ሓደ ሽሕን 200ን ዓማዊል ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን ዝርከባ ናይ ገጠር ጣብያታት ሓዊሱ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእቲን መራሕቲ ስድራ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ክኾኑ ተገይሩ፡፡

ብምዃኑ 9 ኪሎ ሜትሮ ማእኸላይን 14 ኪሎ ሜትሮ ትሑትን መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሰሪሑ ኣሎ። ትሽዓተ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ናይ ሓይሊ ትራንስፎርመራት ምትካል ‘ውን ተሰሪሖም ‘ዮም።

ስራሕ ምዝርጋሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተኻየደ ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሪጂን ግልጋሎት ኤሌክትሪክ መቐለ ዲስትሪክት ዝርከብ ውቕሮ ናይ ዓማዊል ግልጋሎት መውሃቢ ማእኸል ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ንስራሕ ምዝርጋሕ እቲ መስመር ናይ ጉልበት ዋጋ እንተይሓወሰ ብድምር 21ሚልዮን ብር ወፃኢ ተገይሩ፡፡

ኣብ ምዝርጋሕ እቲ መስመር ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዘርኣዮ ተሳትፎ ልዑል ብምዃኑ እቲ ስራሕ ብቕልጡፍ ተዛዚሙ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ግልጋሎት ክረክብ ዝገበረ ምዃኑ ተጠቚሙ፡፡ ንዝተዘርገሐ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ብመንፅር ሓለዋ ምግባር ክረአ እንተሎ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ተናቢቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You