ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ኣብ መወዳእታኣ ወርሒ ጉንበት ከምዝዛዘም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ስራሕቲ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ኣብ መወዳእታኣ ወርሒ ጉንበት 2016 ዓ.ም ተዛዚሙ ንስራሕ ድሉው ከምዝኸዉን ተገሊፁ።

ሕዚ ከይዲ ፅገና እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዝርከብ ምክትል ኣተሓባባሪ ኮንስትራክሽን ንኡድ ኢንጅነር ፋንታሁን ኪዳይ ሓቢሩ። ስራሕቲ እቲ ፅገና ክሳብ 25ጉንበት 2016 ዓ.ም ንምዝዛም ይስራሕ ምህላዉ ዝሓበረ ኢንጅነር ፋንታሁን፣ ዛጊድ እቶም ዝኸበዱ ዝበሃሉ ስራሕቲ ተዛዚሞም ሕዚ ናብ ከይዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ንሰጋገር ኣለና ኢሉ።

ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑደት ዝገበራ ሓላፊት ካቢኔ ሰክሬተርያት መሰረተ ልምዓት ወ/ሮ ያለም ፀጋይ ብወገነን፣ ከይዲ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም በቲ ዝተኣሰረ ዉዕሊ መሰረት ይሳለጥ ከምዘሎን ኣብቲ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምዝዛም ኣብ ዘኽእል ብርኪ በፂሑ ምህላዉን ከምዝተዓዘባ ሓቢረን።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ድሕሪ እቲ ዝበፅሖ ዕንወት ተፀጊኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዘይምኽኣሉ ምንቅስቓሳት ቱሪዝምን ንግድን እታ ከተማ ኣዝዮም ንክህሰዩ ተገዲዶም ‘ዮም ክብል ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ። መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ተፀጊኑ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ዝዓለመ ውዕሊ ፅገና ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ምስ ንኡድ ኮንስትራክሽን ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You