ኣብ ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም “ፖልዮ” ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ):- ብብርኪ ክልል ኣብ ትግራይ ዝወሃብ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ(ፖልዮ) ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ዝሓለፈ ሰሉስ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ወፍሪ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ኣብ ሓደ ህፃን ዝተርኣየ ሕማም ኣልምሲ መበገሲ ብምግባር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ።ኣብ ምጅማር እቲ ክታበት መንግስታዊ፣ ዘይመንግስታውን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ኣካላትን ተረኺቦም። ሓላፊ ካብኔ ሰክሪተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ ህይወት ንዕውትነት እቲ ወፍሪ ኩሉ ግቡኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ብግድኦም፣ ብብርኪ ክልል 2 ሚሊየን ቆልዑት ንምክታብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።እዚ ንምፍፃም ድማ ቢሮ ጥዕና ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኩሎም ትሕቲ 10 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ከምዝወሃቦም ብምግላፅ፣ እዚ ንክዕወት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ፃውዒት ኣቕሪቦም። በቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚያዚያ ዝካየድ ወፍሪ ልዕሊ 2 ሚልየን ህፃናት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You