ኣብ ኢትዮጵያ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል 10 ሚሊየን ሄክታር ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ )፡-ኣብ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ከምዘለዋ ብመፅናዕቲ ከምዝተፈለየ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ፡፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር ገምጊሙ፡፡

ህንፀት ፕሮጀክት ግድብ መገጭ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ከምዘይተዛዘመ ብምፅራሕ፤ እቲ ፕሮጀክት ንምዝዛም እቲ ትካል ብትግሃት ንኽሰርሕ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖን ቆላማ ከባቢን ከምኡ ‘ውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ከባቢ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ብመንፅር መፅናዕቲን ዲዛይንን ፕሮጀክታት ብትልሚ መሰረት ኣብ ምውጋን ትሑት ኣፈፃፅፅማ ከምዘሎ ኣልዒሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክታት መስኖ ብትኹረት ንኽስራሕ ሕብረተሰብ ከምዝሓተተ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ፡፡ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብ ዝሃበኦ ምላሽን መብርሂን፣ መፅናዕቲ ኣዋፃኢነት ፕሮጀክታት ምስተረጋገፀ ናብ ከይዲ ዲዛይን ክኣትዉ ከምዝግበር ኣብሪሀን፡፡

ምኽንያት ምድንጓይ ፕሮጀክታት ድማ ፀገም ሰነድ ዲዛይን ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ናብ ህንፀት ንምእታው በጀት እናተፀበዩ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምዘለዉ ተዛሪበን፡፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓፈሻዊ ዓቕሚ መስኖ ዝምልከት ሓበሬታ ቀፀልቲ ናይ ፖሊሲ ኣንፈትን መፅናዕቲ ብምግባር 10 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ከምዘለዋ ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ‘ውን ገሊፀን፡፡

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You