ኣፈላላይ ቕዋም ምስ ሰላም ብምውዳድ ምንባር ይከኣል ‘ ዩ

አዲስ ኣበባ፡- ኣፈላላይ ቕዋም ምስ ሰላም ዘዋደደ አሰራርሓ ብምዝርጋሕ ብሰላም ምንባር ይከኣል ‘ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ አረጋዊ በርሀ (ዶክተር)ተዛሪቦም፡፡

ዶክተር አረጋዊ በርሀ ምስ ጋዜጣ ትፕኢ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝበልዎ፤ሃገራዊ ሰላም ንምርግጋፅ ብወገን ሃገራዊ ምኽክር ዓብዪ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡ኣፈላላይ ቕዋም እንተሃለወ ‘ውን ብሰላም ንምንባር ዘኽእል ኣሰራሓ ብምዝርጋሕ ምንባር ይከኣል ‘ዩ፡፡ነዚ ድማ ግደ ሃገራዊ ምኽክር ዓብዪ ‘ዩ፡፡

ሃገራዊ ዘተ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ዶክተር፤ዘየረዳድኡ ተረኻት ኣለዉ፤እቶም ዘየረዳድኡ ኣየኖት ‘ዮም? እቶም ትኽክለኛታት ኸ ኣየኖት ‘ዮም? ዝብል ጉዳይ ዝፍለዩ ምኽክር እንትግበረሎም ‘ዩ፡፡እዚ ድማ ዘለውና ኣፈላላያት ክፈትሐልና ዝኽእል ኣካይዳን ኣሰራርሓን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብዕሊ ናብ ህዝቢ ከቕርቦን ህዝቢ ኸጋውሖን አድላዪ ‘ዩ፡፡

መንግስቲ ሰላም ናይ ምስፋን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ኣለና ምስ በሉ፤ሰላም ክኽበር ምግባር ናይ ዝኾነ መንግስቲ ግቡእ ‘ዩ፡፡ብምዃኑ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ንሰላም ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ፡፡ብሰሜን፣አምሓራን ትግራይን ከምኡ ‘ውን ኣብ ኦሮሚያ ብዙሓት ትንኮዋታት እንተሃለዉ’ኳ ፀገማትና ብሰላም ንፍታሕ ብምባል ልዕሊ ዝግበኦ እናተንቀሳቐሰ ‘ዩ፡፡

እዚ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ዝያዳ ትርጉም ከምፅእ ብዝኽእል መልክዑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ኾይኑ ግና ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ ስለዘይከኣል ኣፅዋር ዝተዓጠቑ ወገናት ዕላምኦም ንህዝብን ንሃገርን እንተኾይኑ እቲ መማረፂ ሰላም ክጥቀሙሉ ይግባእ፡፡መንግስቲ ፃውዒት ሰላም እንትገብር ንምዝታይ ቕሩባት ኮይኖም ብሰላማዊ መገዲ ናብ ፍታሕ ክመፁ ኣለዎም ኢሎም፡፡

መዛተዪ ጉዳዮም ንህዝቢ ገሊፆም ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ምፍጣር ይኽእሉ ‘ዮም፡፡ ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ንምምፃእ ህዝባዊ ቕዋም ሒዞም ብሰላም እንተረዲኦም ኹሉ ደላዪ ሰላም ክድግፎም ‘ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ብምጥቃስ፤መንግስቲ ድማ ዝጀመሮ ኣጠናኺሩ ተዝቕፅለሉን ኹሉ ተዝተሓባበርን ዓብዪ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል ‘ዩ ኢሎም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You