ክልል ትግራይ ልዕሊ 24 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ እናሰርሐ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ምህርቲ ዘመን 2016/17 ልዕሊ 24 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣብ ኣጠቓላሊ ስራሕቲ ክረምታዊ መፍረያይነት፣ ኣብ መሸጣን ኣተዓዳድላን ዘመናዊ ማዳበሪያ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከምዝበሎ፤ ኣብ ምህርቲ ዘመን 2016/17 ልዕሊ 24 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ከም ጠለብ ካብ ዝሓዞ ልዕሊ 900 ሸሕ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ እቲ 700 ሽሕ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ከምዝፀደቐን ዛጊድ ድማ 360 ሽሕ ኩንታል ናብ ወረዳታት ናብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከምዝተኸፋፈለ ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምክትል ቢሮ ሓላፍን ሓላፊ ልምዓት ዝራእት ሆልቲካልቸርን ኣይተ ኣበራ ከደነው ሓቢሮም።

ኣብ ስራሕቲ መስኖን ጠሊ ዕቀባን ብስፍሓት ብምስራሕ ውሕስና ምግቢ ክብ ክብል ይግባእ ዝበሉ እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፍን ሓላፊ ልምዓት ዝራእት ሆልቲካልቸርን፣ ሓረስታይ ብወገኑ ከም ስራሕቲ ኮምፖስት ዝበሉ ሓገዝት ማእቶት ከደንፍዑ ዝኽእሉ ተግባራት ክውግን ፀዊዖም።

ኣብ ዙርያ ስርዓት ምሕደራን ማዳበርያን ተሓታትነትን ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ድማ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ላዕላዋይ ክኢላ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ መስፍን ለማ እንትኾኑ፣ ዘመናዊ ድኹዒ ኮነ ካልኦት እታወታት ሕርሻ ክሸይጥን ክልውጥን ዝተረኽበ ኣካል ብሕጊ ከምዝሕተት ኣብሪሆም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You