‹‹ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፍትሓዊ ድርድር መዕለቢ ንኽረክብ ድልውቲ ኢያ›› ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ

 ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡-ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ክምለስ ንዝገበሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስጋና ኣቕሪቦም። ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉድኣት ዘየምፅእ ፕሮጀክት ልምዓት ብቕንዕና ስለ ዝተረድኡን እቲ ድርድር ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ክምለስ ስለዝገበሩን እቶም ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ ኣመስጊኖም።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፍትሓዊን ንኹሉ ተረባሂ ዝገብርን ሰለስቴኣዊ ድርድር መዕለቢ ንኽረክብ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ሃገረይ ወኪለ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውፅኢታዊ ገለፃ ገይረ ኢየ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብሕብረት ኣፍሪካ መፍትሒ ከምዝረክብ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ። በቲ ሕብረት ኣቢሉ ዝካየድ ድርድር ብዓወት ንኽዛዘም ዘይናጋዕ ቅዋም ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ምስዚ ተተሓሒዡ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝሳለጥ ከይዲ ድርድር ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ። ከይዲ እቲ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዝደልየኦን ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ናብ ምርድዳእ ንኽበፅሑ ከምዝሕግዝ ‘ውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ።

ብመንፅር እዚ ብመሪሕነት እቲ ሕብረት ዝካየድ ድርድር ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘምን ተቐባልነት ዘለዎ ሓበራዊ ውፅኢት ንኽርከብን ኢትዮጵያ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጡ። እናተኻየደ ዝፀንሐ ድርድር ምቁራፁን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ምውዓሉን ዘሕዝን ተግባር ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዋ ግልፂ ቅዋም ኣፍሊጣ እናሃለወት፤ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ክውሰድ ምግባሩ ግቡእነት ዘይብሉን ዘየዋፅእን ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

እቲ ጉዳይ ምስ ስልጣንን ሓላፍነት እቲ ቤት ምኽሪ ዘይራኸብ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You