ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዘፈር መዓድን ሕጋዊ ንዘይኾኑ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ናይ ምእታው ስራሕ እናተሰርሐ እንትኸውን በዚ ‘ውን ኣብ 30 ማሕበራት ዝተሓቖፉ መናእሰይ ብሕጋዊ መገዲ ንኽንቀሳቐሱ ተገይሩ ‘ዩ ክብሉ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ገሊፆም።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኵናት ኣብ ዘፈር መዓድን ዘይሕጋዊ ንጥፈት ንኽስፋሕፋሕ ገይሩ ‘ዩ ። በዚ ‘ውን ዘይሕጋውያን መውፃእቲ መዓድን ወርቂ ንምውፃእ ዘይተፈቐዱን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ጉድኣት ዘስዕቡን ኬሚካላት እናተጠቐሙ ፀኒሖም።
እዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ንምቕራፍ ከም ቢሮ ትልሚ ተሊምና ኢና ፤ ኣብዚ ድማ ፅቡቕ ዝባሃል ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ፍስሃ ፤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ኣብዚ ዓመት ዘይሕጋዊ ስራሕቲ እናተኻላኸልና ኹሉ ናብ ስርዓት እናድሐዝና ክንኸይድ ኣለና ኢሎም፡፡
ኣብ ዘፈር መዓድን ሕጋዊ ንዘይኾኑ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ናይ ምእታው ስራሕ እናተሰርሐ እንትኸውን በዚ ‘ውን ኣብ 30 ማሕበራት ዝተሓቖፉ መናእሰይ ብሕጋዊ መገዲ ንኽንቀሳቐሱ ተገይሩ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ሕጋዊ ፍቓድ፣ መስርሒ ቦታን ኻልኦት ድጋፋትን ተገይሩሎም ናብ ስራሕ ምእታዎም ተዛሪቦም።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 62 ቢልየን ብር ዝግመት ቀዳማይ ብርኪ ወርቂ ንብሄራዊ ባንኪ ከምዝተልኣኸ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፤ እዚ ንብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ዝተገበረ መጠን ወርቂ ካብ ዓሚ እንትነፃፀር ዓብይ ብልጫ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 50 ኪሎግራም ንብሄራዊ ባንኪ ንምእታው ተተሊሙ ሰለስተ ነጥቢ ሓደ ኪሎ ግራም ከምዝተላእኸ ዝገለፁ ኣይተ ፍስሃ ፤ ኣብ ዝተድሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 51 ኩንታል ቀዳማይ ብርኪ ወርቂ ንብሄራዊ ባንክ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም