኑ ኣቦታት ዝተዋደቑላ ክብሪ ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ኣትሌታት ናይ ወለዶ ቕብብል ንዘመናት ቀፂሉ ‘ዩ።

ዓብዪ ጅግንነት ኢትዮጵያ ኣብዝተገለፀሉን ታሪኽ ኣብዝተሰርሐሉን ዓድዋ መበል 20 ውድድር ሪሌይ ማራቶን ኢትዮጵያ ነቲ በዓል ኣድሚቕዎ ‘ዩ፡፡ ንፀለምቲ ኣፍሪካውያን ኩርዓት ዝኾነ ዓወት ኣቦታትና ንጣልያን ኣብ ዝሰዓርሉ ኣብ ፅርግያታት ዓድዋ ዝተኻየደ ውድድር ሃገሮም ወኪሎም ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮናታት ዝተሳተፉን ጅግንነቶም ዘመስከሩን ስፖርተኛታት ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡

ካብዚኦም ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ኦሎምፒክ ቻምፒዮና በዓል ሜዳልያ ዝኾነ ሓጎስ ገብረሂወት፣ ናይ ዓለም ናይ ውሽጢ ገዛ ክብረወሰን በዓል ዋና ዝነበረ ሳሙኤል ተፈራ፣ ኣብ ናይ ለንደን ማራቶን ተዓዋቲት ያለምዘርፍ የሃላው፣ ናይ ዓለም ቻምፒዮን ሜዳልያ በዓል ዋና እጅጋየሁ ታዬ፣ ናይ ዓለም ቻምፒዮናን ናይ ዲያመንድ ሊግ ኮከብ ዝኾነት ወርቅውሃ ጌታቸው፣ በዓል ተስፋ መንእሰይ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ፣ ኣብርሃም ስሜ፣ ሃይለማርያም ኣማረ፣ ገመቹ ዲዳ፣ ኣይናኣዲስ መብራህቱ፣ ኣሳየች ኣይቼውን ካልኦት ዓበይቲ ሽም ዘለዎም ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡

ኣብ ድሮ እቲ በዓል ንጉሆ ሰዓት 2፡00 ቅድሚ ቐትሪ ዝጀመረ ውድድር በቢ 10፣7ነጥቢ1ን 5 ኪሎሜትር ፍልልይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ዱላ ብምቕብባል ብርቱዕ ንሕንሕ ኣካይዶም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ውድድር ካብ ሰለስተ ክልላት ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ሓሙሽተ ክለባትን ዝተዋፅኡ ኣትሌታት ተሳቲፎም ‘ዮም። ኣብዚ መሳጢ ናይ ሪለይ ውድድር ኢትዮ ኤሌክትሪክ ቀዳመይቲ ብምሓዝ ተዓዋቲት ኮይና ወፂኣ ‘ያ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ርሕቀት ነቲ ውድድር ብምሽፋን ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደንን 2024 ዓ.ም.ፈ ኣምስተርዳምን ዝተዓወተት ኮኾብ ኣትሌት የኣለምዘርፍ ናይ ደሓር ጋንትኣ ክትቅድሞ ክኢላ ‘ያ። ኣብቲ ውድድር ብዘደንቕ ኣወዳድኣ ብምርኣይ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ስፖርታዊ ስድራቤታት ኣዝያ መሲጣቶም ‘ያ።

ኣብቲ ውድድር ትፅቢት ተገይርሉ ዝነበረ ናይ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ኣትሌት ሓጎስ ገብረሂወት ብዝበፅሖ መጠነኛ ጉድኣት ኣብቲ ውድድር ብዘይምስታፉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የርድእ።ኣብ መበል 20 ሪለይ ማራቶን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዝዛዘመት ክለብ ከተማ ሸገር እንትትኸውን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ርሕቀት ብምስላፍ እታ ክለብ ንብሩር መዳልያ ዘብቓዓ ኣትሌት ድማ ብናይ ጉጅለ ስራሕ እትፍለጥ ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ ‘ያ።

በብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ኣትሌታት በዓል ዋና ዝኾነት ክለብ ስፖርት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ፈፂማ ‘ያ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልግሬድ ኣብዝተኻየደ ናይ ዓለም፣ ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና ብውልቓ ኣብ ናይ መናእሰይ ዘፈር ተሳቲፋ ናይ ብሩር፣ ብናይ ግሩፕ ድማ ወርቒ መዳልያ ዝረኸበት መንእሰይ ኣትሌት ኣሳየች ኣይቸው እታ ክለብ ናይ ነሃስ ደረጃ ከትሕዝ ገይራ ‘ያ፡፡

ነቶም ዘሸነፉ ድማ ከከም ደረጀኦም ካብዝረኽብዎ መዳልያ ብተወሳኺ ናይ 40 ሽሕ፣ 20 ሽሕ፣ ከምኡ ‘ውን 15 ሽሕ ብር ሽልማት በቲ ፌዴራሽን ዝተበርከተ ምዃኑ ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You