‹‹ድልየታት ሰብኣዊ ረድኤት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዘኽእል ፖሊሲ ተቐሪፁ እናተሰርሐ ይርከብ›› – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ:- ድልየታት ሰብኣዊ ረድኤት ሃገርና ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዘኽእል ፖሊሲ ተቐሪፁ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኣተወ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ሃገር በቆል ድጋፍ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያትን ተመኩሮታት ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣካይዱ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶክተር) ኣብ ሃገርና ንዘሎ ድልየት ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላስ ዘኽእል ፖሊሲ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዘሕለፍናዮ ወርሒ ለካቲት ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ከምዝፀደቐ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ፖሊሲ ብዋናነት ድልየታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ብምፍታሕ ቑፅሪ ዝሕገዙ ምንካይን ብሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ንዘጋጥም ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም። ኣብ ኸይዲ ቑፅሪ ተሓገዝቲ ምንካይ ባህሊ ምትሕግጋዝን መፍረያይነትም ምዕባይ ቐዳማይ እንትኸውን ብፍላይ ‘ውን ብሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑ ህፃናትን ኣዴታትን ጠመተ ዝገበረ ስራሕ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ኣብ ሃገርና ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ዕድመኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ህፃናትን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝኾኑ ኽፍልታት ማሕበረሰብን ብምኽንያት ሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ናብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝቃልዑ ተዛሪቦም። ብምዃኑ ‘ውን በቢ ከባቢኡ ብዘለዉ ሃገር በቆል ልምድታትን ተሞኩሮታትን ሰብኣዊ ድጋፍ ብምስፍሕፋሕን ብምጥንኻርን ቑፅሪ ተሓገዝቲ ንምንካይን ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኣብ ምግብን ስነ-ምግብን ዝስራሕ ስራሕ ብኣካልን ኣእምሮን ዝማዕበሉ ህፃናት ብምፍጣር ኣብ ህንፀት ወለዶ ዘበርክቶ ብፅሒት ዝለዓለ ብምዃኑ ሕድሕድ ስድራቤት ነዚ ዝለዓለ ብፅሒት ኣለዎ ኢሎም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስድራ ቤት ናብ ተሓጋዛይነት እንትቓላዕን ኣብ ፀገም እንትወድቕን ንዝሕግዙ ትካላት ካብ ምፅባይ ብዝፀነሐ ኢትዮጵያዊ ልምዲ ብብርኪ ከባቢን ጣብያን ባህሊ ምትሕግጋዝ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ በቢ ከባቢኡ ንዘለዉ ልምድታት ምድግጋፍ ብዝተዋደደ መገዲ ንምምራሕ ዘኽእል ትልሚ ቐሪፁ እናሰርሐ ዝርከብ እንትኸውን ጠመተ እቲ መድረኽ ‘ውን ብሃገር በቆል ድጋፋት ብምሕጋዝ ህፃናትን ኣዴታትን ብሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ንኸይጉድኡ ኣንፈት ምቕማጥ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ሲዳማ ወረዳ ሸበዲኖ ዝተገበረ ምልከታ ግንዛበ ምዕባይን ኣብ በቢጣብይኡ ንዘሎ ዝለዓለ ሃፍቲ ኣዋዲድካ ምጥቃምን መነባብሮ ሕብረተሰብ ንምቕያር ዘኽእልን ዕድል ምትሕግጋዝ ንምፍጣር ዝዓለመን ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። እቲ ፀገም ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምርዳእ፣ በቢከባቢኡ ዘለዉ ልምድታት ምፍታሽ፣ ነቶም ልምድታት ምውዳብን ቕርፂ ብምትሓዝ ንትግበራ ምችው ዝኾነ ድጋፍ ፖሊሲ ተዳሊዉ ምላሽ ንምሃብን ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ከም ገለፃ እቶም ኮሚሽነር፤ ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ካብ ዝተረኸቡ ልምድታትን ካብ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ክልላት ‘ውን ናይ ባዕሎም ፕሮግራም ሓንፂፆም ብትግሃት እናተንቀሳቐሱ ‘ዮም። ሃገራዊ ፕሮግራም ሌማት ትሩፋትን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራን ኣብ ምግብን ስነ-ምግብን ንዝስርሑ ስራሕቲ ሓገዝቲ ምዃኖም ሓቢሮም።

ሓላፊ ቡሳ ጎኖፋ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሞገስ ኢዳኤ ብወገኖም እቲ ትካል ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋ ንዘጋጥሙ ፀገማት ሃገር በቆል ምላሽ ንምሃብ ብዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣልዒሎም። 23 ሚሊዮን ንዝኾኑ ኣባላት ብምውዳብ ብዘዋፅእዎ ገንዘብ ዘጋጥሙ ፀገማት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምፍታሕ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፤ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ምገባ ተምሃሮ ከም ኣብነት ጠቒሶም።

ሎሚ ዓመት ካብ ሕብረተሰብ ብዝተዋፅአ 6 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር 5 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ተምሃሮ ብምምጋብ ብሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ዘጋጥሙ ጉድኣታት ንምንካይ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም። በዚ ‘ውን ንስምምዕነት ቓል ኪዳን ሰቆጣ ተግባራዊ ካብ ምግባር ብዝዘለለ ብሃገር በቆል ሃፍቲ ሰብኣዊ ድጋፍ ምምላእ ከምዝግባእ ንዝሕብር ዓብዪ ትልሚ እቲ ኮሚሽን ኣበርክቶ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ክልል ሲዳማ ኣይተ ኣበራ ዊላ ብወገኖም ምልከታ ዝተገበረሉ ወረዳ ዝለዓለ ፃዕቒ ህዝብን ንኡስ ሽፋን ሕርሻን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ከም ፀብፃብ ግዜኢ፤ ብድጋፍ እቲ ኮሚሽንን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ምርባሕ ከፍትን ደርሆን፣ ዝተመሓየሸ ፈልሲ ኣቮካዶ ብምፍላስን ኣብ ልምዓት ኣሕምልትን ፍራምረን ንኽዋፈሩ ብምግባር ብኢኮኖሚን ብዝተመጣጠነ ምግብን ተጠቀምቲ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብቲ መዳርግቲ ኣካላትን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን መዳርግቲ ትካላትን ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣብ ዝቐረቡ ሰነዳትን ተመኩሮታትን ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን ምልከታ ‘ውን ተገይሩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You