ኢትዮጵያ ቕድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ እዋናት ብንጉሳዊ ስርዓት ‘ያ ትመሓደር ነይራ። ነገስታት ‘ውን ኣብ ዘመነ ንግስንኦም ንሃገር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሰሪሖም ይሓልፉ። ንኣብነት ብዘመነ-መንግስቲ ዳግማይ ሚኒሊክ ስልኪ፣ መኪና፣ ባቡርን ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ንኽትጥቀም ገይሮም።
ብተወሳኺ ‘ውን ኣሰራርሓ ኪነ-ህንፃ፣ ግልጋሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጀመሩ ግርማዊ ቀዳማዊ ሃፀይ ሃይለስላሴ ‘ዮም። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምዕባይ ‘ውን ልዑል ኣበርክቶ ኣበርኪቶም ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ደረጅኡ ዝሓለወ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ‘ውን ኣህኒፆም። እቲ ቤተ-መንግስቲ ብ1946 ዓ.ም ተጀሚሩ ብ1948 ዓ.ም ከምዝተዛዘመ ታሪኽ የረድእ። እቲ ቤተ- መንግስቲ ኣብ 27 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ‘ዩ።
እቲ ቤተ-መንግስቲ ሰለስተ ህንፃታት ዘለዉዎ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጦም 170 ክፍልታት ኣለዉዎም። ናይቶም ንጉስ መደቀሲ፣ መመገብን መፀለይን ክፍልታት ኣለዉ። ብተወሳኺ መቐበሊ ጋሻ፣ ንኣጋይሽ ዕድመ ዝግበረሉ ክፍሊ፣ ናይ ኣምባሳደራት ደብዳበ ሹመት መቐበሊ ክፍልታት፣ ቤተ-መፅሓፍቲ፣ ሲኒማ ኣዳራሽን ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ኽፍልታትን ኣለዉ።
እዚ ታሪኻዊ ቤተ-መንግስቲ በቢእዋኑ ንዝለዓሉ ንመንግስትታት ኢትዮጵያ ግልጋሎት እናሃበ እንተፀንሐ ‘ውን፤ ኣድህቦ ስለዘይተወሃቦን ብምኽንያት እርጋንን ተጎዲኡ ነይሩ ‘ዩ። እቲ ቤተ-መንግስቲ ታሪኻዊ ትሕዝቶኡ ከይለቐቐ ብምሕዳስ ንህዝቢ ኽፍቲ ይኹን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓሳብ ኣምፂኦም። ነዚ ሰናይ ተግባር ‘ውን ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ ገንዘብ ድጋፍም ገይሮም።
ናይ ቑርፂ እዋን ደቂ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ተሳቲፎም። ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ነዚ ሰናይ ዕላማ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ምልጋስ ኣይሰስዑን። ሕድሳቱ ንኻልኦት ፕሮጀክትታት ትምህርቲ ክኸውን ብዝኽእለሉ መልክዑ ብቕልጡፍን ብፅርየትን ተኻይዱ።
ኣብዚ ሕዚ እቲ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ውሽጡ ብርክት ዝበሉ ታሪኻዊ ቕርስታት ሃገር ዝሓዘ ‘ዩ። ንጉሳውያን ስድራ ቤት ይጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣውቶሞቢላት፣ መጋየፅታት፣ ናይ ህያብ ኣቑሑት፣ ዘውድታት፣ ዙፋናትን ንጉስ ዝጥቀሙሎም ባቡራትን ሰረገላታትን ካብ መንጎ እቶም ቅርስታት ‘ዮም።
ካብ ሕድሳት ቕርሲ ብተወሳኺ ‘ውን መካነ ርእይ ተሽከርከርቲ፣ ነቲ ቐፅሪ ብሓምለዋይ ልምዓት ምፅባቕን፣ ፋውንቴናት፣ ዕቋራት ማይን ኻልኦትን ልምዓታት ቱሪዝም ተሰሪሖም። ኣብ ቐረባ ‘ውን ነዚ ታሪኻዊ ቤተ-መንግስቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣመራርሓታትን ሰብሞያን ሚድያን ግልጋሎት ቱሪዝም ዝህቡ ትካላትን ሃዊፆምዎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ፤ እቲ ቤተ-መንግስቲ ዘመናዊ ስርዓት መንግስቴ ኢትዮጵያ ዘርእይ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ። እቲ ቤተ-መንግስቲ መዝገብ ናይ ትማሊ ዓወታትናን ታሪኽ ላዕልን ታሕትናን፣ ትርኽቲ ናይ ሎሚ መበገሲ ዘመን ትንሳኤና፣ ናይ ፅባሕ ራኢናን ምልዓልናን መርአዪ ‘ዩ ይብሉ።
ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ምቅርራብ፣ ምዝርራብ፣ ምርድዳእ ‘ምበር ብህንፃ ዝተሓፀረ ፖለቲካዊ ህይወት ከምዘየድሊ ብምግላፅ፤ እቲ ቤተ-መንግስቲ ንህዝቢ ኽፍቲ ምዃኑ ናይዚ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ቐንዲ ምልክት ምዃኑ ይዛረቡ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም