ሕብረት ባዛርን ኤግዚብሽንን ካብ ቁጠባዊ ምንቕቓሕ ብዝዘለለ ርክብ ህዝብታት ዘጣናኽር ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሕብረት ባዛርን ኤግዚብሽንን ካብ ቁጠባዊ ምንቕቓሕ ብዝዘለለ ርክብ ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም።

ጀነራል ፃድቃን ነዚ ዝበሉ ኣብ መዛዘሚ ስነ- ስርዓት ሕብረት ባዛርን ኤግዚብሽንን ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ‘ዩ። እቲ ሃገርለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ዝተኻየደ ብምዃኑ ካብ ቁጠባዊ ምንቕቓሕ ብዝዘለለ ርክብ ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ንመዳለውቲ ኣካላት ዘመስገኑ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሩን ሰፊሑን ክሳለጥ ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም። ሓላፊ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ብግዲኦም፣ እቲ ባዛርን ኤግዚቪሽንን ሒዝዎም ዝተለዓለ ዕላማታት ዕውት ከምዝነበረ ገሊፆም።

ካብ ካልኦት ክልላት ዝመፁ ተሳተፍቲ ህልዊ ኩነታት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ክፈልጡ ከምዘኽኣለ ብምሕባር፣ ርክብ ህዝብታት ኣብ ምጥንኻርን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእን ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

ብኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ምስ ኩለመዳይ ዕዳጋ ፌደሬሽንን ኣምነን ማርኬት ፕሮሞሽንን ዝተዳለወ ሃገርለኸ ሕብረት ባዛርን ኤግዚብሽንን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ካብ 12 ክሳብ 19 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ፍርያት ሕርሻን ኢንዱስትርን ብምቕራብ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ክፉት ኾይኑ ድሕሪ ምፅናሕ ብዕውት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ብዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ፕላቲንዮም ስፖንሰርነት ክሳለጥ ዝፀነሐ ሃገርለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይን ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ሰሜን ሪጅን ኣይተ ኣክሊሉ ሓየሎምን ካልኦት ተሳተፍቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ- ስርዓት እቲ ባዛርን ኤግዚብሽንን ከምተሳለጠ ሓበሬታን ርክብ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You