ሱቱሜ ከበደ ኣብ ማራቶን ቶኪዮ ብተኸታታሊ ተዓዋቲት ኾይና

ብርኪ ፕላትንየም ብዝተውሃቦ ማራቶን ቶኪዮ ቀዲሙ ናይ ተዓዋቲነት ግምት ዝተውሃቦም ኣትሌታት ኢትዮጵያ ልዑል ብርኪ ብምድሓዝ ዛዚሞም ‘ዮም::

ካብ ዋና ዋና ማራቶን ውድድር እቲ ሓደ ዝኾነ ማራቶን ቶኪዮ ተፈለጥቲ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያን ኣትሌታት ዝተኻፈልሉ ብምዃኑ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረሉ ‘ዩ:: ከም ቶኪዮ ማራቶን ዓበይቲ ውድድራት ዝምዝገብ ሰዓትን ናይዚ ዓመት ትፅቢት ዝኾነ ዓለም ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ሓዊሱ ካልኦት ኣትሌታት ከምርፅ ዝኽእል ብምዃኑ ዓብይ ትኹረት ዝዋሃቦ ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት ማራቶን ቶኪዮ ሱቱሜ ከበደ ንካልኣይ እዋን ውድድር ተዓዋቲት ብምዃን ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ጓል ኣንስተይቲ ክትኾን ክኢላ ‘ያ:: እቲ ርሕቐት ዝዛዘመትሉ ሰዓት 2፡16፡31 ሰከንድ ኣብ ጃፓን ካብ ዝተመዝገቡ ፈጣን ሰዓት እቲ ፈላማይ ኾይኑ ‘ዩ::

ኣብቲ ውድድር ናይ ሱቱሜ ብልጫ ብግልፂ ዝተርኣየሉ እንተኾነ ‘ውን ኬንያዊት ዊንፍሪዳ ሞሲት ግና ፍጥነታ እናወሰኸ ኣብ መወዳእታ ርሕቐት ብጣዕሚ ብምቕራባ ንተዓዋትነት ዘብፀሓ ኣጋጣሚ ነይሩ ‘ዩ:: በዚ ድማ እታ ኣትሌት 25 ሰከንድ ንድሕሪት ተሪፋ መበል ካልኣይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ:: ኢትዮጵያዊት ሃዊ ፈይሳ ድማ 2ሰዓት ፡17፡00 ብዝኾነ ሰዓት መበል ሳልሰይቲ ብምዃን ውድደራ ዛዚማ ‘ያ::

ብዙሓት ኢትጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ዝተኻፈልሉ ናይ ሎሚ ማራቶን ቴኪዮ በዚ ውድድር ልምዲ ብዘለዋ ሱቱሜን ናይ ቅድሚ ኸዚ ቻምፒዮና ዓለም ጎይተቶም ገብረስላሴ ፤ደጊቱ ኣዝመራው ፣ሮዝመሪ ዋንጂሩን ዝኣመሰሉ ኣትሌታት ዝተኻፈላሉ እንትኾን ፤እዘን ኣትሌታት ድማ ክሳብ 10 ብዘሎ ብርኪ ውድድርን ዛዚመን ‘የን::

ኬንያውያን ኣትሌታት ሓዊሱ ኡጋንዳዊው ናይ 5ሽሕን 10ሽሕን ሜትሮ ባዓል ዋና ክብረወሰን ጆሽዋ ቼፕቴጊ ዝተሳተፈሉ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ዓብይ ንሕንሕ ክረኣየሉ ‘ዩ ብዝብል ግምት ዝረኸበ ነይሩ:: ክሳብ 25 ኪሎ ሜትሮ እቲ ርሕቐት ብዝመርሑ ኣትሌታት ዓብይ ንሕንሕ ዝተርኣየ እንተኾነ ‘ውን ድሕሪ እዚ ዝነበሩ ርሕቐት ግና ምቕፃል ኣይተኽኣለን:: ድሕሪ 30 ኪሎሜትሮ ጀሚሩ ኽልቲኦም

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ታደሰ ታከለ፣ ደረሰ ገለታን ኬንያዊው ቲቱስ ኪፕሩቶ ተዓወቲ ንምዃን ሕድሕዶም ዓብይ ንሕንሕ ገይሮም ‘ዮም:: እዚኦም ኢትዮጵያውያን ዝገበርዎ ንሕንሕ ሰሓብን ፍልልዮም ድማ ናይ ሰከንድ ‘ዩ ነይሩ:: ዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2023 ማራቶን በርሊን ተሳትፎ መበል ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ታከለ ምስ ዓበይቲ ማራቶን እቲ ሓደ ዝኾነ ማራቶን ቴኪዮ ንመጀመርያ እዋን ተዓዋታይ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ::

ዓብይ ንሕንሕ ብምግባር ዘመዝገቦ ሰዓት ‘ውን ኣብ በርሊን ብዝኣተዎ ብሓደ ሰከንድ ብምምሕያሽ 2፡03፡23 ሰዓት ክኣቱ ክኢሉ ‘ዩ::  ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2021 ትሕቲ 20 ዓመት ናይ 3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ባዓል ዋና ብሩር ሜዳልያ ታደሰ ኣብ ውድድር ማራቶን እንትሳተፍ እዚ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ‘ዩ::

እቲ ኣትሌት ድሕሪ እቲ ዓወት ‹‹ ብደንቢ ዝተዳለኹ እንተኾነ ‘ውን እዚ ውፅኢት ልዕሊ እቲ ትፅቢት ዝገበርክዎ ‘ዩ:: ርግፅ ክሳብ ዝተወሰነ ርሕቐት ተዓዋታይ ከምዝኾን ርግፀኛ ኣይነበርኹን፤ ቀፂሉ ንባዕላይ ንዓወት ክጎይ ከምዘለኒ ተዛሪበዮ ፤በዚ ድማ ድስ ኢልኒ ‘ዩ›› ክብል ሓሳቡ ሂቡ ‘ዩ::

ኣብቲ ውድድር ናይ ተዓዋታይ ግምት ዝረኸበን ክሳብ መወዳእታ ዓብይ ንሕንሕ ዝገበረ ኣትሌት ደረሰ ብ28 ንድሕሪት ብምትራፍ መበል ካልኣይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ:: ኬንያውያን ኣትሌታት ድማ ኢትዮጵያውያን ተኸቲሎም ክዛዝሙ ክኢሎም ‘ዮም::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You