ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እኹል ቅድመ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እኹል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም። ምድላው ቅድመ ምድላው ሓምለዋይ ኣሰርን ቀፀልቲ ኣንፈታት ስራሕን 2016 ዓ.ም ምስ ዓብዪ ብሄራዊ ኮሚቴ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።

መተሓባበሪ እቲ ኮሚቴን ሚኒስትር ሕርሻን ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ከምዝሓበሩዎ፣ ዕላማ እቲ መድረኽ ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ተኸላ ፈልሲ 2016 ዓ.ም ምግምጋም ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት ስራሕ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምግባር ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ኣብ 2015 ዓ.ም ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ከምዝተተኸሉን ብዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 90 ሚኢታዊ መጠን ምፅዳቕ ከምዝበፅሑ ገሊፆም፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ 7 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተሰናደአ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You